Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

seeking wisdom


ያእቆብ 1:5 | 17 Helpful votes

ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖኪውሀቦውን እዩ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:16 | 9 Helpful votes

ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱንብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩምቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም

Translation | Context
ምሳሌ 8:11-12 | 8 Helpful votes

ጥበብ ካብ ኣዕናቝ ትበልጽ እያ፡ ክቡር ዘበለ ዅሉውን ኣይመዓራረያን እዩ እሞ፡ ካብ ብሩርሲ ተግሳጽንፍልጠትውን ካብ ሕሩይ ወርቂ ኣብሊጽኩም ተቐበልዎኣነ ጥበብ ኣብ ልቦና እነብርሓሳብ ፍልጠት ድማ እረክብ

Translation | Context
ኤፌሶን 1:17 | 5 Helpful votes

ኣምላኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቦ ኽብሪ ብፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ምእንቲ ኺህበኩም

Translation | Context
ምሳሌ 1:7 | 5 Helpful votes

ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ፡ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ

Translation | Context
ሉቃስ 21:15 | 4 Helpful votes

ኣነ ንዅሎም መኻራኽርትኹም ምቅዋሙን ምምጓቱን ዘይከአሎም ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ እሞ፡ ስለዚ ኸመይ ከም እትመልሱቅድም ከይትሐልዩ፡ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ

Translation | Context
ሮሜ 11:33 | 4 Helpful votes

ወዳጄመዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኮታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰር ኣሰር ዘይርከብ እዩ መገዱ

Translation | Context
ምሳሌ 17:27 | 3 Helpful votes

እቲ ፍልጠት ዘለዎስ ቃላቱ ይቝጥብህዱእ መንፈስ ዘለዎ ለባም እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:13 | 2 Helpful votes

