Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

riches


1ይ ጢሞቴዎስ 6:17-19 | 4 Helpful votes

ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞምገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ አዝዞም።

Translation | Context
ሉቃስ 12:15 | 4 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፥ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ፡ በሎም

Translation | Context
ማቴዎስ 6:19-21 | 3 Helpful votes

መዝገብካ ኣብ ዘለዎኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:10 | 3 Helpful votes

እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:17 | 3 Helpful votes

ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር

Translation | Context
ሉቃስ 16:13 | 2 Helpful votes

ሓደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦንወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱወይስ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም

Translation | Context
ፊልጲ 4:19 | 2 Helpful votes

ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 5:1-5 | 2 Helpful votes

ኣቱም ሃብታማትእስኪ ሕጂኸ በቲ ዚመጸኩም ዘሎ መግደራ ዋይ ዋይ እናበልኩም ብኸዩሃብትኹም መሽሚሹንኽዳውንትኹምውን ብልዒ በሊዕዎወርቕኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፡ እቲ ምምራቱ ኸኣ ኪምስክረልኩም እዩ። ንስጋኹምውን ከም ሓዊ ኺበልዖ እዩ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት መዝገብ አኪብኩም አሎኹም። እንሆውዕለት እቶም ግርሁኹም ዝዐጸዱ ዓየይቲ፡ ንስኻትኩም ከኣ ዝገደብኩምዎምየእዊ አሎ። ኣውያት እቶም ዓጻዶውን ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጻባኦት በጺሑ አሎ። ኣብ ምድሪ ሐንቂቕኩምን ጥዒሙኩምንከም ብመዓልቲ ማሕረዲውን ልብኹም ኣስቢሕኩም

Translation | Context
ማርቆስ 4:19 | 2 Helpful votes

ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ካልእ ትምኒትን አትዩ ኸኣ፡ ነቲ ቓል ይሐንቆፍረ ዜብሉ ድማ ይኸውን

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:8 | 2 Helpful votes

ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 18:22-26 | 2 Helpful votes

የሱስ ድማ እዚ ምስ ሰምዔ፥ ገና ኸኣ ሓንቲ ተሪፋትካ አላ፥ ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ኪጸንሓካ እዩ፡ ንዓውን ስዓበኒበሎ። ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዔኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ፡ ብዙሕ ጐሃየየሱስ ብዙሕ ምጕሃዩ ርእዩሃብቲ ንዘለዎም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልልበለእቶም ዝሰምዑ ኸኣ፥ መን ደኣ ዀን ኪድሕን ይኽእልበሉ

Translation | Context
ሉቃስ 12:33-34 | 2 Helpful votes

ኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ

Translation | Context
ማቴዎስ 6:24 | 2 Helpful votes

ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦንወይ ነቲ  ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 16:8 | 2 Helpful votes

ካብ ብዙሕ እቶት ምስ ዓመጻሒደት ምስ ጽድቂ ይሐይሽ

Translation | Context