Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

second marriage


ማቴዎስ 19:9 | 10 Helpful votes

ኣነ ግና፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእትውን ይዝሙእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:3-9 | 8 Helpful votes

ፈሪሳውያን ድማሰባኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ተፈቒድሉ እዩ፧ ኢሎም ኪፍትንዎ ናብኡ መጹመሊሱ በሎም፡ እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፡ ድማ፡ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ ድጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስሰብ ኣይፍለዮ። ንሳቶም፡ ስለምንታይ ደኣ ሙሴጽሕፈት መፍትሒኣ ሂቦምኪፈትሕዋ ኣዘዘበልዎ። ንሱ፡ ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም ምፍታሕ ኣንስትኹም ፈቐደልኩም፡ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን፡ በሎም። ኣነ ግና፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእትውን ይዝሙእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:12-16 | 7 Helpful votes

ነቶም ካልኦት ድማ ኣነ እብል አሎኹ፡ ጐይታ ኣይኰነን፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ በታ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፡ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲውን በቲ ሓው ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ፡ ውሉድኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፡ ሕጂ ግና ቅዱሳን እዮምሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ አላቶ፡ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወትኣይፍትሓያሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣለዋ፡ ንሱ ኸኣ ምስኣ ኺነብር እንተ ፈተወ፡ ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ። ኣቲ ሰበይቲንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢወይስ ኣታ ሰብኣይንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧ እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና አሎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:10-11 | 6 Helpful votes

ነቶም እተመርዓዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ አሎኹ።

Translation | Context
ሉቃስ 16:18 | 5 Helpful votes

ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ ካብ ሰብኣያ ንተፈትሔት ዜእቱውን ይዝሙ።

Translation | Context
ዘጸአት 21:10 | 5 Helpful votes

ካልእ ሰበይቲ እንተ ኣምጽኣሉ ድማ፡ ቀለባን ክዳናን ከም ሰብይቱ ዚግባእን ኣየጕድለላ

Translation | Context
መክብብ 4:9-16 | 4 Helpful votes

ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምኳን ይሃይሽ። እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ፡ ዜተንስኦ የብሉን እዩ እሞ፡ ወይለኡ። ከምኡ ኸኣ ክልተ ብሓደ እንተ ደቀሱይማሙቑ፡ ሓደ በይኑ ግና ከመይ ኢሉ ይመውቕ፡ ገለ ነቲ በይኑ ዘሎ ሓደጋ እንተ ወደቖክልተ እዮም ዚቃወምዎብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን። ካብ ምኽሪ ምቕባል ዘይፈልጥ ኣረጊትን ዓሻን ንጉስሲ ድኻን ጥበበኛን መንእሰይ ይሐይሽ። ብመንግስቱ ድኻ ዀይኑ እኳ ተወሊዱ ኽነሱ፡ ንጉስ ኪኸውን ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጸ። ኣነ ነቶም ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚመላለሱ ኹሎም ህያዋን ምስቲ ኣብ ክንዳኡ ኪቐውም እተመደበ ኻልኣይ ጎበዝ ርኤኽዎም። እቲ ንሱ ዚመርሖ ዝነበረ ህዝቢ መወዳእታ ኣይነበሮን፡ ግናኸ እቶም ብድሕሪኡ ዚመጹ ብእኡ ኣይኪሕጎሱን እዮም። እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:15 | 3 Helpful votes

ኣቲ ሰበይቲንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢወይስ ኣታ ሰብኣይንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧ እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና አሎ።

Translation | Context
እብራውያን 13:4 | 3 Helpful votes

ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን።

Translation | Context
ሮሜ 7:2 | 3 Helpful votes

ሰበይቲሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎብሕጊ ኣብኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሰብኣያ ፍትሕቲ እያ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:12-15 | 3 Helpful votes

ነቶም ካልኦት ድማ ኣነ እብል አሎኹ፡ ጐይታ ኣይኰነን፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ በታ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፡ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲውን በቲ ሓው ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ፡ ውሉድኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፡ ሕጂ ግና ቅዱሳን እዮምሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ አላቶ፡ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወትኣይፍትሓያሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣለዋ፡ ንሱ ኸኣ ምስኣ ኺነብር እንተ ፈተወ፡ ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ። ኣቲ ሰበይቲንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢወይስ ኣታ ሰብኣይንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧ እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና አሎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 14:33 | 3 Helpful votes

ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይግዝእዎም እዮም።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:32 | 2 Helpful votes

ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 6:23 | 2 Helpful votes

ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩምንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎመወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።

Translation | Context
ሚልክያስ 2:16 | 2 Helpful votes

ምፍትሕን ንኺዳኑ ብዓመጽ ዚኸድኖን እጸልእ አሎኹ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል። ስለዚ ኸይትጠልሙ መንፈስኩም ሐልዉ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

Translation | Context