Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

satans fall


ህዝቅኤል 28:13-19 | 24 Helpful votes

ንስኻ ኣብ ኤደን ገነት እግዚኣብሄር ነበርካ። በብዝዓይነቱ ክቡር እምኒ ሰርድዮስቶጳዝዮን፡ ከልቄዶን፡ ክሪሶሊት፡ ሰርዶንክስ፡ ያስጲስ፡ ሰፊሮስክሪሶጵራስስመራግዶስን ወርቅን ተኸዲንካ ነበርካ። እቲ ከበሮኻን ዕንዱርካን ምሳኻ ነበረ፡ በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳለወ። ንስኻ ዜጽልል ቅቡእ ኪሩብ ነበርካ፣ ኣነ ኣብቲ ቅዱስ ከረን ኣምላኽ ኣስፈርኩኻ፣ ኣብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ተመላለስካ። ካብቲ እተፈጠርካላ መዓልቲ ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ኣበሳ እተረኸበካ ጊዜ ብመገድካ ፍጹም ነበርካ። ብብዝሒ ነግድኻ ውሽጥኻ ብዓመጻ መልኤ እሞ ሓጢኣት ገበርካ። ስለዚ፣ ኣታ እተጽልል ኪሩብ፣ ካብቲ ኸረን ኣምላኽ ከም ርኹስ ደርቤኹኻ፣ ካብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ኸኣ ኣጥፋእኩኻ። ብምኽንያት መልክዕካ ልብኻ ተዐበየብኽብረትካ ድማ ጥበብካ ኣባላሾኻ። ኣብ ምድሪ ጻሕ ኣበልኩኻ፣ ኪርእዩኻስ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ወፌኹኻብብዝሒ ኣበሳኻን ብዘይ ቅንዕና ዝነገድካዮ ነግድኻን ንመቓድስካ ኣርከስካዮ። ስለዚ ካብ ውሽጥኻ ሓዊ ኣውጻእኩ፣ ንሳውን በልዓትካ። ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ዘርእዩኻ ድማ ኣብ ምድሪ ሓመዅስቲ ገበርኩኻ። እቶም ዚፈልጡኻ ዘበሉ ዅሎም ህዝብታት ብኣኻ ኺስክሑ እዮም። መሰክሒ ዀንካ፣ ድሕርዚ ኸኣ ከቶ ኣይክትህሉን ኢኻ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 14:12-15 | 17 Helpful votes

ኣየ፡ ኣታ ብሩህ ኮዀብ ወዲ ወጋሕታ፡ ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ፡ ንስኻ ነህዛብ ዘውደቕካስ፡ ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርቤኻ። ንስኻስ ብልብኻ፡ ናብ ሰማይ ክድይብንዝፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ ኣምላኽ ልዕል ከብሎ፡ ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ ኸረን ማሕበር ክቕመጥ እየ። ኣብ ልዕሊ ርእሲ ደበናታት ክድይብ፡ ነቲ ኣዝዩ ልዑል ክመስል እየ፡ በልካ። ኣይፋልካን፡ ናብ ሲኦል፡ ናብቲ መዓሙቚ ጒድጓድ ደኣ ኽትድርበ ኢኻ።

Translation | Context
ራእይ 12:9 | 15 Helpful votes

እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየመላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ

Translation | Context
ሉቃስ 10:18 | 10 Helpful votes

በሎምሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎ

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 2:4 | 6 Helpful votes

ኣምላኽ ግና ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ እኳ ናብ ገሃነም ደርብዩብመቝሕ ጸልማት ተኣሲሮም ንፍርዲ ኺሕለዉ ኣሕሊፉ ሀቦም እምበር፡ ካብ ዘይነሐፎም

Translation | Context
ዮሃንስ 8:44 | 5 Helpful votes

ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹምእታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።

Translation | Context
ራእይ 20:1-3 | 4 Helpful votes

መርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ መልኣኽ ድማ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ንሱውን ነቲ ገበል፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ተመንሐዞ፡ እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ፡ ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ። እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ኸኣ፡ ናብ መዓሙቝ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉውን፡ ዐጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሐተመድሕርዚ ንቕሩብ ጊዜ ኺፍታሕ ይግባእ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:41 | 4 Helpful votes

ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙን ዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ

Translation | Context
ህዝቅኤል 28:14-17 | 3 Helpful votes

ንስኻ ዜጽልል ቅቡእ ኪሩብ ነበርካ፣ ኣነ ኣብቲ ቅዱስ ከረን ኣምላኽ ኣስፈርኩኻ፣ ኣብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ተመላለስካ። ካብቲ እተፈጠርካላ መዓልቲ ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ኣበሳ እተረኸበካ ጊዜ ብመገድካ ፍጹም ነበርካ። ብብዝሒ ነግድኻ ውሽጥኻ ብዓመጻ መልኤ እሞ ሓጢኣት ገበርካ። ስለዚ፣ ኣታ እተጽልል ኪሩብ፣ ካብቲ ኸረን ኣምላኽ ከም ርኹስ ደርቤኹኻ፣ ካብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ኸኣ ኣጥፋእኩኻ። ብምኽንያት መልክዕካ ልብኻ ተዐበየብኽብረትካ ድማ ጥበብካ ኣባላሾኻ። ኣብ ምድሪ ጻሕ ኣበልኩኻ፣ ኪርእዩኻስ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ወፌኹኻ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:8-9 | 3 Helpful votes

ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹምዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑንቕሑ። እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘልዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩምብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ

Translation | Context
ዘፍጥረት 3:14 | 2 Helpful votes

ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ተመን፡ እዚ ስለ ዝገበርካ፡ ካብ ኵሉ እንስሳን ኣራዊት መሮርን ርጉም ኩን፡ ብኸብድኻ ክትከይድኵሉ ዘበን ህይወትካ ድማ መሬት ክትበልዕ ኢኻ።

Translation | Context