Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

sibling love


1ይ ዮሃንስ 4:20 | 25 Helpful votes

ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:32 | 21 Helpful votes

ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።

Translation | Context
ምሳሌ 17:17 | 12 Helpful votes

ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅርሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:2-3 | 5 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢናእንታይ ከም እንኸውን ከኣገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞንእኡ ኸም እንመስልንፈልጥ አሎና። እዛ ተስፋ እዚኣ ኣብኡ ዘላቶ ዘበለ ዅሉከምታ ንሱ ንጹህ ዝዀነንርእሱ የንጽህ አሎ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:14 | 5 Helpful votes

ንሕናነሕዋት ነፍቅሮም ስለ ዝዀንና፡ ካብ ሞትሲ ናብ ህይወት ከም እተሳገርናንፈልጥ አሎና። እቲ ዘየፍቅር ግና ኣብ ሞት ይነብር

Translation | Context
ሮሜ 12:12 | 4 Helpful votes

ብተስፋ ተሐጐሱብጸበባ ተዓገሱጸሎት ኣዘውትሩ

Translation | Context
ዘጸአት 14:14 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኪዋጋልኩም እዩ እሞ፡ ህድኡ፡ በሎም።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:15 | 3 Helpful votes

ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋፍቕሪ ኣቦ የብሉን

Translation | Context
ኢሳይያስ 14:1-32 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንያእቆብ ኪምሕሮ እዩ እሞ፡ ከም ብሓድሽ ንእስራኤል ኪሐርዮም፡ ኣብ ሃገሮም ድማ ኬቚሞም እዩ። ማእከላይ ዓሌት ኪጽምበርዎም፡ ኣብ ቤት ያእቆብውን ኪለግቡ እዮም። እቶም ህዝብታት ሒዞም ናብ ቦታኦም ኪወስድዎም እዮም፡ ቤት እስራኤል ድማ ግዙኣትን ኣግራድን ገይሮም ኣብቲ ምድሪ እግዚኣብሄር ገንዘቦም ኪገብርዎም እዮም። ነቶም ማረኽቶም ኪማርኹ፡ ነቶም ገፋዕቶም ድማ ኪገዝኡ እዮም። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እግዚኣብሄር ካብ ጻዕርኻን ካብ መከራኻን ካብቲ ኣብኡ ኣእትዮምኻ ዝነበሩ ጽኑዕ ባርነትን ምስ ዜዕርፈካ መዓልቲ፡ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ባቢሎን ከምዚ ኢልካ ኽትምስል ኢኻ፡ ከመይ ኢሉ እቲ ጨቋኒ ተወዲኡ፧ ኤረ እቲ ግፍዒኸ ኸመይ ኢሉ ተወዲኡ፧ እግዚኣብሄር ንበትሪ ረሲኣን፡ ነቲ ዘንጊ ገዛእቲሰበሮ። ነቲ ንህዝብታት ብቚጥዓ ኸየቛረጸ ዝወቕዖም፡ ነቲ ብዂራን ዓጋቲ ብዜብሉ ምስጓጒን ነህዛብ ዝገዝኤ ዘንጊ ሰበሮ። ኲላ ምድሪ ዐሪፋ ሀዲኣ አላ፡ ሰብውን እልል ይብሉ አለው። ጽሕድታትን ኣእዋም ሊባኖስን እኳ፡ ንስኻ ኻብ እትወድቕ ጀሚሩ ኪቘርጸና ዝደየበ የልቦን፡ እናበሉ ብዛዕባኻ ይሕጐሱ ኣለው። እቲ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል ክትመጽእ ከሎኻ ኺቀባበለካ ኢሉ ብኣኻ የዕገርግር፡ ንድኔታትን ንዂሎም ስልጡናት ምድርን የበራብረልካ፡ ንዂሎም ነገስታት ኣህዛብ ካብ ዝፋውንቶም የተንስኦም። ኲላቶም ከኣ፡ ንስኻውንዶ ኸማና ሐሚቕካ፧ ንስኻኸ ንኣናዶ መሲልካኢሎም ኪመልሱልካ እዮም። ክብረትካን ቃና መሰንቆታትካን ናብ ሲኦል ወሪዱመንጸፍካ ሓሳኹመደረብታኻ ድማ ሓሳኹ እዮም። ኣየ፡ ኣታ ብሩህ ኮዀብ ወዲ ወጋሕታ፡ ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ፡ ንስኻ ነህዛብ ዘውደቕካስ፡ ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርቤኻ። ንስኻስ ብልብኻ፡ ናብ ሰማይ ክድይብንዝፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ ኣምላኽ ልዕል ከብሎ፡ ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ ኸረን ማሕበር ክቕመጥ እየ። ኣብ ልዕሊ ርእሲ ደበናታት ክድይብ፡ ነቲ ኣዝዩ ልዑል ክመስል እየ፡ በልካ። ኣይፋልካን፡ ናብ ሲኦል፡ ናብቲ መዓሙቚ ጒድጓድ ደኣ ኽትድርበ ኢኻ። ዚርእዩኻ ይጥምቱኻን የስተብህሉልካን እሞ፡ እቲ ንምድሪ ዜንቀጥቅጣን ንመንግስትታት ራዕራዕ ዜብለንን፡ እቲ ንዓለም ዘባደማን ንኸተማታታ ዘፍረሰን ንምሩኻቱ ኸኣ ናብ ቤቶም ኪምለሱ ዘይፈትሖም ሰብኣይዶ እዚ እዩ፧ ይብሉ ኣለው። ኲሎም፡ ነገስታት ኣህዛብብዘለዉ ዂሎም፡ ኣብ በቤቶም ብኽብሪ በጥ ኢሎም ኣለው፡ ንስኻ ግና በቶም ብሰይፊ እተወግኡን ናብ ናይ ጋህሲ ኣእማን ዝወረዱን ቅቱላት እተኸደንካ፡ ከም እተረግጸ ገምቢ፡ ከም ፍንፋን ጨንፈር ኴንካ፡ ርሑቕ ካብ መቓብርካ ተደርቤኻ። ንስኻ ንምድርኻ ኣጥፊእካያንህዝብኻ ቐቲልካዮ ኢኻ እሞ፡ ኣብ መቓብር ምሳታቶም ኣይክትጽምበርን ኢኻ። ዘርኢ ገበርቲ እከይ ንዘለኣለም ኣይኪስመን እዩ። ከይትንስኡ ንምድሪ ኸኣ ከይወርሱንዝባን ዓለም ድማ ብኸተማታት ከይመልእዋ፡ ብሰሪ ሓጢኣት ኣቦታቶም ንውሉድ ማሕረዲ ኣዳልው። ኣነ ኽትንስኦም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትስምን ትርፍን ወድን ወዲ ወድን ካብ ባቢሎን ከጽንት እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ማሕደር ቅንፍዝን ዓዘቕትን ክገብራብመዀስተር ጥፍኣት ድማ ክዂስትራ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ኢሉ መሐለ፡ ብሓቂ ኸምቲ ዝሐሰብክዎ ኪኸውን፡ ከምቲ ዝመደብክዎውን ኪቐውም እዩ። ንኣሶር ኣብ ሃገረይ ክሰባብሮ፡ ኣብ ኣኽራነይ ድማ ኽረግጾ እየ፡ ሽዑ፡ ኣርዑቱ ኻባታቶም ኪውሰድጾሩውን ካብ መንኲቦም ኪውሰድ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዂላ ምድሪ ዝመደብክዎ ምኽሪ እዚ እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣህዛብ እተዘርግሔት ኢድ እዚኣ እያ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት መዲብዎ እዩ እሞ፡ መን ከንቱ ይገብሮ፧ ኢዱ ተዘርጊሓ አላ፡ መንከ ይመልሳ፧ በታ ንጉስ ኣሃዝ ዝሞተላ ዓመት እዚ ጾር እዚ ዀነ፡ ካብ ሱር ተመንሲ ኸይሲ ኺወጽእ እዩ፡ ፍሬኡ ኸኣ ዚነፍር ርሱን ተመን ኪኸውን እዩ እሞ፡ ኣቲ ፍልስጥኤም ብዘሎኺ፡ እቲ ዝወቕዓኪ ሸቦጥ ስለ እተሰብረ ኣይትተሐጐሲበዂሪ እቶም ድኻታት ኪጓስዩሽጉራት ከኣ ሀዲኦም ኪሰፍሩ እዮም። ንሱርኪ ግና ብጥሜት ክቐትሎ እየ፡ ትርፍኺ ድማ ኪሕረድ እዩ። ትኪ ኻብ ሰሜን ይመጽእ፡ ካብ ሰራዊቱ ኸኣ ንበይኑ ዚተርፍ የልቦን እሞ፡ ኣታ ደገዋይዋይ በል፡ ኣቲ ኸተማኣእውዪ፡ ብዘሎኺ ፍልስጥኤም ከኣ፡ ምኸኺንልኡኻት ህዝብኻ እንታይ ኢሎም ኪመልሱሎም እዮም፧ እግዚኣብሄር ንጽዮን ከም ዝሰረታ፡ እቶም ሽጉራት ህዝቡ ኸኣ ኣብኣ ጸግዒ ኸም ዚረኸቡ።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:37 | 2 Helpful votes

እቲ ኻባይ ንቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩካባይሲ ንወዱ ወይስ ንጓሉ ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ

Translation | Context
ማቴዎስ 5:22 | 2 Helpful votes

ኣነ ግናንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ።

Translation | Context
እብራውያን 13:2 | 2 Helpful votes

ገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም አለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ

Translation | Context
ሉቃስ 14:26 | 2 Helpful votes

ናባይ ዚመጽእ እንተሎ እሞ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱንህይወቱውን ከይተረፈት፡ እንተ ዘይጸልኤወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 13:1-8 | 2 Helpful votes

ፍቕሪ ሕውነት ትጽናዕገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም አለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩምውን ኣብቲ ስጋ ኸም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎምነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን። ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡስለዚ ተቢዕናእግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል። ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕቲኹም ዘክርዎምመወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዓቡየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:24 | 2 Helpful votes

ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎኪድቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ

Translation | Context
ምሳሌ 12:1 | 2 Helpful votes

ተግሳጽ ዚፈቱ ፍልጠት ይፈቱመቕጻዕቲ ዚጸልእ ግና ዓሻ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:4 | 2 Helpful votes

ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩምጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩምከምኡ ኢኹም

Translation | Context