Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all7 bible verses about
ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጻእና፡ ሓንቲ እኳ ክንሐስብ ኣይከኣለናን እዩ።
Translation | Contextከምዚ ኢሉ ኸኣ ምስላ ነገሮም፥ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቐደወሉ። ብልቡ ኸኣ፥ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን፡ እንታይ ደኣ እገብር እየ ኢሉ ሐሰበ። ንሱ ድማ፥ ከምዚ እገብር፥ ንማዕከነይ ኣፍሪሰ፡ ኣግፊሔ እሰርሖ፡ ኣብኡ ኸኣ ኵሉ እኽለይን ሃብተይን እእክብ። ንነፍሰይውን፥ ኣቲ ነፍሰይ፡ ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዚኣኽለኪ አሎኪ እሞ ዕረፊ፡ ብልዒ፡ ስተዪ፡ ተሐጐሲ፡ እብላ፡ በለ። ኣምላኽ ግና፥ ኣታ ዓሻ፡ ንነፍስኻ ካባኻ ኺወስድዋ በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ አለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧ በሎ። እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ከምኡ እዩ።
Translation | Contextእቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ።
Translation | Contextንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።
Translation | Contextካባኻትኩምሲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ፡ ንድምጺ ባርያኡውን ዚሰምዕ መን እዩ፧ እቲ ብጸልማት ዚመላለስ ብርሃን ከኣ ዚስእን፡ ኣብ ስም እግዚኣብሄር ይወከል፡ ኣብ ኣምላኹውን ይጸጋዕ። እንሆ፡ ኣቱም ሓዊ እተንድዱ ዂላትኩም፡ እያድ ከኣ እትዕጠቑ፡ ኣብቲ ሃልሃልታ ሓውኹምን ኣብቲ ዘንደድኩምዎ እያድን ኪዱ፡ እዚ ኻብ ኢደይ እዩ ዚመጻኩም፡ ኣብ ስቓይ ክትድቅሱ ኢኹም።
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Contextከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ አሎኹ።
Translation | Context