Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

self discipline


እብራውያን 12:11 | 18 Helpful votes

ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ።

Translation | Context
ምሳሌ 25:28 | 11 Helpful votes

መንፈሱ ዘይገትእ ሰብሲ ቀጽሪ ዜብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 9:24-27 | 8 Helpful votes

ኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዚቃዳደሙኸ ዂላቶም ከም ዚጐዩ፡ ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዚወስዳዶኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ከምኡ ጒየዩ። እቲ ዚቃለስ ዘበለ ብዂሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ እዩ፡ እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኪቕበሉ እዮም፡ ንሕና ግና ነቲ ዘይሐልፍ። ስለዚ ኣነ እጐዪ አሎኹ፡ ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጐዪ ኣይኰንኩንእምክት አሎኹ፡ ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና ኣይኰንኩንንኻልኦት እናሰበኽኩ፡ ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 9:27 | 6 Helpful votes

ንኻልኦት እናሰበኽኩ፡ ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 1:7 | 6 Helpful votes

በዚ ምኽንያት እዚኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕር ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 13:4 | 6 Helpful votes

ነፍሲ ሃካይ ሃረር ትብል አላ እሞ ገለ ኣይትረክብን፡ ነፍሲ ትጉሃት ግና ኣዝያ ትጸግብ

Translation | Context
ገላትያ 5:22-23 | 6 Helpful votes

እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪሓጐስዕርቂዓቕሊለውሃትሕያውነትእምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን

Translation | Context
ቲቶስ 2:11-14 | 4 Helpful votes

ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ፡ እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድናኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና አሎ። የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣናንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘብ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ

Translation | Context
ቲቶስ 2:12 | 3 Helpful votes

እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድናኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና አሎ።

Translation | Context
ምሳሌ 15:32 | 3 Helpful votes

እቲ ተግሳጽ ዚኣቢ ንነፍሱ ይንዕቃዘለፋ ዚሰምዕ ግና ይልብም

Translation | Context
ቲቶስ 1:8 | 2 Helpful votes

እቲ ኤጶስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባምቅኑዕቅዱስ፡ ይአኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኵሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግባእ።

Translation | Context
ምሳሌ 13:18 | 2 Helpful votes

ነቲ ተግሳጽ ዘይቅበል ሰብ ድኽነትን ነውርን ይጸንሖ፡ መግናሕቲ ዚቕበል ግና ይኸብር

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 15:7 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩም ግና እቲ ዕዮኹም ዓስቡ ኺረክብ እዩ እሞ፡ ጽንዑ፡ ኣእዳውኩምውን ዘርጋሕጋሕ ኪብላ ኣይትሕደጉ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 9:25 | 2 Helpful votes

እቲ ዚቃለስ ዘበለ ብዂሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ እዩ፡ እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኪቕበሉ እዮም፡ ንሕና ግና ነቲ ዘይሐልፍ

Translation | Context
እብራውያን 13:5 | 2 Helpful votes

ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ

Translation | Context
ምሳሌ 13:24 | 2 Helpful votes

ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ

Translation | Context