Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

respecting your elders


1ይ ጢሞቴዎስ 5:1-2 | 24 Helpful votes

ንኣረጊት ሰብኣይ ከም ነቦ ምዓዶ እምበር፡ ኣይትዝብሐዮ። ነቶም መንእሰይ ከም ነሕዋት ምዓዶም። ንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት ጌርካ ብዅሉ ንጽህና ምዓደን።

Translation | Context
እብራውያን 13:17 | 14 Helpful votes

ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምንንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 19:20 | 14 Helpful votes

ኣብ መውዳእታኻ ጥበበኛ ኽትከውንሲ፡ ምኽሪ ስማዕተግሳጽውን ተቐበል

Translation | Context
ኤፌሶን 6:1 | 9 Helpful votes

ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:32 | 8 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብርንኣምላኽካውን ፍርሃዮኣነ እግዚኣብሄር እየ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:5 | 7 Helpful votes

ኣቱም መንእሰይከምኡ ነቶም ዚዐብዩኹም ተገዝእዎምኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶምንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡትሕትና ተዐጠቑ።

Translation | Context
ሉቃስ 17:1-37 | 7 Helpful votes

ንደቀ መዛሙርቱ በሎምመዓንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ። ነቲ ብሰሩ መዓንቀፊ ዚመጽእ ግና ወይለኡካብዞም ናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዜስሕትሲመጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ናብ ባሕሪ ኺድርበ ምሔሾ ነይሩ። ንርእስኹም ተጠንቀቑሓውካ እንተ በደለካግንሐዮ፡ እንተ ተጣዕሰሕደገሉኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ እንተ በደለካተጥዒሰ እናበለ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ናባኻ እንተ ተመልሰሕደገሉሃዋርያት ድማ ንጐይታእምነት ወስኸናበልዎጐይታ ኸኣ፥ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ትህልወኩምሲነዚ ሳግላተመንቍስካ ኣብ ባሕሪ ተተኸልምበልኩምዎ እሞ ምተኣዘዘኩም ነይሩ። ካባኻትኩምከ ዚሐርስ ወይስ ዚጓሲ ባርያ ዘለዎ እሞ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወቀልጢፍካ ሕለፍክትድረር ተቐመጥዚብሎ መን አሎ፧ ክድረር ኣዳልወለይክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከኣ ተዓጢቕካ ኣገልግለኒድሕርቲ ንስኻውን ብላዕን ስተን፡ ደይኰነን ዚብሎ፥ ወይስ ነቲ ባርያ እቲኸ እቲ እተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ ይንእዶዶኣይመስለንንከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩምንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርናበሉኰነ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎብመንጎ ሰማርያን ገሊላን ሐለፈ። ናብ ሓንቲ ዓዲ ኺኣቱ ኸሎ፡ ዓሰርተ ለምጻማት ተጓነፍዎ። ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎምከኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም፥ ዎ የሱስ መምህርምሐረናበልዎንሱ ርእይዎምኪዱርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩበሎምኰነ ኸኣኪኸዱ ኸለዉነጽሁ። ካባታቶም ሓደ ኸኣ ከም ዝሐወየ ምስ ረአየድምጹ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ተመለሰእናኣመስገኖ ኸኣ ኣብ እግሩ ብገጹ ተደፍኤንሱ ኸኣ ሳምራዊ እዩ። የሱስ ግና፥ ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ አለዉ፡ ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ እተመልሰዶ የልቦን፡ ኢሉ መለሰ። ደሓር ከኣ፥ ተንስእ እሞ ኺድእምነትካ ኣሕወየትካበሎፈሪሳውያንመንግስቲ ኣምላኽ ምኣዝ ትመጽእኢሎም ምስ ሓተትዎ ኸኣ፡ ንሱ፥ መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም አላ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ፡ እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ዚብላውን የልቦን፡ ኢሉ መለሰሎምንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ በሎም፥ ካብ መዓልትታት ወዲ ሰብ ሓንቲ ኽትርእዩ እትምነዩለን መዓልትታት ከመጻ እየን፡ ኣይክትርእዩን ከኣ ኢኹም። መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ኻልእ ወሰን ሰማይ ከም ዚበርቕን ከም ዜብርህን፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ በታ መዓልቲ ኪኸውን እዩ እሞእንሆ ኣብዚ ወይስ እንሆ ኣብቲ አሎ፡ ኪብልኹም እዮምኣይትኺዱ ኣይትስዓብዎምንቅድም ግና ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ በዚ ወለዶ እዚውን ኪነዓቕ ብግዲ እዩ። ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ኪኸውን እዩክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትውን ነበሩ። ማይ ኣይሂ ድማ መጸ ንዅሎምውን ኣጥፍኤብዘመን ሎጥ ድማ ከምኡ ዀነይበልዑን ይሰትዩን ይሸጡን ይሻየጡን ይተኽሉን ይሃንጹን ነበሩ። በታ ሎጥ ካብ ሶዶም ዝወጸላ መዓልቲ ድማ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ወረደ፡ ንዅሉ ኸኣ ኣጥፍኤ። በታ ወዲ ሰብ ዚግለጸላ መዓልቲ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ደርቢ ዘሎኣቓሑኡ ኸኣ ኣብ ቤት ዘለዎ ኺወስዶ ኢሉ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎውን ንድሕሪት ኣይመለስንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ፡ እቲ ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና እዩ። በታ ለይቲ እቲኣ ኽልተ ኣብ ሓንቲ ዓራት ኪድቅሱ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድእቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። ክልተ ኣንስቲ ብሓንሳእ ኪጥሕና እየን፡ እታ ሓንቲ ኽትውሰድእታ ኻልኣይቲ ኽትሕደግ እያ። ክልተ ኣብ ወፍሪ ኺጸንሑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድእቲ ኻልኣይ ኪሕደግ እዩ፡ እብለኩም አሎኹ። መሊሶም ከኣ፥ ጐይታይኣበይከ እዩ፧ በልዎ። ንሱውን፥ ኣብቲ ገምቢ ዘልዎ፡ ኣሞራታት ናብኡ ኺእከቡ እዮም፡ በሎም

