Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all5 bible verses about
ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽ፡ ዝበሎ ቓል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእ፡ ብዂሉ ኣርኤኹኹም።
Translation | Contextንሱ ብምሕረት ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን።
Translation | Contextሽዑ ጴጥሮስ፥ እንሆ፡ ንሕና ጥሪትና ዅሉ ሐዲግና ስዒብናካ አሎና፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ስለ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ፡ ቤት ኰነ፡ ወይ ወለዲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ ዝሐደገ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ብዙሕ ካዕበት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢሉ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። ነቶም ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ ድማ፡ እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ አሎና፡ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ ኣብ ነብያት እተጻሕፈ ዅሉ ኸኣ ኪፍጸም እዩ። ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ፡ ኬላግጹሉ፡ ኪጸርፍዎ ጡፍውን ኪብሉሉ፡ ገሪፎም ድማ ኪቐትልዎ እዮም፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ እዩ፡ በሎም። ንሳቶም ግና ካብዚ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዓሉን፡ እዚ ዘረባዚ ተሰዊርዎም ነበረ እሞ ነቲ እተዛረቦ ኣየስተብህልዎን ነበሩ።
Translation | Contextእቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።
Translation | Contextሓጢኣት እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዐገስኩም፡ እንታይ ትምክሕቲ አለዎ፡ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዐገስኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ።
Translation | Context