Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all1 bible verses about
ነቲ ረሲእ ድማ፣ ብርግጽ ሞት ክትመውት ኢኻ፣ እንተ በልክዎ፣ ንሱ ኸኣ ካብ ሃጢኣቱ እንተ ተመልሰ፣ ፍርድን ጽድቅንውን እንተ ገበረ፣ ረሲእስ ታሕዚ እንተ መለሰ፣ ዝዘመቶ እንተ ኸሐሰ፣ ግፍዒ ኸይገበረ ብሕጋጋት ህይወት እንተ ተመላለሰ፣ ንሱ ርግጽ ብህይወት ሚነብር፣ ኣይኪመውትን ከኣ እዩ። እቲ ዝገበሮ ዘበል ዅሉ ሓጢኣቱ ኣይኪዝከረሉን። ፍርድን ጽድቅን ገይሩ እዩ እሞ፣ ርድጽ ብህይወት ኪነብር እዩ። ደቂ ህዝብኻ ኸኣ፣ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኰነን፣ ይብሉ አለዉ። ግናኸ ኣይቅኑዕሲ መገዲ ርእሶም ደኣ እዩ። ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ፣ ዓመጻ ኸኣ እንተ ገበረ ብሰራ ኺመውት እዩ። ረሲእውን ካብ ረሲእነቱ እንተ ተመልሰ፣ ፍርድን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ፣ ሳላኤን ብህይወት ሚነብር እዩ።
Translation | Context