Translation | Context
ዘፍጥረት 27:1-46 | 4 Helpful votes

ኰነ ድማይስሃቅ ኣሪጉ ኣዒንቱ ጽልግልግ ኢለን ምርኣይ ምስ ሰኣናንኤሳው ነቲ ዓብዪ ወዱ ጸዊዑ፡ ኣታ ወደይበሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፡ እንሆ፡ ሕጂ ኣሪገ እየመዓልቲ ሞተይ ድማ ኣይፈልጥን እየ። ሕጂ በጃኻ መሳርያኻጕልድባኻን ቀስትኻን፡ ውሰድ እሞ ንመሮር ወፊርካሀዲንካ ኣምጽኣለይከይሞትኩ ነፍሰይ ምእንቲ ክትምርቐካስ፡ ኣነ ዝፈትዎ ጥዑም ብልዒ ኽበልዕሰሪሕካ ኣምጽኣለይ፡ በለ። ርብቃ ኸኣ ይስሃቅ ንወዱ ኤሳው ኪዛረቦ ኸሎ ሰምዔትኤሳው ድማ ሀዲኑ ኼምጽእ ናብ መሮር ወፈረርብቃ ኸኣ ንወዳ ያእቆብ ከምዚ ኢላ ተዛረበቶእንሆኣቦኻ ንሓውካ ኤሳውበሊዔ ቕድሚ ሞተይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክምርቐካስሀዲንካ ጥዑም ብልዒ ጌርካ ኣምጽኣለይ፡ ኢሉ ኺዛረቦ ሰሚዔዮ አሎኹ። ሕጂ ድማ ወደየከምቲ ኣነ ዝእዝዘካ ቓለይ ስማዕ። ናብተን መጓሰ ኼድካካብኡ ኽልተ ጽቡቓት መሓስእ ኣምጽኣለይ። ኣነ ኸኣ ንኣታተን ከምቲ ኣቦኻ ዚፈትዎ ጥዑም ብልዒ ገይረ ኽሰርሓሉንሱ ድማ በሊዑቅድሚ ሞቱ ምእንቲ ኺምርቐካስነቦኻ ኸተእትወሉ። ያእቆብ ከኣ ነዲኡ ርብቃ፡ እንሆ፡ ሓወይ ኤሳው ጸጓር ሰብኣይ እዩ፡ ኣነ ግና ልሙጽ ሰብኣይ እየ። ምናልባሽ ኣቦይ እንተኣረምሰሰንስ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጠባሪ ኸይከውን፡ ኣብ ልዕለይ ከኣ መርገም ኤምጽእ እምበር፡ ምርቓስ ኣይኰነን፡ በለ። ኣዲኡ ድማ፡ ወደይመርገምካስ ኣባይ ይብጻሕ፡ ቃለይ ግዳ ስማዕኬድካ ኣምጽኣለይበለቶከይዱ ድማ ወሰደንነዲኡውን ኣምጽአላኣዲኡ ኸኣ ኣቦኡ ዚፈትዎጥዑም ብልዒ ኣዳለወትርብቃ ድማ እቲ ምሳኣ ኣብ ቤት ዝነበረ ጽቡቕ ክዳውንቲ ኤሳው፡ እቲ ዓብዪ ወዳወሲዳያእቆብ፡ ነቲ ንእሽቶ ወዳ፡ ከደነቶ። ኣብ ኣእዳዉን እብቲ ልሙጽ ክሳዱን ድማ ቘርበት እተን መሓስእ ጠምጠመትሉ። እቲ ጥዑም ብልዕን እቲ ዝሰንከተቶ እንጌራን ገይራ፡ ንወዳ ያእቆብ ኣብ ኢዱ ሀበቶ። ንሱ ኸኣ ናብ ኣቦኡ አትዩኣቦየበሎ። ንሱ ድማ፡ እኔኹ ወደይ፡ መን ኢኻ ንስኻ፧ በለያእቆብ ከኣ ነቦኡኣነ ኤሳው በዅርኻ እየ። ከምቲ ዝበልካኒ ገይረ አሎኹ እሞ ነፍስኻ ምእንቲ ኽትምርቐንስተንሲእካ ዀታ ኾፍ በል፡ ካብዚ ሃድነይ ድማ ብላዕ፡ በሎ። ይስሃቅ ከኣ ንወዱ፥ ከመይ ኢልካ ኽንድዚ ብቕልጡፍ ረኸብካ፡ ወደይ፧ በሎ። ንሱ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ቅድመይ ኣጋባጊቡለይበለይስሃቅ ከኣ ንያቆብወደይብሓቂ ንስኻ ወደይ ኤሳው እንተ ዄንካ ወይ እንተ ዘይኴንካ ኸረምስሰካስ፡ ቅረብበሎያእቆብ ድማ ናብ ኣቦኡ ይስሃቅ ቀረበኣረምሲሱ ኸኣ፡ ድምጽስ ድምጺ ያእቆብ እዩእእዳው ግና ኣእዳው ኤሳውበለ። ንሱ ድማ፡ ኣእዳው ኸም ኣእዳው ኤሳው ሓዉ ጸጓራት ነበራ እሞ፡ ኣየለለዮንመረቖ ኸኣ። ብሓቂዶ ንስኻ ወደይ ኤሳው ኢኻ፧ ድማ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ በለነፍሰይ ምእንቲ ኽትምርቐካስ ካብቲ ሃድን ወደይ ክበልዕ ኣቕርበለይ፡ ድማ በለ። ኣቕረበሉ፡ በልዔ ድማ፡ ወይኒውን ሀቦ እሞ ሰተየኣቦኡ ይስሃቅ ድማ፡ ወደይቀሪብካባ ስዐመኒ በሎቀሪቡ ሰዐሞጨና ኽዳኑ ኣጨንዩ ኸኣ፡ ከምዚ ኢሉ መረቖ፡ እንሆ፡ መኣዛ ወደይ ከም መኣዛ እታ እግዚኣብሄር ዝባረኻ ግራት እዩ። ኣምላኽ ከኣ ካብ ኣውሊ ሰማይን ካብ ስብሒ ምድርን ብዙሕ ስርናይን ወይንን ይሀብካህዝብታት ይገዝኡኻ፡ ህዝብታት ድማ ይስገዱልካጐይታ ኣሕዋትካ ኹን፡ ደቂ እኖኻ ድማ ይስገዱልካ። ዚረግመካ ርጉምዚምርቐካ ድማ ምሩቕ ይኹን። ኰነ ኸኣይስሃቅ ንያእቆብ ምርቓኡ ምስ ወድኤያእቆብ ድማ ካብ ቅድሚ ኣቦኡ ይስሃቅ ብኡብኡ ውጽእ ምስ በለኤሳው ሓዉ ኸኣ ካብ ሃድን ኣተወ። ንሱውን ጥዑም ብልዒ ኣዳልዩናብ ኣቦኡ ኣምጽኦነቦኡ ድማ፡ ኣቦየነፍስኻ ምእንቲ ኽትምርቐንስተንስእ እሞ ካብቲ ሃድን ወድኻ ብላዕበሎኣቦኡ ይስሃቅ ከኣ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ድማ፡ ኣነ ኤሳው ቦዅሪ ወድኻ እየ፡ በለ። ሽዑ ይስሃቅ ኣዝዩ ብርቱዕ ስምባድ ሰምበደ እሞ፡ እቲ ሀዲኑስ ህዱን ዘምጽኣለይ፡ ኣነ ኸኣ፡ ገና ንስኻ ኸይመጻእካ፡ ካብ ኵሉ በሊዔ ዝመረቕክዎ ደኣ መን እዩ፧ ምሩቕ ድማ ኪኸውን እዩ፡ በለኤሳው ዘረባ ኣቦኡ ምስ ሰምዔኣዝዩ ዓው ኢሉ መሪር ገዓር ገዐረነቦኡ ኸኣ፡ ኣቦየ፡ ንኣይ ድማ መርቐኒበሎ። ንሱ ድማ፡ ንምርቓኻስ ሓውካ ብተንኰል መጺኡ ወሲድዎበለ። ኤሳው ከኣ፥ ክልተ ሳዕ ጠቢሩኒብዅርናይ ወሰደ፡ ሕጂ ኸኣ እንሆምርቓይ ወሰደ። ስሙዶ ግዳ ያእቆብ ኣይኰነን፧ ንኣይከ ምርቓዶ ኣየትረፍካለይን ኢኻ፧ ድማ በሎይስሃቅ ከኣ መሊሱ ንኤሳውእንሆጐይታኻ ገበርክዎ፡ ኵሎም ኣሕዋቱ ኸኣ ግዙኣቱ ኪዀኑ ሀብክዎብስርናይን ወይንን ከኣ አጸጎኽዎሕጂ እሞ ወደይ፡ ንኣኻ እንታይ ክገብረልካ እየ፧ በሎኤሳው ድማ ነቦኡ፥ ኣቦየ፡ ሓንቲ ምርቓ ጥራይዶ ዀይና ዘላትካ፧ ኣቦየ፡ ንኣይ ድማ መርቐኒ ደኣ፡ በሎ። ኤሳው ከኣ ዓው ኢሉ በኸየይስሃቅ ኣቦኡ ድማ መሊሱ በሎእንሆ ንብረትካ ብስብሒ ምድርን ብናይ ላዕሊ ኣውሊ ሰማይን ኪኸውን እዩ። ብሴፍካ ኽትምገብንሓውካ ድማ ኽትግዛኣ ኢኻ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ኰለል ምስ በልካኣርዑቱ ኻብ ክሳድካ ኽትሰብር ኢኻ። ኤሳው ድማ፡ ብዛዕባቲ ኣቦኡ ዝሀቦ ምርቓንያእቆብ ጸልኦ። ኤሳው ከኣ ብልቡነቦይ እንሐዝነሉ ቕንያት ቀሪቡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንያእቆብ ሓወይ ክቐትሎ እየበለንርብቃ ድማ ዘረባ ኤሳው ዓብዪ ወዳ ነገርዋ። ነቲ ንእሽቶ ወዳ ያእቆብ ከኣ ልኢኻ ጸዊዓእንሆ፡ ኤሳው ሓውካ ብኣኻ ኺድበስ ኢሉ ኪቐትለካ ይደሊ አሎ። ሕጂ ኸኣ ወደይቃለይ ስማዕተንስእ እሞ ናብ ሓወይ ላባን፡ ናብ ካራን ህደምነድሪ ሓውካ ኽሳዕ ዚምለስኵራ ሓውካ ኻባኻ ተመሊሱእቲ ዝገበርካዮ ድማ ክሳዕ ዚርስዖገለ መዓልትታት ምስኡ ተቐመጥ። ሽዑ ልኢኸ ኻብኡ ኸምጽኣካ እየ። ስለምንታይ ንኽልቴኹም ብሓንቲ መዓልቲ ዝስእነኩም፧ በለቶ። ርብቃ ኸኣ ንይስሃቅብምኽንያት ኣዋልድ ሔት ህይወተይ ደኸመትያእቆብ ድማ ካብ ኣዋልድ ሔት፡ ካብ ኣዋልድ እዛ ሃገር እዚኣ፡ ከምዚኣተን ዘመሰለት ሰበይቲ ዜእቱ እንተ ዀይኑኸ፡ ስለምንታይ ኣነ ብህይወት እነብር፧ በለቶ

