Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all20 bible verses about
እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextእቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ አሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና።
Translation | Contextድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።
Translation | Contextንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፣ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ።
Translation | Contextበቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ፡
Translation | Contextስለዚ ሓቛቝ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ።
Translation | Contextኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡ ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።
Translation | Contextመዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ አላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን።
Translation | Contextንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።
Translation | Contextነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይተፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ። ጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ።
Translation | Contextብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም።
Translation | Contextእቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም።
Translation | Contextኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextንስኻትኩም ግና ንክርስቶስ ከምዚ ጌርኩም ኣይተመሃርኩምዎን። እታ ሓቂ ኣብ የሱስ ከም ዘላ ሰሚዕኩምዋን ኣብኡ ተምሂርኩምዋን እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ፡ ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፡ በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ፡ እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ።
Translation | Contextበቲ ሓቂ ቐድሶም፡ ቃልካ ሓቂ እዩ።
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ አሎና። እምብኣርሲ እቲ መንፈሳዊ ንዂሉ ይምርምር፡ ንሱ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ።
Translation | Contextእቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።
Translation | Contextእንሆ፡ ዝድግፎ ባርያይ፡ ሕሩየይ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ዚብላ፡ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ አሎኹ፡ ንሱ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ። ኣይኪጭድርን፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ኸኣ ኣብ ኣደባባይ ኣይኬስምዕን እዩ። ጭፍሉቕ ወምብቆ ኣይኪሰብርን፡ ተኻኺ ጥዋፍ ድማ ኣይኬጥፍእን እዩ፡ ፍትሒ ብሓቂ የውጽእ። ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዚምስርት፡ ሓይሉ ኣይሐምቕን ኣይሕለልን ደሴታት ከኣ ሕጉ ኺጽበያ እየን። እቲ ንሰማያት ዝፈጠሮም ዝገተሮን፡ ንምድርን ንሳ እተብቊሎን ዝዘርግሔ፡ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ህዝቢ ኸኣ ትንፋስ ዝሀበ፡ ነቶም ኣብኣ ዚመላለሱ ድማ መንፈስ ዝሀበ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ ኣዒንቲ ዕውራት ምእንቲ ኽትከፍት፡ ንእሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዚነብሩ ኸኣ ካብ ማእሰርቶም ምእንቲ ኸተውጽኦምስ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብጽድቂ ጻዋዕኩኻ፡ ብኢድካ ኽሕዘካን ክሕልወካን ኪዳን ህዝቢ፡ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካን እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ስመይ እዚኣ እያ፡ ክብረተይ ከኣ ንኻልእ፡ ምስጋናይውን ንጽሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ።
Translation | Context