Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all4 bible verses about
ግናኸ ሳውል ገና ብምፍርራህን ብምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ነዲሩ ነበረ እሞ ዝዀነ ይኹን በዛ መገዲ እዚኣ ዘለዉ ሰብኡት ወይስ ኣንስቲ እንተ ረኸበ፡ ኣኣሲሩ ንየሩሳሌም ምእንቲ ኼምጽኦም፡ ናብ ሊቀ ኻህናት ከይዱ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዘለዋ ኣባይቲ ጸሎት እትበጽሕ ደብዳበ ኻብኡ ለመነ። ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረበ፡ ብድንገት ጸዳል ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያኡ ኣንጸባረቐ። ናብ ምድሪውን ወደቐ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ንምንታይ እትሰጐኒ፧ ዚብል ድምጺ ኸኣ ሰምዔ። ንሱ ድማ፡ ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧ በለ። ጐይታ ኸኣ፡ ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ፡ ንርእስኻ እዩ ዚገደካ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ እናኣንበድበደን እናፈርሄን፡ ጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደሊ አሎኻ፧ በሎ። ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካውን፡ ኣብኡ ኺነግሩኻ እዮም፡ በሎ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰብ፡ ድምጺ እናሰምዑ ገለ እኳ ኸይረኣዩ፡ ደንጽይዎም ደው በሉ። ሳውል ካብ ምድሪ ተንሲኡ ኣዒንቱ ቛሕ እንተ ኣበለ፡ ገለ እኳ ኣይረአየን። ብኢዱ መሪሖም ናብ ደማስቆ ኣእተውዎ። ከይረአየን ከይበልዔን ከይሰተየን ድማ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ። ኣብ ደማስቆ ኸኣ ሃናንያ ዚብሀል ወደ መዝሙር ነበረ። ንእኡ ጐይታ ብራእይ፡ ሃናንያ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ ጐይታይ፡ በለ። ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብቲ ቕኑዕ ዚብሀል መተሓላለፊ ኺድ፡ ሳውል ዚብሀል ሰብኣይ ብዓል ጠርሴስ፡ እንሆ፡ ይጽሊ አሎ እሞ፡ ኣብ ቤት ይሁዳ ድለዮ፡ ንሱውን ሃናንያ ዚብሀል ሰብኣይ አትዩ፡ ምእንቲ ኺርኢ ኢዱ ኼንብረሉ ብራእይ ርእዩ አሎ፡ በሎ። ሃናንያ ግና፡ ጐይታይ፡ ብዛዕባ እዚ ሰብኣይዚ ኣብ የሩሳሌም ንቕዱሳንካ ኽንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም፡ ካብ ብዙሓት ሰሚዔ አሎኹ። ኣብዚ ድማ ስምካ ንዚጽውዑ ዂላቶም ኪኣስር፡ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን አለዎ፡ ኢሉ መለሰ። ጐይታ ግና፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር፡ ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ስመይ ክንደይ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ ከም ዚግብኦ ኸርእዮ እየ፡ ስለዚ ኺድ ደኣ፡ በሎ። ሽዑ ሃናንያ ኸደ እሞ ናብ ቤት ኣተወ፡ ኢዱ ኣብኡ ኣንቢሩ ኸኣ፡ ኣታ ሳውል ሓወይ፡ እቲ ኽትመጽእ ከሎኻ ኣብ መገዲ እተራእየካ ጐይታና የሱስ፡ ክትርእን መንፈስ ቅዱስ ኪመልኣካን፡ ናባኻ ልኢኹኒ፡ በሎ። ብኡብኡ ኸኣ ካብ ኣዒንቱ ኸም ቅራፍ ዝበለ ወደቐ እሞ ረአየ፡ ተንሲኡውን ተጠምቀ። ምግቢ ምስ ተመገበ ድማ፡ በርትዔ። ሳውል ከኣ ምስቶም ኣብ ደማስቆ ዘለዉ ደቀ መዛሙርቲ ሓያሎ መዓልቲ ተቐመጠ። ብኡብኡ ድማ ኣብ ኣባይቲ ጸሎቶም ብዛዕባ የሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ሰበኸ። ዝሰምዕዎ ዘበሉ ዂላቶም ከኣ ተገረሙ እሞ፡ እቲ ኣብ የሩሳሌም ነቶም ነዚ ስምዚ ዚጽውዑ ዘበሉ ዜጥፍእ ዝነበረስ፡ እዚዶ ኣይኰነን፧ ኣእሲሩ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ምእንቲ ኺወስዶም ድማ፡ ናብዚ ኣይመጸን፧ በሉ። ሳውል ግና እናበርትዔ ኸደ፡ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዚነብሩ ኣይሁድ ከኣ የሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ብምግሃድ ኣፎም የትሕዞም ነበረ። ብዙሕ መዓልቲ ምስ ሐለፈ ድማ፡ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ሐቢሮም ተማኸሩ። ሳውል ግና ምኽሮም ፈለጠ። ምእንቲ ኪቐትልዎ ኸኣ ለይትን መዓልትን ነቲ በሪታት ይሕልውዎ ነበሩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና፡ ብለይቲ ወሲዶም ኣብ ከፈር ገይሮም፡ ብቐጽሪ ኣውረድዎ። ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ኸኣ፡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ኺሕወስ ፈተነ፡ ንሳቶም ግና፡ ወደ መዝሙር ምዃኑ ስለ ዘይኣመንዎ፡ ኲላቶም ፈርሁ። በርናባስ ግና ተቐቢሉ ናብ ሃዋርያት ኣምጽኦ፡ ጐይታ ኣብ መገዲ ኸመይ ከም እተራእዮን ከም እተዛረቦን፡ ኣብ ደማስቆ ድማ ብስም የሱስ ከመይ ገይሩ ብትብዓት ከም ዝመሀረን ነገሮም። ኣብ የሩሳሌም ከኣ ተቢዑ ብስም ጐይታ እናተዛረበ፡ ምሳታቶም ይኣቱን ይወጽእን ነበረ። ምስቶም ካብ ጽርኣውያን ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ ይዛረብን ይካራኸርን ነበረ፡ ንሳቶም ግና ኪቐትልዎ ደለዩ። እቶም ኣሕዋት ምስ ፈለጡ ድማ፡ ናብ ቂሳርያ ኣውረድዎ ናብ ጠርሴስውን ሰደድዎ። ከምኡ ኸኣ ነታ ኣብ ኲላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ማሕበር ብዘላ ሰላም ኰነላ፡ እናተሀንጸትን ብፍርሃት እግዚኣብሄር እናተመላለሰትን ብምርዳእ መንፈስ ቅዱስ እናዐበየትን ከደት። ኰነ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ናብ ኲሉ ኺዘውር ከሎ፡ ናብቶም ኣብ ልዳ ዚነብሩ ቅዱሳን ወረደ። ኣብኡ ኸኣ ኤንያ ዝስሙ፡ ሾሞንተ ዓመት ኣብ ዓራት ዝደቀሰ መጻጒዕ ሰብኣይ ረኸበ። ጴጥሮስ ድማ፡ ኤንያ፡ የሱስ ክርስቶስ የሕውየካ አሎ። ተንስእ፡ ባዕልኻ ኣንጽፍ፡ በሎ። ብኡብኡ ኸኣ ተንስኤ። ኣብ ልዳን ኣብ ሳሮንን ዚነብሩ ዂላቶም ከኣ ነዚ ርእዮም ናብ ጐይታ ተመልሱ። ኣብ ዮጴ ድማ ጣቢታ እትብሀል ተምሃሪት ነበረት፡ ትርጒሙ ድማ ዶርቃስ እዩ። ንሳ ኸኣ ጽቡቕ ግብሪ ዝመልኣ ምጽዋትውን እትምጽውት እያ። ኰነ ኸኣ፡ በቲ ቕነቲ ሐሚማ ሞተት። ሐጺቦም ድማ ኣብ ደርቢ ኣንበርዋ። ልዳ ንዮጴ ቕርብቲ ስለ ዝነበረት፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ጴጥሮስ ኣብኣ ኸም ዘሎ ሰሚዖም፡ ክልተ ሰብኣይ ናብኡ ልኢኾም፡ ከይደንጐየ ናባታቶም ኪመጽእ ለመንዎ። ሽዑ ጴጥሮስ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ። ናብኡ ምስ መጸ ድማ፡ ናብ ደርቢ ኣደየብዎ። ኲላተን እተን መበለታት ከኣ እናበኸያ፡ እቲ ጣቢታ ምሳታተን ከላ ዝገበረቶ ቐመውሽን ክዳውንትን እናኣርኣያኦ ከቢበናኦ ደው በላ። ጴጥሮስ ግና ንዂላተን ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡ ተምበርኪኹ ጸለየ፡ ናብቲ ሬሳኣ ግልጽ ኢሉ ኸኣ፡ ጣቢታ፡ ተንስኢ፡ በላ። ኣዒንታ ቛሕ ኣበለት፡ ንጴጥሮስ ምስ ረአየቶውን፡ ኮፍ በለት። ኢዱ ዘርጊሑ ኣተንስኣ፡ ነቶም ቅዱሳንን ነተን መበለታትን ጸዊዑ ድማ፡ ህያው ኰይና ኣብ ቅድሚኦም ደው ኣበላ። እዚ ኣብ ኲላ ዮጴ ተፈልጠ፡ ብዙሓት ከኣ ብጐይታ አመኑ። ንሱ ድማ ሓያሎ መዓልቲ ምስ ስምኦን፡ ፈሓቚ ቄራብቲ ኣብ ዮጴ ተቐመጠ።
Translation | Contextብዝተረፈ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታ ባህ ይበልኩም። እዚ መሊሰ ንምጽሓፉ ንኣይ ጭንቂ ነገር ኣይኰነን፡ ንኣኻትኩም ግና ንጽንዓትኩም እዩ። ካብ ኣኽላባት ተጠንቀቑ፡ ካብ እኩያት ዓየይቲ ተጠንቀቑ፡ ካብ ምቍርራጽ ተጠንቀቑ። ንሕና ንኣምላኽ ብመንፈስ እነገልግሎ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ተመኪሕናውን ብስጋ ዘይንእመን ግዝረት ንሕና ኢና፡ ብስጋ እኳ ዝእመነሉ ዘሎኒ ኽነሰይ፡ ንሓደ ኻልእ ብስጋ ዚእመነሉ ዘለዎ እንተ መሰሎ፡ ኣነ ግዳ ዝበለጸ አሎኒ። ኣነ ብሳምነይቲ መዓልቲ እተገዘርኩ፡ ካብ ዓሌት እስራኤል፡ ካብ ነገድ ብንያም፡ እብራዊ ኻብ እብራውያን፡ ብሕጊ ፈሪሳዊ፡ ብቕንኣት ሰጓጕ ማሕበር፡ ብጽድቂ ሕጊውን መንቅብ ዜብለይ እየ። እዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ግና ስለ ክርስቶስ ኢለ ኸም ወጽዓ ቘጸርክዎ። ኣየን እሞ፡ ብእምነት ክርስቶስ እቲ ብእምነት ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ እምበር፡ እቲ ብሕጊ ዚመጽእ ጽድቀይ ሒዘ ኣይኰንኩን፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ብእኡውን ክርከብ፡ ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ አሎኹ። ብዝዀነ ዀይኑ ናብ ትንሳኤ ምዉታት እንተ ኣርከብኩ ኢለ፡ ብሞቱ እናመሰልክዎ፡ ንእኡን ሓይሊ ትንሳኤኡን ሕብረት መከራኡን ምእንቲ ኽፈልጥ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ አሎኹ። ኣነ ነቲ ንእኡ ክኸውን ብክርስቶስ የሱስ እተረኸብኩ ምእንቲ ኽረኽቦ፡ ንቕድሚት እደፍእ አሎኹ እምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ኸም ዝረኸብክዎ ወይስ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ከም ዝዀንኩ ኣይኰነን። ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ አሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ። እምብኣርሲ ፍጹማት ዘበልና ዅልና እዚ ንሕሰብ ብገለ ነገር ሓሳብኩም ንበይኑ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ንእኡውን ኣምላኽ ኪገልጸልኩም እዩ። እዚ ጥራይ፡ በቲ ዝበጻሕናዮ መጠን ብሓደ መገዲ ንመላለስ። ኣሕዋተየ፡ ንኣይ ምሰሉ፡ ከምቲ ንሕና ኣርኣያ ዝዀንናኩም፡ ኣብቶም ከምኡ ኢሎም ዚመላለሱ ኣስተብህሉ። ከምቲ ብዛዕባኦም ብዙሕ ሳዕ ዝበልኩኹም፡ ሕጂውን እናበኼኹ እብል አሎኹ፡ ብዙሓትሲ ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኰይኖም ይመላለሱ እዮም። መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ፡ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፡ ክብረቶምውን ኣብ ነውሮም እዩ፡ ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ እዩ። ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ አሎና። ንሱ በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚከአሎ ሓይሊ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ኺመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺልውጦ እዩ።
Translation | Contextሽዑ ሃናንያ ኸደ እሞ ናብ ቤት ኣተወ፡ ኢዱ ኣብኡ ኣንቢሩ ኸኣ፡ ኣታ ሳውል ሓወይ፡ እቲ ኽትመጽእ ከሎኻ ኣብ መገዲ እተራእየካ ጐይታና የሱስ፡ ክትርእን መንፈስ ቅዱስ ኪመልኣካን፡ ናባኻ ልኢኹኒ፡ በሎ።
Translation | Contextግናኸ ሳውል ገና ብምፍርራህን ብምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ነዲሩ ነበረ እሞ ዝዀነ ይኹን በዛ መገዲ እዚኣ ዘለዉ ሰብኡት ወይስ ኣንስቲ እንተ ረኸበ፡ ኣኣሲሩ ንየሩሳሌም ምእንቲ ኼምጽኦም፡ ናብ ሊቀ ኻህናት ከይዱ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዘለዋ ኣባይቲ ጸሎት እትበጽሕ ደብዳበ ኻብኡ ለመነ። ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረበ፡ ብድንገት ጸዳል ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያኡ ኣንጸባረቐ። ናብ ምድሪውን ወደቐ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ንምንታይ እትሰጐኒ፧ ዚብል ድምጺ ኸኣ ሰምዔ። ንሱ ድማ፡ ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧ በለ። ጐይታ ኸኣ፡ ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ፡ ንርእስኻ እዩ ዚገደካ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ እናኣንበድበደን እናፈርሄን፡ ጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደሊ አሎኻ፧ በሎ። ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካውን፡ ኣብኡ ኺነግሩኻ እዮም፡ በሎ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰብ፡ ድምጺ እናሰምዑ ገለ እኳ ኸይረኣዩ፡ ደንጽይዎም ደው በሉ። ሳውል ካብ ምድሪ ተንሲኡ ኣዒንቱ ቛሕ እንተ ኣበለ፡ ገለ እኳ ኣይረአየን። ብኢዱ መሪሖም ናብ ደማስቆ ኣእተውዎ። ከይረአየን ከይበልዔን ከይሰተየን ድማ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ።
Translation | Context