Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

22 bible verses about

remarrying the same person


1ይ ቈረንቶስ 7:10-11 | 6 Helpful votes

ነቶም እተመርዓዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ አሎኹ።

Translation | Context
ዘዳግም 24:4 | 6 Helpful votes

እንድሕሪ ረኸሰትእቲ ዝሰደዳ ቐዳማይ ሰብኣያሰበይቱ ኽትከውንመሊሱ ኺወስዳ ኣይኽእልን። እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ነታ እግዚእብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ሓጢኣት ኣይተምጽኣላ።

Translation | Context
ዘዳግም 24:1-4 | 5 Helpful votes

ሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ እንተ ወሰደ እሞ እንተ ኣእተዋ፡ ይኸውን ድማ፡ ዜሕፍር ነገር ስለ ዝረኽበላኣብ ቅድሚኡ ሞገስ እንተ ዘይረኸበት፡ መጽሓፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ ይሀባካብ ቤቱውን ይስደዳ። ካብ ቤቱ ምስ ወጸት ድማ፡ ከይዳ ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ እቲ ኻልኣይ ሰብኣይውን እንተ ጸልአመጽሓፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ እንተ ሀባካብ ቤቱ ድማ እንተ ሰደዳ፡ ወይ እቲ፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ፡ ዝወሰዳ ኻልኣይ ሰብኣይ እንተ ሞተእንድሕሪ ረኸሰትእቲ ዝሰደዳ ቐዳማይ ሰብኣያሰበይቱ ኽትከውንመሊሱ ኺወስዳ ኣይኽእልን። እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ነታ እግዚእብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ሓጢኣት ኣይተምጽኣላ።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:9 | 4 Helpful votes

ኣነ ግና፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእትውን ይዝሙእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:11 | 3 Helpful votes

ነቶም እተመርዓዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:6 | 3 Helpful votes

ድጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስሰብ ኣይፍለዮ።

Translation | Context
ዘዳግም 24:1-22 | 3 Helpful votes

ሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ እንተ ወሰደ እሞ እንተ ኣእተዋ፡ ይኸውን ድማ፡ ዜሕፍር ነገር ስለ ዝረኽበላኣብ ቅድሚኡ ሞገስ እንተ ዘይረኸበት፡ መጽሓፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ ይሀባካብ ቤቱውን ይስደዳ። ካብ ቤቱ ምስ ወጸት ድማ፡ ከይዳ ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ እቲ ኻልኣይ ሰብኣይውን እንተ ጸልአመጽሓፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ እንተ ሀባካብ ቤቱ ድማ እንተ ሰደዳ፡ ወይ እቲ፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ፡ ዝወሰዳ ኻልኣይ ሰብኣይ እንተ ሞተእንድሕሪ ረኸሰትእቲ ዝሰደዳ ቐዳማይ ሰብኣያሰበይቱ ኽትከውንመሊሱ ኺወስዳ ኣይኽእልን። እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ነታ እግዚእብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ሓጢኣት ኣይተምጽኣላ። ሓደ ሰብኣይ ሓዳስ ሰበይቲ ምስ ኣእተወናብ ውግእ ኣይውጻእ፡ ገለ ናይ ዕዮ ነገርውን ኣይጽዐንዎሓንቲ ዓመት ኣብ ቤቱ ሓራ ይኹን፡ ነታ ዝወሰዳ ሰበይቱ ባህ የብላ። ሰብ መጥሓንን መዲድን፡ ንሱ ነፍሲ እዩ ዚሕዝ ዘሎ እሞ፡ ንታሕዚ ኣይውሰዶሓደ ሰብ ንሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ኻብ ደቂ እስራኤል ሰሪቑ፡ ባርያ ኺገብሮ ወይ ኪሸጦ ኸሎ እንተ ተረኽበ፡ እቲ ሰራቒ እቲ ይሙት። ነቲ ኽፉእሲ ኻብ ማእከልካ ኣርሕቆ። ካብ ሕማም ለምጺ ተሐሎከምቲ ሌዋውያን ካህናት ዝመሀሩኹም፡ ኵሉ ኽትገብር ኣጸቢቕካ ተጠንቀቕ። ከምቲ ኣነ ዝአዘዝክዎም፡ ክትገብሩ ተጠንቀቑእግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እቲ ኻብ ግብጺ ወጺእኩም ኣብ መገዲ ኸሎኹም፡ ንሚርያም ዝገበሮ ዘክርንብጻይካ ገለ ለቕሓ ምስ እትለቅሖታሕዚ ኽትወስድ ናብ ቤቱ ኣይትእቶኣብ ግዳም ደው ኢልካ ጽናሕ፡ እቲ ንስኻ ዘለቃሕካዮ ሰብ ነቲ ታሕዚ ናብ ግዳም ናባኻ የውጽኣዮእቲ ሰብ ንሱ ድኻ እንተ ዀነ፡ እቲ ታሕዙ ኣባኻ ኣይተሕድርተኸዲንዎ ምእንቲ ኺድቅስእቲ ታሕዚ ዕርበት ጸሓይ ምለሰሉይምርቐካ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካውን ንጽድቂ ይዀነካ። ካብ ኣሕዋትካ እንተ ዀነ፡ ወይ ኣብ  ሃገርካ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኻብ ዚነብሩ ጓኖትካ እንተ ዀነ፡ ንድኻን ሽጉርን ወዓላይ ኣይትዐምጾ። ንሱ ድኻ እዩ፡ ነፍሱ ኸኣ ንእኡ ትጽበ አላ እሞ፡ ውዕለቱ ሽዑ መዓልቲ ጸሓይ ከይዐረበት ሀቦ። እንተ ዘይኰነስ፡ ናብ እግዚኣብሄር ይጠርዓልካ፡ እሞ ሓጢኣት ይዀነካ። ኣቦታት ብሰሪ ደቆም ኣይሙቱደቂ ኸኣ ብሰሪ ኣቦታት ኣይሙቱነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ይሙትንስደተኛን ንዘኽታምን ፍርዲ ኣይትጥወክዳን መበለት ከኣ ንታሕዚ ኣይትውሰድ። ንስኻ ድማ ኣብ ግብጺ ባርያ ከም ዝነበርካን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ካብአ ኸም ዘድሓነካን ዘክር። ስለዚ ነዚ ነገር እዚ ኽትገብሮ፡ ኣነ እእዝዘካ አሎኹ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ግብሪ ኢድካ ምእንቲ ኺባርኸካስዓጺድካ ኣብ ግራትካ ኽትዐጽድ ከሎኻ፡ ኣብ ግራት እንዳእቲ እንተረሳዕካ፡ ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ይኹን እምበር፡ ክትወስዶ ኣይትመለስኣውልዕካ ምስ እተርግፍመሊስካ ኣብ ጨናፍር ኣይትእረ፡ ንሱስ ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ደኣ ይኹን። ወይንኻ ምስ እትቕንጥብመሊስካ ኣይተቐርሞ፡ ንሱስ ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ደኣ ይኹን። ኣብ ምድሪ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር፡ ስለዚ ነዚ ነገር እዚ ኽትገብሮ እእዝዘካ አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:32 | 2 Helpful votes

ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ኤርምያስ 3:1 | 2 Helpful votes

ብሁልዶ ኣይኰነን፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተ ፈትሓ እሞ ንሳ ኻብኡ ኸይዳ ኣብ ካልእ ሰብኣይ እንተ ተኣቶት፡ ከም ብሓድሽዶ ናብኣ ይምለስ እዩ፧ እቲ ምድሪዶ ኣዝዩ ኣይረክስን፧ ንስኺውን ምስ ብዙሓት ፈተውቲ ኣመንዚርክስ፡ ናባይዶ ኽትምለሲ ኢኺ፧ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
እብራውያን 13:4 | 2 Helpful votes

ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:1-40 | 2 Helpful votes

ብዛዕባ እቲ ዝጸሐፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ። ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግባኣ ይግበረላከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። ሰበይቲሰብኣያ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብኣይሰበይቱ ደኣ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ። ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ። እዚ ግና ከም ፍቓድ እብል አሎኹ እምበር፡ ትእዛዝ ኣይኰነንኲሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ኪኸውን ምፈቶኹ ነይረ፡ ግናኸ እቲ ሓደ ኸምዚ እቲ ሓደውን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ወውህበቱ አለዎ። ንዘይተመርዓዉን ንሓያማትን ግና፡ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩጽቡቕ እዩእብል አሎኹ። ነፍሶም ኪመልኩ እንተ ዘይተኻእሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ እሞ፡ ይመርዓዉ። ነቶም እተመርዓዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ አሎኹ። ነቶም ካልኦት ድማ ኣነ እብል አሎኹ፡ ጐይታ ኣይኰነን፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ በታ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፡ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲውን በቲ ሓው ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ፡ ውሉድኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፡ ሕጂ ግና ቅዱሳን እዮምሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ አላቶ፡ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወትኣይፍትሓያሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣለዋ፡ ንሱ ኸኣ ምስኣ ኺነብር እንተ ፈተወ፡ ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ። ኣቲ ሰበይቲንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢወይስ ኣታ ሰብኣይንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧ እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና አሎ። ብዝተረፈስ፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝዓደሎ፡ ነፍሲ ወከፍውን ከምቲ ኣምላኽ ዝጸውዖ ዀይኑ ይመላለስንዂላተን ማሕበራት ከምኡ እየ ዝሰርዕ ዘሎኹ። ግዙር ክነሱ እተጸውዔዶ አሎ፧ ዘይግዙር ምዃኑ ኣይድለ። ዘይግዙር ክንሱ እተጸውዔኸ ኣሎዶ፧ ኣይገዘርምሕላው ትእዛዛት ኣምላኽ እዩ ዚጠቅም እምበር፡ ግዝረት ፍረ የብሉንዘይግዝረትውን ፍረ የብሉን። ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸዋዓሉ ጽውዓ ይንበርባርያ ኽነስኻ ዲኻ እተጸዋዕካኣይትጒሄሓራ ኽትወጽእ እንተ ዀነልካ ግና፡ ከምኡ ግበር። እቲ ባርያ ኽነሱ እግዚኣብሄር ዝጸውዖ፡ ናይ እግዚኣብሄር ውጹእ ሓራ እዩ። ከምኡውን እቲ ሓራ ኽነሱ እተጸውዔባርያ ክርስቶስ እዩ። ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም፡ ባሮት ሰብ ኣይትኹኑኣሕዋተየ፡ ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸውዖ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብእኡ ይንበርብናይ ደናግል ግና፡ እሙን ክኸውን ካብ እግዚኣብሄር ምሕረት ከም እተቐበልኩሓሳባይ እብል አሎኹ እምበር፡ ካብ እግዚኣብሄር ትእዛዝ የብለይን። እምብኣርሲ ንሰብ ብምኽንያት እቲ ሎሚ ዘሎ ጭንቀት ከምታ ዘለዋ ዀይኑ ኺነብር ጽቡቕ ከም ዝዀነ፡ ይመስለኒብሰበይትኻዶ እሱር ኢኻ፧ ፍትሕ ኣይትድለብሰበይትኻዶ ኣይተኣሰርካን፧ ሰበይቲ ኣይትድለ። ግናኸ እንተ ተመርዖኻሓጢኣት ኣይገበርካንድንግልውን እንተ ተመርዓወት፡ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና ብስጋ መከራ ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ኣነ እንሕፈኩም አሎኹ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ግና እነግር አሎኹ፡ እቲ ዘመን ሓጺር እዩ፡ እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ድሕርዚ ኸም ዜብሎም ይኹኑ። እቶም ዚበኽዩ ኸም ዘይበኽዩ፡ እቶም ዚሕጐሱ ኸኣ ከም ዘይሕጐሱ፡ እቶም ዚዕድጉውን ከም ዘየጥረዩ ይኹኑ። ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ፡ እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ። ኣነ ግና ብዘይ ሓልዮ ኽትኰኑ እየ ዝፈቱ። እቲ ዘይተመርዓወ ኸመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጒሶ ብናይ ጐይታ እዩ ዚሐሊ። እቲ እተመርዓወ ግና ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሐጒሳ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዚሐሊ። ናይ ምርዕውቲ ሰበይትን ናይ ድንግልን ድማ በበይኑ እዩ። እታ ዘይተመርዓወትስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ ኢላ፡ ብናይ ጐይታ እያ እትሐሊ፡ እታ ምርዕውቲ ግና፡ ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጒሶብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሐሊብተገብኤ ነገርን ብጽንዓትን ከይተናቓነቕኩም ብጐይታ ኽትጸንዑ እምበርመፈንጠራ ምእንቲ ኽገብረልኩም ኣይኰንኩን፡ እዚ ንረብሓ ርእስኹም እዩ ዝብሎ ዘሎኹ። ግናኸ ሓደ በታ ድንግል ጓሉ ዜሕፍር ዘለዎ እንተ መሰሎ፡ ኣዝያ ኸኣ ብጽሕቲ እንተ ዀነት፡ ከምዚ ኪኸውን ድማ ዚግባእ እንተ ዀይኑዝደለየ ይግበርሓጢኣት የብሉንንሰብኣይ ይሃባ። ግናኸ እቲ ብልቡ ወዲእዎ ዝጸንዔግዲ ዘይኰኖኣብ ገዛእ ፍቓዱ ምልኪ ዘለዎ፡ እታ ጓሉ ብድንግልናኣ ኽትነብር ብልቡ ዝቘረጾ፡ ጽቡቕ ይገብር። እምብኣርሲ እቲ ንጓሉ ንሰብኣይ ዚህብ ጽቡቕ ይገብር፡ እቲ ዘይህብ ከኣ ዚሐይሽ ይገብርሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ዘመን፡ እስርቲ እያ። ሰብኣይ እንተ ሞተ ግና፡ ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ። ከም ሓሳበይ ግና፡ ከምቲ ዘላቶ ዀይና እንተ ትነብር፡ ኣዝያ ብጽእቲ ምዀነት፡ ኣነውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎኒ ይመስለኒ አሎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:4-6 | 2 Helpful votes

