Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

sharing wealth


1ይ ዮሃንስ 3:17 | 18 Helpful votes

ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር

Translation | Context
ማቴዎስ 19:21 | 15 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስኪድዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ፡ ንዓ ስዐበኒበሎ

Translation | Context
ሉቃስ 3:10-11 | 14 Helpful votes

እቶም ህዝቢ ድማ፥ እንታይ እሞ ንግበርኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ክልተ ቐምሽ ዘለዎ ነቲ ዜብሉ ይምቀሎቀለብ ዘለዎ ድማ ከምኡ ይግበርኢሉ መለሰሎም

Translation | Context
ሉቃስ 21:1-4 | 7 Helpful votes

ቍሊሕ ኢሉ፡ ሃብታማት መባኦም ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ከም ዜውድቑ ረአየሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ ኣብኡ ኽልተ ለብጦን ከተውድቕ ከላ ረአየ እሞ፥ ካብ ኵላቶም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኣብዚሓ ኸም ዘውደቐትብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እዚኣቶምሲ ዅላቶም መባእ ካብ ተረፎም እዮም ዘውድቑ፡ እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ ዅሉ ምግባ እያ ዘውደቐት፡ በለ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:17-19 | 7 Helpful votes

ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞምገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ አዝዞም።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:9-11 | 6 Helpful votes

እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራንኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ። ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግና ካብዚ ህደም እሞ ደድሕሪ ጽድቂኣምልኾእምነትፍቕሪትዕግስቲህድኣት ሰዓብ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:44-46 | 5 Helpful votes

እቶም ዝአመኑ ዂላቶም ከኣ ብሓንሳእ ነበሩ፡ ዘለዎም ኲሉውን ብርኪ ነበረ። መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡንዂሎም ከኣ ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ። ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ፡ ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:19-21 | 4 Helpful votes

መዝገብካ ኣብ ዘለዎኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ

Translation | Context
ማቴዎስ 25:34-40 | 4 Helpful votes

ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻትንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒጸሚኤኣስቴኹምኒገይሸተቐበልኩምኒዐሪቀከደንኩምኒሐሚመበጻሕኩምኒተኣሲረመጻእኩምኒ። ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ መኣዝከ ጋሻ ኴንካ ርኤናካ ኣሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ፧ መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ትአሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም

Translation | Context
ማርቆስ 12:41-44 | 3 Helpful votes

የሱስ ድማ ኣብ መንጽር ሳጹን ምጽዋት ተቐሚጡ፡ እቶም ሰብ ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዜውድቑ ረአየብዙሓት ሃብታማት ብዙሕ ኣውደቑሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ መጺኣ ኽልተ ለብጦን፡ ሓደ ቆድራንቴን ዚኣክልኣውደቐትንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸኣ፥ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኻብዞም ኣብዚ ሳጹን ምጽዋት ዘውደቑ ዅሎም ዚበዝሕ ከም ዘውደቐትብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኵሎም ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ እሞ፡ እዚኣ ግና ካብ ድኽነታ ዘለዋ ዘበለ ዅሉ ምግባ እያ ዝሃበት፡ በሎም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 5:1-11 | 3 Helpful votes

ሃናንያ ዝስሙ ሰብኣይ ምስ ሰጲራ ሰበይቱ ምድሩ ሸጠ። ካብቲ ዋጋኡ ኸኣ ምስ ሰበይቱ ተማኺሩ መቒሉ ኣትረፈ፡ ነቲ ሓደ ምቃል ድማ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮጴጥሮስ ከኣ፡ በል ሃናንያንመንፈስ ቅዱስ ክትሕሱ ኻብ ዋጋ እቲ ምድሪ ኸኣ መቒልካ ኽትሐብእሲስለምንታይ ሰይጣን ንልብኻ መልኦ፧ ከይተሸጠስ ናትካዶ ኣይነበረን፧ ምስ ሸጥካዮስ፡ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን፧ ከመይ ጌርካኸ ነዚ ነገርዚ ብልብኻ ሐሰብካዮ፧ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሐሶኻን፡ በሎ። ሃናንያ እዚ ቓልዚ ምስ ሰምዔወደቐነፍሱ ኸኣ ወጸት። እቶም እዚ ዝሰምዑ ዘበሉ ዂሎም ከኣ ኣዝዮም ፈርሁኣጒባዝ ድማ ተንሲኦም ገነዝዎተሰኪሞም ኣውጺኦምውን ቀበርዎ። ኰነ ኸኣ፡ ብድሕሪኡ ኣስታት ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ሰበይቱ፡ እቲ ዝዀነ ኸይፈለጠትኣተወትጴጥሮስ ከኣ፡ እስኪ ንገርኒንመሬትኩምዶ በዚ ኽንድዚ ኢኹም ዝሸጥኩምዎ፧ ኢሉ መለሰላ። ንሳ ኸኣ፡ እወ፡ በዚ ኽንድዚ እዩ፡ በለትጴጥሮስ ድማ፡ ከመይከ መንፈስ እግዚኣብሄር ንምፍታን እተሰማማዕኩምኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ እንሆ፡ ኣብ ደገ ኣለዋ፡ ንኣኺ ድማ ኬውጽኡኺ እዮም፡ በላብኡብኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ወደቐት እሞ ነፍሳ ወጸት። እቶም ኣጒባዝ ምስ ኣተዉ፡ ሞይታ ጸንሓቶምተሰኪሞም ኣውጺኦም ከኣ ኣብ ጥቓ ሰብኣያ ቐበርዋ። ኣብ ብዘላ እታ ማሕበርን ኣብቶም ነዚ ነገርዚ ዝሰምዑ ዘበሉ ዂላቶምን ከኣ ብዙሕ ፍርሃት ኰነ።

Translation | Context