Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

ruth and naomi


ሩት 1:16-17 | 6 Helpful votes

ሩት ግና፡ ሐዲገኪ ኻባኺ ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ ኣይትበልኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ ኣብ እትሓድርዮ ኸኣ እሐድርህዝብኺ ህዝበይኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ። ኣብታ እትሞትላ እመውትኣብኣ ድማ እቕበር፡ ንኣይን ንኣኽን ብጀካ ሞት ካልእ እንተ ፈልዮናስእግዚኣብሄር ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ ኸኣ ይወሰኸኒ በለት።

Translation | Context
ሩት 3:11 | 4 Helpful votes

ሕጂ ድማ ጓለይ ኣይትፍርሂደጊ ሰበይቲ ምዃንኪ ኹላ ደገ ህዝበይ ትፈልጥ እያ እሞ፡ ዝበልክዮ ዅሉ ኽገብረልኪ እየ።

Translation | Context
ሩት 4:18-22 | 3 Helpful votes

ትውልዲ ፋሬስ ከኣ እዚ እዩ፡ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደኤስሮም ድማ ንራም ወለደራም ከኣ ንኣሚናዳብ ወለደ። ኣሚናዳብ ድማ ንነኣሶን ወለደ፡ ነኣሶን ከኣ ንሰልሞን ወለደ። ሰልሞን ድማ ንቦአዝ ውለደቦኦዝ ከኣ ንእዮቤድ ወለደ። እዮቤድ ድማ ንእሴይ ወለደእሴይ ከኣ ንዳዊት ወለደ።