Translation | Context
ሩት 1:1-22 | 3 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ በቲ መሳፍንቲ ዚገዝእሉ ዝነበሩ ዘበን፡ ኣብታ ሃገር ጥሜት ኮነ። ሓደ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱን ክልተ ደቁን ካብ ቤት-ልሄም ይሁዳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ኪቅመጥ ከደስም እቲ ሰብኣይ እቲ ኤሊሜሌክ፡ ስም ሰበይቱ ኸኣ ናእሚ፡ ስም ክልቲኦም ደቁውን ማሕሎንን ኪልዮንን ይበሀሉ፡ ኤፍራታውያን ካብ ቤት-ልሄም ይሁዳ ነበሩ። ናብ ምድሪ ሞኣብ መጺኦም ከኣ ኣብኣ ተቐመጡ። ኤሌሜሌክ ሰብኣይ ናእሚ ድማ ሞተ እሞ፡ ንሳ ምስ ክልቲኦም ደቃ ተረፈት። ንሳቶም ከኣ ሞኣባውያን ኣንስቲ ኣእተዉስም እታ ሓንቲ ዖርጳ፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ሩት ነበረ። ዓሰርተ ዓመት ዚአክል ኣብኡ ተቐመጡማሕሎንን ኪልዮንን ከኣ ክልቲኦም ሞቱ። እታ ሰበይቲ ድማ ካብ ክልቲኦም ደቃን ካብ ሰብኣያን ተረፈት። ሽዑ ንሳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ከላ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸም ዝበጽሖምእንጌራውን ከም ዝሀቦም ስምዔት እሞ፡ ንሳ ምስ ክልቲኤን ኣንስቲ ደቃ ተንሲኣ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ተመልሰት። ንሳ፡ ክልቲኤን ኣንስቲ ደቃ ኸኣ ምስኣ፡ ካብታ ዝነበረታ ቦታ ወጸት። ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺምለሳ ድማ መገደን ከዳናእሚ ኸኣ ንኽልቲኤን ኣንስቲ ደቃኪዳነፍሲ ወከፍክን ነናብ ቤት ኣዴኽን ተመለሳ። ከምቲ ምስቶም ምውታትን ምሳይን ዝገብርክናኦእግዚኣብሄር ምሳኻትክን ምሕረት ይግበርነፍሲ ወከፍክን ከኣ ኣብ በቤት ሰብኣይክን ዕረፍቲ ኽትረኽባ እግዚኣብሄር ይሀብክን፡ በለተን። ሽዑ ሰዐመተን፡ ንሳተን ከኣ ድምጸን ዓው ኣቢለን በኸያ፡ ኣይፋልናን ምሳኺ ደኣ ናብ ህዝብንኺ ንምለስ በላኣናእሚ ግና፡ ደቀየ፡ ስለምንታይከ ምሳይ እትኸዳተመለሳ ደኣ፡ ደጊምዶ ሰብኡትክን ዝኾኑ ደቂ ኣብ ከርሰይ ኣልዮምኒ፧ ደቀየሰብኣይ ከይእቶ ኣሪገ እየ ኣሞ፡ ኪዳ ደኣ ተመለሳተስፋ አሎኒ እኳ እንተ ዝብልሲ፡ ኤረ ሎሚ ለይቲ ሰብኣይ እንተ ዝእቶኣወዳት ከኣ ኣንተ ዝወልድንሳቶም ክሳዕ ዚዐብዩዶ ኽትጸንሓ ኢኽን፧ ምእንቲ እዚኸ ሰብኣይ ከይተአቶኽንዶ ኽትነብራ ኢኽን፧ ኣይፋልክን ደቀየኢድ እግዚኣብሄር ኣባይ ወጺኣ እያ እሞ፡ ካብ ንኣኻትክንሲ ኣዝዩ ንኣይ ይመርር በለተን። ሽዑ መሊሰን ድምጸን ዓው ኣቢለን በኸያዖርጳ ንሓማታ ስዐመታሩት ግና ምስኣ ተጸግዔት። ንሳ ድማ፡ ሰበይቲ ሓሙትኪ እንሃናብ ህዝባን ናብ ኣምላኻን ተመሊሳ፡ ንስኺውን ደድሕሪ ሰበይቲ ሓሙትኪ ተመለሲበለታሩት ግና፡ ሐዲገኪ ኻባኺ ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ ኣይትበልኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ ኣብ እትሓድርዮ ኸኣ እሐድርህዝብኺ ህዝበይኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ። ኣብታ እትሞትላ እመውትኣብኣ ድማ እቕበር፡ ንኣይን ንኣኽን ብጀካ ሞት ካልእ እንተ ፈልዮናስእግዚኣብሄር ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ ኸኣ ይወሰኸኒ በለት። ምስኣ ንምኻድ ከም ዝቖረጸት ምስ ረአየትምዝራባ ሓደገት። ናብ ቤት-ልሄም ክሳዕ ዚበጽሓ ኸኣ ክልቲኤን ከዳ። ኮነ ድማ፡ ናብ ቤት-ልሄም ምስ ኣተዋ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ብዛዕባኤን ተበዐደት። እተን ኣንስቲ ኸኣ፡ እዚኣስ እምበርዶ ናእሚ እያ፧ በላ። ንሳ ድማ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ብዙሕ ኣመሪሩኒ እዩ እሞ፡ ማራ ደኣ በላኒ እምበር፡ ናአምስ ኣይትበላኒ። ኣነ መሊኤ ኸድኩእግዚኣብሄር ከኣ ጥራየይ መለሰኒ። እግዚኣብሄር ካብ መስከረለይእቲ ዅሉ ዝኽእል ድማ ካብ ኣኽፍኣለይከ፡ ስለምንታይ ናእሚ ትብላኒ ኣሎኽን፧ በለተን። ናእሚ ድማ ተመልሰትሩት እታ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ሞኣባዊት ሰበይቲ ወዳ ኸኣ ምስኣ ነበረት። ንሳተን ብመጀመርታ ዓጺድ ስገም ናብ ቤት-ልሄም ኣተዋ

