Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፣ ንሱ ገበረና፣ ባዕላትና ኣይኰንናን፣ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና።
Translation | Contextካናኻትኩምከ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ ካባታተን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶስ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ዘይሐድግ፡ ክሳዕ ዚረኽባውን ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ዘይከይድ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ ምስ ረኸባ ኸኣ፡ እናተሐጐሰ ኣብ መንኵቡ ይሕንግራ። ናብ ቤቱ ምስ ተመለሰ ድማ፡ ነዕሩኹን ንጐረባብቱን ብሓደ ጸዊዑ፥ ነታ ዝጠፍኤትኒ በጊኤይ ረኺበያ እሞ፡ ምሳይ ተሐጐሱ፡ ይብሎም። ከምኡ ኸኣ ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትችዓተን ጻድቃንሲ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextብዙሓት ህዝቢ ምስ ረአየ፡ ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ፡ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎም።
Translation | Contextእቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ።
Translation | Contextእቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ዚሐኵር፡ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝዀነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ። ንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉ፡ እተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓ። ነተን ኣባጊዑ ኸኣ በብሰመን ጸዊዑ የውፍረን። ነተን ኣባጊዕ ምስ ኣውፍረን ድማ፡ ቀቅድሜኤን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦ። ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየን። የሱስ እዚ ምስላዚ መሰለሎም፡ ንሳቶም ግና ነቲ እተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን። ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ በሎም፥ እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ከም ዝዀንኩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዅላቶም ሰረቕትን ጓሓሉትን እዮም፡ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን። እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኪድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ ኣዩ። ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ። እቲ ብዓል ዓስቢ ግና፡ ጓሳ ዘይኰነስ፡ እተን ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡ ተዅላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረአየ፡ ነተን ኣብጊዕ ሐዲግወን ይሃድም። እቲ ተዅላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፋሕውን የብለን። ብዓል ዓስቢ እዩ እሞ፡ ይሃድም፡ ግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉን። ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒ፡ ኣነውን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋ። ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ። ንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ፡ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን ጓሳኤንውን ሓደ።