Translation | Context
ሩት 1:1-22 | 3 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ በቲ መሳፍንቲ ዚገዝእሉ ዝነበሩ ዘበን፡ ኣብታ ሃገር ጥሜት ኮነ። ሓደ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱን ክልተ ደቁን ካብ ቤት-ልሄም ይሁዳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ኪቅመጥ ከደስም እቲ ሰብኣይ እቲ ኤሊሜሌክ፡ ስም ሰበይቱ ኸኣ ናእሚ፡ ስም ክልቲኦም ደቁውን ማሕሎንን ኪልዮንን ይበሀሉ፡ ኤፍራታውያን ካብ ቤት-ልሄም ይሁዳ ነበሩ። ናብ ምድሪ ሞኣብ መጺኦም ከኣ ኣብኣ ተቐመጡ። ኤሌሜሌክ ሰብኣይ ናእሚ ድማ ሞተ እሞ፡ ንሳ ምስ ክልቲኦም ደቃ ተረፈት። ንሳቶም ከኣ ሞኣባውያን ኣንስቲ ኣእተዉስም እታ ሓንቲ ዖርጳ፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ሩት ነበረ። ዓሰርተ ዓመት ዚአክል ኣብኡ ተቐመጡማሕሎንን ኪልዮንን ከኣ ክልቲኦም ሞቱ። እታ ሰበይቲ ድማ ካብ ክልቲኦም ደቃን ካብ ሰብኣያን ተረፈት። ሽዑ ንሳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ከላ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸም ዝበጽሖምእንጌራውን ከም ዝሀቦም ስምዔት እሞ፡ ንሳ ምስ ክልቲኤን ኣንስቲ ደቃ ተንሲኣ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ተመልሰት። ንሳ፡ ክልቲኤን ኣንስቲ ደቃ ኸኣ ምስኣ፡ ካብታ ዝነበረታ ቦታ ወጸት። ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺምለሳ ድማ መገደን ከዳናእሚ ኸኣ ንኽልቲኤን ኣንስቲ ደቃኪዳነፍሲ ወከፍክን ነናብ ቤት ኣዴኽን ተመለሳ። ከምቲ ምስቶም ምውታትን ምሳይን ዝገብርክናኦእግዚኣብሄር ምሳኻትክን ምሕረት ይግበርነፍሲ ወከፍክን ከኣ ኣብ በቤት ሰብኣይክን ዕረፍቲ ኽትረኽባ እግዚኣብሄር ይሀብክን፡ በለተን። ሽዑ ሰዐመተን፡ ንሳተን ከኣ ድምጸን ዓው ኣቢለን በኸያ፡ ኣይፋልናን ምሳኺ ደኣ ናብ ህዝብንኺ ንምለስ በላኣናእሚ ግና፡ ደቀየ፡ ስለምንታይከ ምሳይ እትኸዳተመለሳ ደኣ፡ ደጊምዶ ሰብኡትክን ዝኾኑ ደቂ ኣብ ከርሰይ ኣልዮምኒ፧ ደቀየሰብኣይ ከይእቶ ኣሪገ እየ ኣሞ፡ ኪዳ ደኣ ተመለሳተስፋ አሎኒ እኳ እንተ ዝብልሲ፡ ኤረ ሎሚ ለይቲ ሰብኣይ እንተ ዝእቶኣወዳት ከኣ ኣንተ ዝወልድንሳቶም ክሳዕ ዚዐብዩዶ ኽትጸንሓ ኢኽን፧ ምእንቲ እዚኸ ሰብኣይ ከይተአቶኽንዶ ኽትነብራ ኢኽን፧ ኣይፋልክን ደቀየኢድ እግዚኣብሄር ኣባይ ወጺኣ እያ እሞ፡ ካብ ንኣኻትክንሲ ኣዝዩ ንኣይ ይመርር በለተን። ሽዑ መሊሰን ድምጸን ዓው ኣቢለን በኸያዖርጳ ንሓማታ ስዐመታሩት ግና ምስኣ ተጸግዔት። ንሳ ድማ፡ ሰበይቲ ሓሙትኪ እንሃናብ ህዝባን ናብ ኣምላኻን ተመሊሳ፡ ንስኺውን ደድሕሪ ሰበይቲ ሓሙትኪ ተመለሲበለታሩት ግና፡ ሐዲገኪ ኻባኺ ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ ኣይትበልኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ ኣብ እትሓድርዮ ኸኣ እሐድርህዝብኺ ህዝበይኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ። ኣብታ እትሞትላ እመውትኣብኣ ድማ እቕበር፡ ንኣይን ንኣኽን ብጀካ ሞት ካልእ እንተ ፈልዮናስእግዚኣብሄር ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ ኸኣ ይወሰኸኒ በለት። ምስኣ ንምኻድ ከም ዝቖረጸት ምስ ረአየትምዝራባ ሓደገት። ናብ ቤት-ልሄም ክሳዕ ዚበጽሓ ኸኣ ክልቲኤን ከዳ። ኮነ ድማ፡ ናብ ቤት-ልሄም ምስ ኣተዋ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ብዛዕባኤን ተበዐደት። እተን ኣንስቲ ኸኣ፡ እዚኣስ እምበርዶ ናእሚ እያ፧ በላ። ንሳ ድማ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ብዙሕ ኣመሪሩኒ እዩ እሞ፡ ማራ ደኣ በላኒ እምበር፡ ናአምስ ኣይትበላኒ። ኣነ መሊኤ ኸድኩእግዚኣብሄር ከኣ ጥራየይ መለሰኒ። እግዚኣብሄር ካብ መስከረለይእቲ ዅሉ ዝኽእል ድማ ካብ ኣኽፍኣለይከ፡ ስለምንታይ ናእሚ ትብላኒ ኣሎኽን፧ በለተን። ናእሚ ድማ ተመልሰትሩት እታ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ሞኣባዊት ሰበይቲ ወዳ ኸኣ ምስኣ ነበረት። ንሳተን ብመጀመርታ ዓጺድ ስገም ናብ ቤት-ልሄም ኣተዋ

Translation | Context
ሩት 3:10 | 3 Helpful votes

ንሱ ኸኣ በላኣቲ ጓለይንድኻታት ኮነ፡ ንሃብታማት ደድሕሪ መንእሰይ ስለ ዘይሰዐብኪካብቲ ቐዳማይ እቲ ዳሕራይ ዚበልጽ ለውሃት ጌርኪ ኢኺ እሞ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ

Translation | Context
ሩት 4:7 | 3 Helpful votes

ቀደም ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ምውራስን ኣብ ለውጥን፡ ኵሉ ነገር ምእንቲ ኽጸንዕሰብ ሳእኑ ኣውጺኡ ነቲ ብጻዩ ኽህቦ ልማድ ነበረ። እዚ ድማ ኣብ እስራኤል ምስክር ነበረ።

Translation | Context