Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

self love


2ይ ጢሞቴዎስ 3:1-5 | 19 Helpful votes

ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብተጀሃርቲዕቡያትተጻረፍቲንወለዶም ዘይእዘዙዘየማስዉርኹሳትፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎምተቐየምቲሓመይቲቀለልቲጨካናትሰናይ ዘይፈትዉኣሕሊፎም ዚህቡህዉኻትተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡ እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘልዎምነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጕ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣንኵሉ ሳዕ ዚምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ

Translation | Context
ኤፌሶን 5:29 | 12 Helpful votes

ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንናክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:4-7 | 8 Helpful votes

ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእንፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕንኣይተስተሓፍርንናታ ኣይትደልንኣይትምረርንኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላንኲሉ ትጸውርኲሉ ትኣምንኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ

Translation | Context
ማቴዎስ 22:37-39 | 6 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳባትካን ኣፍቅሮ፡ እዚእ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ፡ ንብጻይካ ኸም ንፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ።

Translation | Context
ገላትያ 2:20 | 5 Helpful votes

ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 4:23 | 5 Helpful votes

ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:19-21 | 4 Helpful votes

ንሱ ቅድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕናውን ነፍቅር ኢና። ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ። እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ ንሓዉ ድማ የፍቅሮ ደኣ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ እዩ ኻብኡ እተቐበልናዮ።

Translation | Context