Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
እታ ድርብይቲ ሓደ እኳ ግዳ ዘይገብር ጽዮን፡ ኢሎም ሰምዮምኺ እዮም እሞ፡ ኣነ ኸጥዕየኪ ንቚስልኺውን ከሕውዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextኣነ ኸኣ ኣቶ ኣንበጣን ኵብኵብታን ጐደበን ሓሰኻን፣ ኣባኻትኩም ዝሰደድክዎ ዓብዪ ሰራዊተይ ዝበልዔን ዓመታት ክኽሕሰኩም እየ መብልዕ ክትበልዑ ክትጸግቡውን ኢኹም፣ ነቲ ተኣምራት ዝገበረልኩም ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ከተመስግንዎ ኢኹም። ህዝበይውን ንዘለኣለም ኣይሐንኽን።
Translation | Contextሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይ፣ ብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒ።
Translation | Contextኣብ ክንዲ ነውርኹም ካዕበት ክትቅበሉ ኢኹም፡ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ብዕድሎም ኪሕጐሱ እዮም፡ ስለዚ ኣብ ሃገሮም ካዕበት ኪግንዘቡ፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኪረኽቡ እዮም።
Translation | Contextእምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን። ክሳዕ እቲ፡ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያቱ እተዛረቦ ዘመን ምቕናዕ ኲሉ፡ ሰማይ ንየሱስ ክትቅበሎ ይግባእ እዩ።
Translation | Contextእዮብ ምእንቲ ፈተውቱ ምስ ጸለየ፡ እግዚኣብሄር ንምርኮ እዮብ መለሶ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንእዮብ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐደም ዝነበሮ ዕጽፊ ገይሩ ወሰኾ።
Translation | Contextካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ፡ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ።
Translation | Contextስለ፥ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩም እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextእቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ፡ ቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ኺፍጽመኩም፡ ኬጽንዓኩም፡ ኬበርትዓኩም፡ ኪስርተኩምውን እዩ።
Translation | Contextእቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎም፡ ባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ። እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹ። ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፡ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ፡ በለ። እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሐፍ፡ በለኒ።
Translation | Contextኣቱም ብተስፋ እተኣሰርኩም፣ ናብቲ ዕርዲ ተመለሱ፣ ኣነ ዕጽፊ ገይረ ኸም ዝመልሰልኪ፣ ሎሚውን እነግረኪ አሎኹ።
Translation | Contextኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextእንሆ፡ ዝድግፎ ባርያይ፡ ሕሩየይ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ዚብላ፡ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ አሎኹ፡ ንሱ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ። ኣይኪጭድርን፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ኸኣ ኣብ ኣደባባይ ኣይኬስምዕን እዩ። ጭፍሉቕ ወምብቆ ኣይኪሰብርን፡ ተኻኺ ጥዋፍ ድማ ኣይኬጥፍእን እዩ፡ ፍትሒ ብሓቂ የውጽእ። ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዚምስርት፡ ሓይሉ ኣይሐምቕን ኣይሕለልን ደሴታት ከኣ ሕጉ ኺጽበያ እየን። እቲ ንሰማያት ዝፈጠሮም ዝገተሮን፡ ንምድርን ንሳ እተብቊሎን ዝዘርግሔ፡ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ህዝቢ ኸኣ ትንፋስ ዝሀበ፡ ነቶም ኣብኣ ዚመላለሱ ድማ መንፈስ ዝሀበ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ ኣዒንቲ ዕውራት ምእንቲ ኽትከፍት፡ ንእሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዚነብሩ ኸኣ ካብ ማእሰርቶም ምእንቲ ኸተውጽኦምስ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብጽድቂ ጻዋዕኩኻ፡ ብኢድካ ኽሕዘካን ክሕልወካን ኪዳን ህዝቢ፡ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካን እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ስመይ እዚኣ እያ፡ ክብረተይ ከኣ ንኻልእ፡ ምስጋናይውን ንጽሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ። እንሆ፡ እቲ ናይ ቀደም ተፈጸመ፡ ደጊም ሓድሽ ክነግረኩም እየ፡ ከይተቐልቀለ ድማ ብዛዕባኡ ኽስምዓኩም እየ። ኣቱም ኣብ ባሕሪ እትወርዱን ኣብኡ ዘሎ ዘበለ ዂሉን፡ ኣትን ደሴታትን ኣብኤን እትነብሩን፡ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙርን ምስጋናኡን ካብ ወሰን ምድሪ ዘምሩ። በረኻን ከተማታቱን፡ እተን ሰብ ቄዳር ዚነብርወን ዓድታትን ድምጾም ዓው ይበል፡ እቶም ኣብ ኣኻውሕ ዚነብሩ ብሓጐስ ይጨድሩ፡ ካብ ርእሲ ኣኽራን እልል ይበሉ። ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሀቡ፡ ምስጋናኡ ኸኣ ኣብ ደሴታት ይንገሩ። እግዚኣብሄር ከም ጅግና ይወጽእ፡ ከም ተዋጋኢ ድማ ቅንኣት የልዓዕል፡ ይጭድር እሞ የዝምር፡ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ኸኣ ይብርትዕ። ነዊሕ ጊዜ ስቕ ኢለ ተጸሚመ ነፍሰይ መለኽኩ፡ ሕጂ ግና ከም እትጽዕር ወላዲት ክጭርሕ፡ ተናኢኸ ድማ ከተንፍስ እየ። ነኽራንን ኰረቢትን ከባድሞ፡ ንዅሉ ብቋልያኦም ድማ ከንቅጾ እየ፡ ንወሓዚ ኸኣ ደሴት ክገብሮ፡ ንቐላይውን ከንጽፎ እየ። ንዕውራት ብዘይፈልጥዋ ጐደና ኽወስዶም፡ ብዘይፈልጥወን መገድታት ክመርሖም፡ ንጸልማት ኣብ ቅድሚኦም ብርሃን ክገብሮ፡ ንድንጒር ከጣጥሖ እየ። እዚ ኽገብረሎም ኣይክሐድጎምን ድማ እየ። እቶም ብቕርጺ ምስልታት ዚውከሉ፡ ንምስልታት ፍሲ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ኣማልኽትና ኢኹም፡ ዚብሉ፡ ንድሕሪት ገጾም ኪምለሱ፡ ኣዝዮም ድማ ኪንውሩ እዮም። ኣቱም ጸማማት፡ ስምዑ፡ ኣቱም ዕውራት ከኣ፡ ክትርእዩስ ጠምቱ። ባርያይ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ዕውር መን እዩ፧ ከምቲ ዝልእኮ ልኡኸይ ጸማምከ መን እዩ፧ ዕዉር ከም ፈታውየይ፡ ዕዉር ከም ባርያ እግዚኣብሄር መን እዩ፧ ብዙሕ ነገር ርኢኻ፡ ግናኸ ኣይሐሎኻዮን፡ ኣእዛን ተኸፊቱ ነይሩ፡ ግናኸ ገለ እኳ ኣይሰማዕካን። እግዚኣብሄር ስለ ጽድቁ ንሕጉ ዓብይን ክቡርን ኪገብሮ ተሐጐሰ። ግናኸ እዚ ህዝቢ እዚ ውሩርን ዝሙትን እዩ፡ ኲላቶም ኣብ ጐደጒዲ ተፈንጠሩ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ተዳጐኑ። ንዘመተ ተወፈዩ፡ መናገፊ ኸኣ የልቦን፡ ተማረኹ፡ ምለስ፡ ዚብል ድማ የልቦን። ካባኻትኩም ነዚ ጽን ዚብል፡ ንዳሕራዪ ኼስተውዕሎ ኢሉ ዚሰምዖስ መን እዩ፧ ያእቆብ ንወራር፡ እስራኤል ንዘመተ ዝወፈየ መን እዩ፧ እቲ ብመገዱ ኺመላለሱ ዘይፈተዉ፡ ንሕጉ ድማ ዘይተኣዘዙ፡ ንሕናውን ዝበደልናዮ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰነን ዝገበሮ፧ ስለዚ ቚጥዓ መዓቱን ነድሪ ውግእን ከዐወሉ፡ እዚውን ብኽቡ ኣንደዶ፡ ግናኸ ኣይፈለጠን፡ ሞዂ ኣበሎ፡ ግናኸ ኣብ ልቡ ኣይተመልሰን።
Translation | Contextልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያን፡ ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ። ንስኻውን ከይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ።
Translation | Contextቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።
Translation | Context