መሊሱ በሎም፡ እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፡ ድማ፡ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ ድጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስሰብ ኣይፍለዮ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:13-15 | 2 Helpful votes

ነቶም ካልኦት ድማ ኣነ እብል አሎኹ፡ ጐይታ ኣይኰነን፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ በታ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፡ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲውን በቲ ሓው ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ፡ ውሉድኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፡ ሕጂ ግና ቅዱሳን እዮምሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ አላቶ፡ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወትኣይፍትሓያሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣለዋ፡ ንሱ ኸኣ ምስኣ ኺነብር እንተ ፈተወ፡ ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ። ኣቲ ሰበይቲንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢወይስ ኣታ ሰብኣይንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧ እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና አሎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:39 | 2 Helpful votes

ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ዘመን፡ እስርቲ እያ። ሰብኣይ እንተ ሞተ ግና፡ ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:38 | 2 Helpful votes

ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:1-13 | 2 Helpful votes

ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድልስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእንፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕንኣይተስተሓፍርንናታ ኣይትደልንኣይትምረርንኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላንኲሉ ትጸውርኲሉ ትኣምንኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡ ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸእቲ ምቃል ኪሰዓር እዩ። ቈልዓ ኸሎኹከም ቈልዓ ተዛረብኩልቢ ቘልዓ ነበረኒከም ቈልዓ ሐሰብኩሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ አሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። ሕጂ ግና እምነትተስፋፍቕሪእዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።

Translation | Context
ማርቆስ 10:11-12 | 2 Helpful votes

ንሱ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዜእቱ ኣብኣ ዘመወእታ ሰብኣያ ፈቲሓ ንኻልእ እተኣትወት ድማ ዘመወት፡ በሎም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:10 | 2 Helpful votes

ነቶም እተመርዓዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:1-7 | 2 Helpful votes

እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ። እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲጥንቁቕቀጻዕ ነፍሱኣገባብ ዚፈልጥተቐባል ጋሻንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦዘይሰክርዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡምዘይብኣስፈታው ገንዘብ ዘይኰነነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። ተነፊሑ ናብ ፍርዲ ድያብሎስ ምእንቲ ኸይወድቕሓድሽ ተኽሊ ኣይኹን። ኣብ ጸርፍን መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ኪህልዎ ይግባእ

Translation | Context
ማቴዎስ 5:31-32 | 2 Helpful votes

ንሰበይቱ ዚፈትሓጽሕፈት መፍትሒኣ ይሀባተባህለ። ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሉቃስ 16:18 | 2 Helpful votes

ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ ካብ ሰብኣያ ንተፈትሔት ዜእቱውን ይዝሙ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:28 | 2 Helpful votes

ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context