Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

respecting elders


ዘሌዋውያን 19:32 | 16 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብርንኣምላኽካውን ፍርሃዮኣነ እግዚኣብሄር እየ

Translation | Context
ኤፌሶን 6:1-4 | 16 Helpful votes

ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎምኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብርጽቡቕ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ። ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:1-14 | 10 Helpful votes

እምብኣርሲ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ሽማግሌታት፡ ኣነ መሸማግልቶምብስቓይ ክርስቶስ ድማ መስካሪኣብቲ ደሓር ኪግለጽ ዘልዎ ኽብሪውን ተማቓሊ እየ እሞ፡ እምዕዶም አሎኹ፡ ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹንብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡ ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ። እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ፡ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም። ኣቱም መንእሰይከምኡ ነቶም ዚዐብዩኹም ተገዝእዎምኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶምንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡትሕትና ተዐጠቑ። ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹምዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑንቕሑ። እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘልዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩምብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ። እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ኺፍጽመኩም፡ ኬጽንዓኩም፡ ኬበርትዓኩምኪስርተኩምውን እዩ። ንዘለኣለም ኣለም ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜንብስልዋኖስ፡ ንኣይ ከም ዚመስለኒ እሙን ሓዉና ገይረ፡ እናመኸርኩኹምእዚ ደው ኢልኩምሉ ዘሎኹም ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ እናመስከርኩቅሩብ ጽሒፈልኩም አሎኹ። እታ መተሓርይትኹም ኣብ ባቢሎን ዘላ ማሕበርን ማርቆስ ወደይን ሰላም ይብሉኹም አለዉ። ብናይ ፍቕሪ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሀሉ። ብክርስቶስ የሱስ ዘሎኹም ኵላትኩም ሰላም ይሀልኹምኣሜን

Translation | Context
ኤፌሶን 6:1 | 9 Helpful votes

ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም

Translation | Context
ቲቶስ 2:1-15 | 8 Helpful votes

ንስኻ ግና ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ኸም ዚግባእ ጌርካ ንገር፡ እቶም ኣረገውቲ ሰብኡት ጥንቁቓት፡ ረዘንቲ፡ ለባማት፡ ብእምነትብፍቕሪብትዕግስቲ ጥዑያት ኪዀኑ፡ እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ፡ ዘይሓመይቲብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ኪዀና፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራነፍሰን ዚቐጽዓ ንጹሃትቤተን ዚኣልያሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና ኼለብምኤን ምዓደን። ነጕባዝውን ከምኡ ለባማት ኪዀኑ ምዓዶምካብቶም ተቓናቐንቲ ሓደ እኳ ብዛዕባና ዚብሎ ክፉእ ነገር ስኢኑ ምእንቲ ኺሐፍርሲብንጹህ ትምህርቲብምርዛን፡ መንቅብ ብዜብሉ ጥዑይ ዘረባንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእሰኻ ኣርኣያ ግበርንግዙኣት፡ ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ምእንቲ ኺስልምዎብዅሉ ደኣ ሕያወይቲ እምነት ኬርእዩ እምበር፡ መደሃሃቕቲ ኸይኰኑ፡ ንጐይተቶም ዚግዝኡዳርግዳርጋ ዘይመልሱብዅሉ ባህ ዜብሉ ኪዀኑ፡ ምዓዶም። ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ፡ እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድናኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና አሎ። የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣናንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘብ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ። እዚ ብዅሉ ስልጣን ንገርን ምዓድን ግናሕንሓደ እኳ ኣይንዓቕካ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:1 | 8 Helpful votes

ንኣረጊት ሰብኣይ ከም ነቦ ምዓዶ እምበር፡ ኣይትዝብሐዮ። ነቶም መንእሰይ ከም ነሕዋት ምዓዶም።

Translation | Context
ምሳሌ 20:29 | 6 Helpful votes

ሓይሊ ንመንእሰይ ክብረቱ እዩ፡ ንኣረገውቲ ኸኣ ሽበቶም ስልማቶም እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 20:11 | 5 Helpful votes