Translation | Context
ዘፍጥረት 5:1-32 | 3 Helpful votes

መጽሓፍ ወለዶ ኣዳም እዚ እዩ፥ ኣምላኽ በታ ንሰብ ዝፈጠረላ መዓልቲ ብምስሊ ኣምላኽ ገበሮተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮምባረኾም ድማ። በታ እተፈጥሩላ መዓልቲ ኸኣ ስሞም ኣዳም ኢሉ ኣውጽአሎም። ኣዳም ድማ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገበረ፡ ከም መልክዑ ኸኣ ንእኡ ዚመስል ወዲ ወለደስሙውን ሴት ኣውጽኣሉዕድመ ኣዳም ድሕሪቲ ንሴት ምስ ወለዶሾሞንተ ሚእቲ ዓመት ኰነ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደኣዳም ዝነበሮ ዅሉ ዕድሜኡ ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ኰነሞተ ኸኣ። ሴት ድማ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ገበረንሄኖስ ከኣ ወለደሴት ንሄኖስ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእትን ሾብዓተን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደኵሉ ዕድመ ሴትትሽዓተ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን ዓመት ኰነ። ሞተ ኸኣሄኖስ ድማ ተስዓ ዓመት ገበረንቃይናን ከኣ ወለደሄኖስ ድማ ድሕርቲ ንቃይናን ምስ ወለደሾሞንተ ሚእትን ዓሰርተው ሓሙሽተን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደኵሉ ዕድመ ሄኖስ ትሽዓተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማቃይናን ከኣ ሰብዓ ዓመት ገበረንመሃላልኤል ድማ ወለደቃይናን ንመሃላልኤል ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደኵሉ ዕድመ ቃይናን ከኣ ትሽዓተ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማመሃላልኤል ከኣ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ገበረንያሬድ ድማ ወለደመሃላልኤል ንያሬድ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደኵሉ ዕድመ መሃላልኤል ከኣ ሾሞንተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማያሬድ ከኣ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ገበረንሄኖክ ድማ ወለደያሬድ ንሄኖክ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእቲ ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደኵሉ ዕድመ ያሬድ ከኣ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ኰነ። ሞተ ኸኣሄኖክ ድማ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ገበረንማቱሳላ ኸኣ ወለደሄኖክ ንማቱሳላ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ምስ ኣምላኽ ተማላለሰኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደኵሉ ዕድመ ሄኖክ ድማ ሰለስተ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ። ሄኖክ ከኣ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ፡ ኣምላኽ ወሲድዎ እዩ እሞ ኣይተራእየን። ማቱሳላ ድማ ሚእትን ሰማንያን ሾብዓተን ዓመት ገበረንላሜክ ከኣ ወለደማቱሳላ ንላሜክ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሾብዓተ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደኵሉ ዕድመ ማቱሳላ ኸኣ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ትሽዓተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማላሜክ ከኣ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ገበረወዲ ድማ ወለደ። ኣብዛ እግዚኣብሄር ዝረገማ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዕዮናን ካብ ጻዕሪ ኢድናን እዚ ኼጸናንዓና እዩ፡ ኢሉ ስሙ ኖህ ኣውጽኣሉላሜክ ንኖህ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሓሙሽተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደኵሉ ዕድመ ላሜክ ከኣ ሾብዓተ ሚእትን ሰብዓን ሾብዓተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማኖህ ከኣ ወዲ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ኰነ፡ ኖህ ድማ ንሴምን ንካምን ንያፌትን ወለደ

Translation | Context