Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢር ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም፣ ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ።
Translation | Contextእቲ መንፈስ ግና መዓሙቚ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዂሉ ይምርምር እዩ እሞ፡ ንኣና ኣምላኽ ብመንፈስ ገይሩ ገለጸልና።
Translation | Contextእምብኣርሲ ንዅሉ ኽፍኣትን ኵሉ ጕርሕን ግብዝናን ቅንእን ኵሉ ሕሜትን ኣርሕቕዎ። እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዐብዩ፡ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ። ናብቲ ብሰብ ንዑቕ፡ ብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ እናቐረብኩም፡ ንስኻትኩምውን፡ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡ፡ ንቕዱስ ክህነት ዚኸውን፡ መንፈሳዊ፡ ቤት ተሀነጹ። ስለዚ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን ሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን ኤንብር አሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሐፍርን እዩ፡ ዚብል ኣብቲ ጽሑፍ አሎ። ስለዚ ንኣኻትኩም እትአምኑ፡ ክቡር እዩ፡ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፡ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ ምንስታትን ድማ እዩ። ብዘይ ምእዛዞም በቲ ቓል ይዕንቀፉ፡ ነዚ ድማ ምዱባት እዮም። ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም። ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፡ ዘይተመሐርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ግና ምሑራት ኢኹም። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም አሎኹ፡ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዘዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሐቑ። እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ። ከምዚ ሰናይ እናገበርኩም፡ ዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘሎ ንጉስ፡ ወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱ፡ ካብኡ እተላእኩ መኳንንቲ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ። ከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኩኑ። ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፡ ሕውነት ኣፍቅሩ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ። ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ዓመጽቲ ኸኣ እምበር፡ ነቶም ሕያዎትን ልኡማትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብፍርሃት ዘበለ ንጐይተትኩም ተአዘዝዎም። ሓደ እኳ ስለ ሕሊና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዐሚጹ ጓሂ እንተ ተዐገሰ፡ እዚ ጸጋ እዩ። ሓጢኣት እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዐገስኩም፡ እንታይ ትምክሕቲ አለዎ፡ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዐገስኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ። ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ፡ ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር፡ ዘየፈራርሄ። ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕጨይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሐዌኹም። ከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም አሎኹም።
Translation | Contextማለት፥ እቲ ኻብ ዘለኣለምን ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ ሎሚ ግና ንቕዱሳኑ እተገልጸ ምስጢር፡
Translation | Contextክብሪ እግዚኣብሄርሲ ምስዋር ነገር እዩ፡ ክብሪ ነገስታት ግና ምምርማር ነገር እዩ።
Translation | Contextኣእዳዎምሲ ብተንኰል ገለ ኸየስልጣ፡ ንተንኰል ጐራሓት ከንቱ ዚገብሮ ንሱ እዩ።
Translation | Contextእናሐመየ ዚዘውርሲ ምስጢር ይቐልዕ፡ እቲ እሙን ልቢ ዘለዎ ግና ንነገር ይስውሮ።
Translation | Contextድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምሳታቶም ዝኣተዎ ኺዳን እዚ እዩ፡ ይብል እግዝኣብሄር፡ ንሕጋጋተይ ኣብ ልቦም ክህቦም፡ ኣብ ሓሳቦምውን ክጽሕፎ እየ፡ ምስ በለ፡ ደጊም ሓጢኣቶምን ዓመጻኦምን ከቶ ኣይክዝክርን እዩ፡ ይብል። እምስኣርሲ ኣብቲ ናይ እዚ ይቕሬታ እዚ ዘለዎስ፡ ደጊም መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ኣየድልን እዩ። ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብስጋኡ ዝቐደሰልና ሓድሽን ህያውን መገዲ ብደም የሱስ ናብ መቕደስ ንምእታው ትብዓት ካብ ዚህልወና፡
Translation | Contextእምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ። እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ። ማለት፥ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ። ብጊዜኡ ንዚኸውን ምስክር ንሱ ኣብ ክንዲ ዅሉ ኪኸውን ኢሉ ነፍሱ በጃ ሃበ፡ ነዚ ነገርዚ ኸኣ ኣነ ኣዋጅን ሃዋርያን፡ ሓቂ እብል አሎኹ፡ ኣይሕሱን እየ፡ ብእምነት ብሓቅን መምህር ኣህዛብ ንምዃን ተሸምኩ። እምብኣርሲ ሰብኡት ብዘይ ኵራን ውልውልን ቅዱሳት ኣእዳው ኣልዒሎም፡ ኣብ ኵሉ ስፍራ ኪጽልዩ፡ እደሊ አሎኹ። ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ አሎኹ። ሰበይቲ ብዅሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃር። ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ፡ ኣይፈቅድን እየ። ኣዳም ኣይተሐብለን፡ ሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት። ብእምነት ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸንዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ እሞ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ ከሎኹ፡ ምስክር ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ ክነግረኩም ኣይመጻእኩን። ኣነ ኸኣ ብድኻምን ብፍርሃትን ብብዙሕ ምምብድባድን እየ ኣባኻትኩም ዝነበርኩ። እምነትኩም ብስልጣን ኣምላኽ እምበር፡ ብጥበብ ሰብ ምእንቲ ኸይትስረትሲ፡ ዘረባይን ስብከተይን ድማ ብምርዳእ መንፈስን ስልጣንን እምበር፡ ብዜስድዕ ዘረባ ጥበብ ኣይነበረን። እምብኣርስ ኣብ ማእከል እቶም እኹላት ጥበብ ንዛረብ ኢና፡ እቲ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ንኽብረትና ዘዳለዎ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሕቡእ ምስጢር ጥበብ ኢና እንዛረብ ዘሎና እምበር፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ናይቶም ዚሐልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይንዛረብን ኢና። ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብዚ ኣይፈለጦን፡ እንተ ዚፈልጥዎስ፡ ንጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም። ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዓይኒ ዘይረአየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ዚብል፡ እቲ መንፈስ ግና መዓሙቚ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዂሉ ይምርምር እዩ እሞ፡ ንኣና ኣምላኽ ብመንፈስ ገይሩ ገለጸልና። እቲ ኣብኡ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ነገር ዚፈልጥከ እንታዋይ ሰብ እዩ፧ ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ንሕና ግና፡ እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን። ንሕና ኸኣ መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ እናኣሰማማዕና፡ መንፈስ ቅዱስ ብዚምህረሉ ቓል እምበር፡ ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና። እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን፡ ብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ፡ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ፡ ኬስተውዕሎ ኣይከኣሎን እዩ። ንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ አሎና። እምብኣርሲ እቲ መንፈሳዊ ንዂሉ ይምርምር፡ ንሱ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ።
Translation | Contextግናኸ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ ኣምላኽ እዩ ምስጢራት ዚገልጽ፣ ንሱ ኸኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር በቲ ዳሕራይ ዘመንሲ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍለጦ። እቲ ኣብ ምድቃስካ ዝርኤኻዪ ሕልምኻን ራእያት ርእስኻን እዚ እዩ፣
Translation | Context