ቈልዓ እኳ ዕዮኡ ቕኑዕን ንጹህን እንተ ዀነ፡ ብግብሩ ይፍለጥ

Translation | Context
ዘጸአት 20:12 | 4 Helpful votes

ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:1-29 | 3 Helpful votes

ኣቱም ደቀየ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎና፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስእቲ ጻድቕ፡ እዩ። ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበርብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን። ንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሐሎናከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላንእቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግና ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸምኣብኡ ኸም ዘሎናበዚ ኢና እንፈልጥእቲኣብኡ እነብር አሎኹ፡ ዚብልከምቲ ንሱ እተመልላለሶ፡ ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ። ፍቁራተየእቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም ብሉይ ትእዛዝ እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኰነን ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ። እቲ ብሉይ ትእዛዝ እዚ ዝሰማዕኩምዎ ቓል እዩ። ከም ብሓድሽ ብእኡን ብኣኻትኩምን ሓቂ ዝዀነ ሓድሽ ትእዛዝ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ጸልማት ሐሊፉ እዩ እሞእቲ ብርሃን ሓቂውን ድሮ እኳ የብርህ አሎ። ኣብ ብርሃን አሎኹዚብልንሓዉ ኸኣ ዚጸልእክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎእቲ ንሓዉ ዜፍቅሮ ኣብ ብርሃን እዩ ዚነብርመዓንቀፊውን ኣብኡ የልቦንእቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎኣብ ጸልማትውን ይመላለስጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ። ደቀየሓጢኣትኩም ስለ ስሙ ተሐዲጉልኩም እዩ እሞ፡ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣቦታትነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞእጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣጕባዝነቲ እኩይ ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞእጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ቈልዑነቦ ስለ ዝፈለጥኩምዎጽሒፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣጕባዝብርቱዓት ስለ ዝዀንኩም ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፡ ነቲ እኩይውን ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞጽሒፈልኩም አሎኹ። ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋፍቕሪ ኣቦ የብሉንኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትንእዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበርካብ ኣቦስ ኣይኰነንዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣእቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብርደቀየእዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያከምቲእቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእዝሰማዕኩምዎ፡ ካብ ሕጂውን ብዙሓት ኣጽራር ክርስቶስ ተንሲኦም አለዉ። እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት ምዃና በዚ ኢና እንፈልጥካባና ወጺኦምግናኸ ካባና ኣይነበሩንካባና ነይሮም እንተ ዚዀኑስምሳና ጸኒዖም ምነበሩ ነይሮም። ግናኸ ኵላቶም ካባና ዘይምዃኖም ምእንቲ ኺገሀድ እዮም ዝወጹንስኻትኩም ድማ ቅብኣት ካብቲ ቅዱስ አሎኹምንዅሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም። ነታ ሓቂ ትፈልጥዋ ስለ ዘሎኹም እየ ዝጸሐፍኩልኩም እምበር፡ ስለ ዘይትፈልጥዋስ ኣይኰንኩን፡ ኵሉ ሓሶትውን ካብ ሓቂ ኣይኰነንእቲ ንየሱስንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑኸመን እዩ እቲ ሓሳዊእቲ ነቦን ወድን ዚኽሕዶምንሱ እዩ እቲ ጸረ ክርስቶስነቲ ወዲ ዚኽሕዶ ዘበለ ዅሉ፡ ንእኡ እቲ ኣቦ የብሉንነቲ ወዲ እተኣመነ ግናእቲ ኣቦ አለዎንስኻትኩምሲእቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ደኣ ይንበርእቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዚነብር እንተ ዀይኑስንስኻትኩም ድማ ኣብቲ ወድን ኣብቲ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም። እታ ንሱ ዘተስፈወና ተስፋ ኸኣ እታ ናይ ዘለኣለም ህይወት እያብዛዕባ እቶም ዜስሕቱኹም እየ እዚ ዝጸሐፍኩልኩምንስኻትኩምሲከምቲ ቕብኣቱ ብዛዕባ ዅሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ኸምቲ ንሱ ዝመሀረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር አሎ እሞሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ። ሕጂ ድማደቀየ፡ ንሱ ኺግለጽ ከሎትብዓት ምእንቲ ኽንረክብብምጽኣቱውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሐፍርስብእኡ ንበሩንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ኻብኡ ኸም እተወልደውንፍለጡ

Translation | Context
ማርቆስ 7:9-13 | 3 Helpful votes

ስርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስኩምሲ ጽቡቕ ደኣ። ሙሴኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብርነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውስእ፡ ሞት ይሙትኢሉ አሎ። ንስኻትኩም ግና፡ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ ቝርባን ገይረዮ እየ፡ ማለት መባእ እዩ፡ እንተ በሎደጊም ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሓደ ነገር ኪገብረሎም ከቶ ኣይትፈቕዱሉን ኢኹም። ምእንቲ እቲ ዝሰራዕኩምዎ ስርዓትሲ ቓል ኣምላኽ ትስዕሩነዚ ዚመስልውን ብዙሕ ትገብሩ አሎኹም።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:15-20 | 2 Helpful votes

ሓውካ እንተ በደለካኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካንሓውካ ረባሕካዮ። እንተ ዘይሰምዓካ ግና፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ፡ ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰሞኣ ግና፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ። ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውንብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:2 | 2 Helpful votes

ንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት ጌርካ ብዅሉ ንጽህና ምዓደን።

Translation | Context