እቲ ጥበብ ዚረክብኣእምሮውን ዜጥሪ ሰብ ብጹእ እዩ።

Translation | Context
መክብብ 7:1-29 | 2 Helpful votes

ካብ ጽቡቕ ሽታ ጽቡቕ ስም ይሐይሽ፡ ካብ መዓልቲ ምላድ መዓልቲ ሞት ይበልጽ። ናብ ቤት መስተ ኻብ ምኻድ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሐይሽ፡ እዚ መወዳእታ ዅሉ ሰብ እዩ እሞ፡ እቲ ብህይወቱ ዘሎ ኣብ ልቡ የንብሮገጽ እንተ ሐዘነልቢ ይበርህ እዩ እሞ፡ ካብ ሰሓቕስ ሓዘን ይሐይሽልቢ ጥበበኛታት ኣብ ቤት ሓዘንልቢ ዓያሱ ግና ኣብ ቤት ሓጐስ እዩ። ካብ ደርፊ ዓያሱ ምስማዕስ መግናሕቲ ጥበበኛታት ምስማዕ ይሐይሽሰሓቕ ዓሻስ ከምቲ ኣብ ትሕቲ ቑራዕ ጣዕጣዕ ዚብል እሾኽ እዩ እሞ፡ እዚውን ከንቱነት እዩ። ግፍዒ ንጥበበኛ የዐሽዎመማለጃ ኸኣ ንልቢ የጥፍኦ። ካብ መጀመርታ ነገር መወዳእትኡ ይሐይሽ፡ ካብ ዕቡይ መንፈስ ዓቃል መንፈስ ይሐይሽኩራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ እዩ መሕደሪኡ እሞ፡ ብመንፈስካ ንኹራ ኣይትተሀወኽ። ካብ እዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሔሸ ስለምንታይ እዩ፡ ኣይትበል፡ እዝስ ብጥበብ ኣይኮንካን እትሐቶ ዘሎኻ። ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ፡ ግናኸ ምብላጽ ፍልጠትሲ እታ ጥበብ ንመጥረዩኣ ብህይወት ምንባር እዩ እሞ፡ ጥበብ ከም ርስቲ ጽብቕቲ እያ፡ ኤረ ነቶም ጸሓይ ዚርእዩስ ኣዝያ ትጠቕሞም እያ። ንግብሪ ኣምላኽ ጠምቶ፡ ነቲ ንሱ ዘጐበጦ መንከ የቕንዖበመዓልቲ ጣዕሚ ባህ ይበልካ፡ ብመዓልቲ መከራ ድማ ሕሰብሰብ ነቲ ድሕሪኡ ዚኸውን ምእንቲ ኸይፈልጥኣምላኽ ነዝን ነተን ገበሮጻድቕ ብጽድቁ ዚጠፍእ አሎረሲእ ድማ ብግብሪ እከዩ መዕልትታቱ ዜንውሕ አሎ። ነዚ ዅሉ ብመዓልትታት ከንቱነተይ ርኤኽዎእምብዛ ጻድቕ ኣይትኹን፡ ንርእስኻውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበር፡ ስለምንታይ ንርእስኻ እተጥፍእእምብዛ ረሲእ ኣይትኹን፡ ዓሻውን ኣይትኹን፡ ስለምንታይ ቅድሚ ጊዜኻ እትመውትንኣምላኽ ዚፈርህሲ ኻብዚ ዅሉ የምልጥ እዩ እሞ፡ ነዚ እንተ ሐዝካ ካብዚውን ኢድካ እንተ ዘየርሓቕካ ሰናይ እዩ። ካብ ኣብ ከተማ ዘለዉ ዓሰርተ ስልጡናትሲ ጥበብ ንጥበበኛ ተበርትዖ። ብርግጽ ሰናይ ዚገብር እሞ ዘይሐጥእ ጻድቕ ኣብ ምድሪ የልቦን። ንስኻውን ብዙሕ ጊዜ ንኻልኦት ከም ዝረገምካልብኻ ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ባርያኻ ኺረግመካ ኸሎ ኸይትሰምዕሲንዚዛረብ ዘበለ ዅሉ ቓላት ኣይተቕልበሉነዚ ዅሉ ጥበብ ተዓዘብክዎ፡ ኣነ ጥበበኛ ክኸውን እየ፡ በልኩ፡ ንሳ ግና ካባይ ረሐቐት። እታ ርሕቕትን ኣዝያ ዓማቑንከ መን ኪበጽሐ ይኽእል፡ ኣነ ጥበብን ምኽንያት ነገርን ክፈልጥክምርምር ክደሊውንረሲእነትሲ ዕሽነትዕብዳን ከአ ጽላለ ምዃኑ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ምልስ ኢለ ብልበይ ኣድሀብኩ። ካብ ሞት ዚመርርውን ረኸብኩ፡ እዚኣ መርበብ እትመስል፡ ልባ ኸኣ መፈንጠራኣእዳዋ ድማ መቑሕ ዝዀነት ሰበይቲ እያ። ንኣምላኽ ባህ ዜብሉ ኻብኣ ይመሉቑሓጥእ ግና ብእአ ይተሐዝ። እቲ ሰባኺ ድማ፡ ናብ ምስትውዓል ክበጽሕስ በብሓደ እናሐዝኩ፡ እንሆ እዚ ረኸብኩይብልነፍሰይ ግና እትደልዮ እሞ ዘይረኸበቶ አሎ፡ ካብ ሽሕሲ ሓደ ሰብኣይ ረኺበ፡ ኣብ ማእከል ኩላቶም ግና ሓንቲ ሰበይቲ ኣይረኸብኩን። እንሆኣምላኽ ንሰብ ቅኑዕ ገይሩ ኸም ዝፈጠሮ ግዳ ረኸብኩ፡ ንሳቶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 2:13 | 2 Helpful votes

ንሕና ኸኣ መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ እናኣሰማማዕናመንፈስ ቅዱስ ብዚምህረሉ ቓል እምበር፡ ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና።

Translation | Context
ማቴዎስ 13:11 | 2 Helpful votes

መሊሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኽእትኩም ተውሂቡ አሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን።

Translation | Context
ቈሎሴ 2:8 | 2 Helpful votes

ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲተጠንቀቑ

Translation | Context
ዮሃንስ 5:30 | 2 Helpful votes

ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልንፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ ኣነ ከማቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ

Translation | Context
ምሳሌ 4:7 | 2 Helpful votes

ጥበብ ኣውራ ነገር እያ እሞ፡ ንጥበብ ኣጥርያ፡ እወ፡ ብዅሉ ጥሪትካ ንምስትውዓል ኣጥርያ

Translation | Context
ማቴዎስ 5:22 | 2 Helpful votes

ኣነ ግናንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 8:22-23 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣብ መጀመርታ መገዱቅድሚ እቲ ጥንታዊ ግብሩ ተገንዘበኒካብ ዘለኣለም ካብ መጀመርያምድሪ ኸይኰነት ቈምኩ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 2 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ

Translation | Context