Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

5 bible verses about

serving the lord


ማቴዎስ 6:24 | 15 Helpful votes

ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦንወይ ነቲ  ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ።

Translation | Context
ሚልክያስ 3:14-18 | 9 Helpful votes

ንስኻትኩምውን፡ ንኣምላኽ ምግልጋል ከንቱ እዩ፡ ስርዓቱ ዝሐሎና ኣብ ቅድሚ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ድማ ክሊ ተኸዲንና እተመላለስናስ እንታይ ረባሕናበልኩም። እምብኣርሲ ነቶም ዕቡያት ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና፣ እወ፣ እቶም ገበርቲ ረሲእነት ይህነጹ፣ እወ፣ ንኣምላኽ ፈተንዎ ኣምለጡ ኸኣ። ሽዑ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡእግዚኣቢሄር ከኣ ጽን በለ ሰምዔውን። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፍርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሐስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ። በታ ኣነ ዚገብረላ መዓልቲ ንሳቶም ገንዘበይ ኪዀኑኒ እዮም። ኣነ ኸኣ፣ ከምቲ ወላዲ ነቲ ዜገልግሎ ውሉዱ ዚንሕፎክንሕፎም እየ። ንስኻትኩም ድማ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ፍልልልይ ክትርእዩ ኢኹም።

Translation | Context
እያሱ 24:15 | 8 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፉእ ኰይኑ እንተ ተራእየኩምሲ ንመን ከም እተገልግሉ፡ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ክንየው ርባ ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ወይ ኣማልኽቲ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘሎኹም ኣሞራውያንሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል

Translation | Context
ምሳሌ 3:1-35 | 7 Helpful votes

ወደየምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውሰኸልካ እዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወንሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ። ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመንኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ። ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ፍራህካብ ክፉእ ከኣ ርሐቕ። እዚ ንሕምብርትኻ ፈውሲ ነዕጽምትኻውን ኣንጕዕ ኪዀነካ እዩ። ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካንንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ። ሽዑ ቘፋፍኻ ብብዝሒ ኺመልእመጽመቝኻ ኸኣ ብዀልዒ ወይኒ ኪቕጸጽ እዩ፡ ወደየከምቲ ኣቦ ንዘፍቀሮ ውሉዱ ይቐጽዖ፡ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ፡ እንተ ቐጽዓካ ኸኣ ኣይትመረር። እቲ ጥበብ ዚረክብኣእምሮውን ዜጥሪ ሰብ ብጹእ እዩ። ከምይሲ ኻብቲ ብሩር ዜጥሪ ንእኣ ዜጥሪ ይበልጽ፡ እቲ ብእኣ ዚርከብ ረብሓ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይበልጽ እዩ። ካብ ዕንቍ ትኸብርኵሉ እቲ ሃረር እትብሎ ነገር እኳ ኣይመዐራረያንኣብ የማና ነዊሕ ዕድመኣብ ጸጋማ ኸኣ ሃብትን ክብረትን ኣለዋ። ጐደናኣ ጐደና ሓጐስብዘሎ መገዳ ኸኣ ሰላም እዩ። ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ፡ ኣጽኒዑ ዚሕዛ ዘበለ ኸኣ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሄር ንምድሪ ብጥበብ ሰረታንሰማያት ከኣ ብምስትውዓል ኣጽንዖብፍልጠቱ መዓሙቝ ይኽፈትደበናታትውን ኣውሊ የንጠብጥብወደየ፡ ነዚኤን ካብ ዓይንኻ ኣይትፍለየንንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሐዘን። ንሳተን ንነፍስኻ ህይወትንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ኪዀናኻ እየን። ሽዑ ሀዲእካ መገድኻ ኽትከይድእግርኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ። እንተ ተገምሰስካ ኣይክትብህርርን ኢኻ፡ በጥ ክትብል ኢኻ፡ ድቃስካውን ኪጥዕም እዩ። እግዚኣብሄር እምንቶኻ ኪኸውንኣእጋርካ ኸይፍንጠራ ኸኣ ኪሕልወን እዩ እሞ፡ ካብቲ ናይ ድንገት ሰምባድ፡ ካብቲ ንረሲኣን ዚመጾም ጥፍኣት ኣይትሸበርኢድካ ኽትገብረሉ ዚከኣላ እንተ ዀይኑስ፡ ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮዚወሃብ ከሎካስንብጻይካኪድ እሞ ተመለስጽባሕ ክህበካ እየ ኣይትበሎንብጻይካኣሚኑካ ምሳኻ ኺነብር ከሎ፡ ኣይትተናዀለሉ። ምስ ዘይበደለካ ሰብ ብኸምኡ ኣይትበኣስብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእመገዱ ዘበለ ዅሉ ኣይትምረጽእግዚኣብሄር ነቲ ቔናን ይፍንፍኖምስጢሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ። መርገም እግዚኣብሄር ኣብ ቤት ረሲእ እዩ፡ ንማሕደር ጻድቃን ግና ይባርኾ። ንሱ ንመላገጽቲ የላግጸሎምንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦምጠቢባን ክብሪ ኺወርሱ እዮም፡ ዓያሱ ግና ልዕልናኦም ውርደት እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:3 | 6 Helpful votes

የሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከምዜልቦብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹኢሉ መለሰሉ

Translation | Context