Translation | Contextካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ፡ ውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም።
Translation | Contextህዝበይ ጥፉእ መጓሰ ኣባጊዕ ነበረ፡ ጓሶተን ኣጋገይወን፡ ናብ ኣኽራን ኣዀብለልወን፡ ንሳተን ካብ ኣኽራን ናብ ኲድዂዶታት ነፈጻ፡ ስፍራ ማሕደሪኤን ከኣ ረስዓ።
Translation | Contextኲላትና ኸም ኣባጊዕ ተባረርና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣበሳ ዂላትና ኣብኡ ኣውደቖ።
Translation | Contextእንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ። ደጊም ጠቢባን ከም ተመን፡ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ።
Translation | Contextከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብቶም ጓሶት እስራኤል ተነበ፣ ነቶም ጓሶት ተነበየሎም፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንገሮም፣ ነቶም ንርእሶም ጥራይ ዚጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም። እቶም ጓሶትሲ ነተን ኣባጊዕዶ ኣይኰኑን ዚጓስዩ፡ ነቲ ስቡሕ ትበልዑ፣ ጸምሪ ትኽደኑ፣ ነቲ ዝሰብሔ ትሐርዱ፣ ነቲ መጓሰ ግና ኣይትኣልዩን። ንዝሐመቓ ኣየበርታዕኩምን፣ ንዝሐመመት ኣይፈወስኩምን፣ ንተሰብረት ኣይዘነንኩምን፣ ንተባረረት ኣይመለስኩምን፣ ንዝጠፍኤት ኣይደሌኹምን፣ ብሓይልን ብትርን ደኣ ገዛእኩምወን። ጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ፣ ንዅሎም ኣራዊት መሮር ከኣ ብልዒ ዀና፣ ፋሕውን በላ። ኣባጊዔይ ኣብ ኵሉ ኣኽራንን ኣብ ኵሉ ነነዋሕቲ ዅርባታትን ተባረራ፣ ኣብ ኵሉ ዝባን ምድሪ ፋሕ በላ፣ ግደን ዚገብርን ዚደልየንን ከኣ የልቦን። ስለዚ፣ ኣቱም ጓሶት፣ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኣባጊዔይ ተዘሪፈን፣ ኣባጊዔይ ከኣ ንዅሎም ኣራዊት መሮር ብልዒ ዀይነን፣ እቶም ጓሶት ኣይነበሩን፣ ጓሶትይ ግዲ ኣባጊዔይ ኣይገበሩን፣ እቶም ጓሶት ንርእሶም ጓሰዩ እምበር፣ ነባጊዔይሲ ኣይጓሰይወንን እዮም እሞ፣ ስለዚ፣ ኣቱም ጓሶት፣ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ እንሆ፣ ኣብቶም ጓሶት እጥልቕ አሎኹ፣ ኣባጊዔይ ከኣ ካብ ኢዶም ክደልየን እየ። እቶም ጓሶት መሊሶም ንርእሶም ከይጓስዩስ፣ ጕስነት ኣባጊዔይ ከሕድጎም እየ። ድሕርዚ ቐለቦም ከይዀና ድማ፣ ካብ ኣፎም ክምንዝዔን እየ፣ ይብል አሎ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እኔኹ ኣነ ባዕለይ፣ ኣነ ነተን ኣባጊዔይ ክኣልየንን ክደልየንን እየ። ከምቲ ጓሳ፣ በታ እተን መጓሲኡ ፋሕ ዚብላላ መዓልቲ ኣብ ማእከል ኣባጊዑ ጸኒሑ ዚደልየን፣ ከምኡ ድማ ኣነ ነባጊዔይ ክደልየን፣ ካብ ኵሉ እቲ ብመዓልቲ ደበናን ጸልማትን ፋሕ ኢለናኦ ዝነበራ ቦታ ኸኣ ከናግፈን እየ። ካብ ህዝብታት ከውጽኤን፣ ካብ ሃገራት ክእክበን፣ ናብ ሃገረን ድማ ክመልሰን፣ ኣብ ኣኽራን እስራኤልን ኣብ ጥቓ ወሓዚ መስኖ ኣብቲ ሰብ ዚነብረሉ ኵሉ ቦታ እታ ሃገርን ክጓስየን እየ። ኣብ ልሙዕ መጓስዪ ኸውፍረን እየ፣ ደምቢኤን ከኣ ኣብቲ ነዋሕቲ ኣኽራን እስራኤል ኪኸውን እዩ። ኣብኡ ኣብ ጽቡቕ ደምበ ኺድቅሳ፣ ኣብ ስቡሕ መውፈሪ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ኪጓሰያ እየን። ኣነ ባዕለይ ነባጊዔይ ክወፍረን ባኦለይ ድማ ከስፍረን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ዝጠፍኤት ክደሊ፣ እተባረረት ክመልስ፣ እተሰብረት ክዘንን፣ ዝሐመቐት ከኣ ከጽንዕ፣ ነታ ዝሰብሔትውን ዝበርትዔትን ግና ከጥፍእ፣ ብፍርዲውን ክጓስየን እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኣትን ኣባጊዔይ፣ እንሆ፣ ኣነ ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን፣ ኣብ መንጎ ደዓውልን ደባሉን ክፈርድ እየ። ነቲ ካብ መውዓሊኹም ዝተረፈ በእጋርኩም እትረግጽዎስ፣ ኣብቲ ልሙዕ ሸኻ ምውዓልዶ ውሒድኩም እዩ፧ ነቲ ዝተረፈ ማይ በእጋርኩም እትዘርግዎስ፡ እቲ ጽሩይ ማይ ምስታይዶ ውሒድኩም እዩ፧ እሞ እተን ኣባጊዔይሲ እቲ ብእጋርኩም እተረግጸዶ ኺበልዓ፣ እቲ ኣእጋርኩም ዝዘረጎስ ኪሰትያ እየን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እኔኹ፣ ኣነ ባዕለይ ኣብ መንጎ እተን ስቡሓት ኣባጊዕን እተን ዓባሩ ኣብጊዕን ክፈርድ እየ። ንዅለን እተን ዝሐመቓ ዘበላ ኽሳዕ ሰጕጕኩም ፋሕ እተብልወን፣ ብጐድንን ብመንኩብን ስለ ዝጐነጽኩምወን፣ በቕርንትኹም ድማ ስለ ዝወጋእኩምወን፣ ስለዚ ኣነ ነባጊዔይ፣ ድሕርዚ ንዘመተ ኸይውፈያ፣ ከድሕነን ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን ከኣ ክፈርድ እየ። ኣነ ኸኣ ዚጓስየን ሓደ ጓሳ፡ ዳዊት ባርያይ፡ ከተንስኣለን እየ። ንሱ ኺጓስየን፡ ጓሳኤን ድማ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኾም ክኸውን እየ፣ ዳዊት ባርያይውን ኣብ ማእከሎም መስፍን ኪኸውን እዩ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ አሎኹ። ኣነ ምሳታተን ኪዳን ሰላም ከኣቱ፣ ንኽፉኣት ኣራዊት ካብ ሃገር ከጥፍኦም እየ። ንሳተን ከኣ ኣብ በረኻ ሀዲኤን ኪነብራ፣ ኣብ ዱርውን ኪድቅሳ እየን። ኣነ ኸኣ ንእኤንን ነቲ ኣብ ዙርያ ዂርባይ ዘሎ ቦታን ንበረኸት ክገብሮም እየ። ዝናም ብጊዜኡ ኸውርድ እየ፡ ዝናም በረኸትውን ኪኸውን እዩ። ኦም መሮር ፍሪኡ ኼፍሪ እዩ፣ ምድሪውን ብቝላ ኽትህብ እያ፣ ኣብ ሃገሮም ከኣ ሀዲኦም ኪነብሩ እዮም። ኣነ ሰንሰለት ኣርዑቶም ምስ ሰበርኩ፣ ካብ ኢድ እቶም ባሮት ዝገበርዎም ከኣ ምስ ኣናገፍክዎም፣ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። ድሕርዚ ዘመተ ህዝብታት ኣይኪዀኑን እዮም፣ ኣራዊት ምድሪ ኸኣ ኣይኪበልዕዎምን እዮም። ኤረ ሀዲኦም ኪነብሩ እዮም፣ ዜፍርሆምውን የልቦን። ንናእዳ ዚዀኖም ተኽሊ ኸተንስኣሎም እየ፣ ድሕርዚ ኸኣ ኣብታ ሃገር ብጥሜት ኣይኪጠፍኡን፣ ድሕሪ ደጊም ድማ ጸርፊ ህዝብታት ኣይኪጾሩን እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾምሲ ምሳታቶም ከም ዝዀንኩ፡ እቶም ቤት እስራኤልውን ህዝበይ ከም ዝኾኑ ኺፈልጡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኣቱም ኣብጊዔይ፣ ኣብጊዕ መውፈረይ፣ ንስኻትኩም ሰብ ኢኹም፣ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
Translation | Contextሳልሳይ ድማ፥ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎ። ጴጥሮስ፡ ሳልሳይ ጊዜ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ ስለ ዝበሎ፡ ጕህዩ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ አሎኻ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ኣባጊዔይ ኣብልዕ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ። በርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።
Translation | Contextመከራ ጸገበ፡ ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፡ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን።
Translation | Contextሽዑ የሱስ፡ ንጓሳ እወቕዖ፡ እተን ኣባጊዕ መጓሰ ድማ ፋሕ ይብላ፡ ተጽሒፉ አሎ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዅላትኩም ብኣይ ክትዕቀፉ ኢኹም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኣትን ኣባጊዔይ፣ እንሆ፣ ኣነ ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን፣ ኣብ መንጎ ደዓውልን ደባሉን ክፈርድ እየ። ነቲ ካብ መውዓሊኹም ዝተረፈ በእጋርኩም እትረግጽዎስ፣ ኣብቲ ልሙዕ ሸኻ ምውዓልዶ ውሒድኩም እዩ፧ ነቲ ዝተረፈ ማይ በእጋርኩም እትዘርግዎስ፡ እቲ ጽሩይ ማይ ምስታይዶ ውሒድኩም እዩ፧ እሞ እተን ኣባጊዔይሲ እቲ ብእጋርኩም እተረግጸዶ ኺበልዓ፣ እቲ ኣእጋርኩም ዝዘረጎስ ኪሰትያ እየን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እኔኹ፣ ኣነ ባዕለይ ኣብ መንጎ እተን ስቡሓት ኣባጊዕን እተን ዓባሩ ኣብጊዕን ክፈርድ እየ። ንዅለን እተን ዝሐመቓ ዘበላ ኽሳዕ ሰጕጕኩም ፋሕ እተብልወን፣ ብጐድንን ብመንኩብን ስለ ዝጐነጽኩምወን፣ በቕርንትኹም ድማ ስለ ዝወጋእኩምወን፣ ስለዚ ኣነ ነባጊዔይ፣ ድሕርዚ ንዘመተ ኸይውፈያ፣ ከድሕነን ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን ከኣ ክፈርድ እየ።
Translation | Context