Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

21 bible verses about

simon peter


ዮሃንስ 21:7 | 5 Helpful votes

እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ከኣ ንጴጥሮስ ጐይታና እምበር እዩበሎስምኦን ጴጥሮስ ድማ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዔጥራዩ ነበረ እሞ፡ ክዳኑ ተዐጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ

Translation | Context
ማቴዎስ 16:16 | 4 Helpful votes

ስምኦን ጴጥሮስ፡ ንሳኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ

Translation | Context
ማቴዎስ 16:18 | 4 Helpful votes

ኣነ ኸኣ እብለካ አሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን።

Translation | Context
ዮሃንስ 21:15-17 | 4 Helpful votes

ምስ ተመስሑ ኸኣ፡ የሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ፥ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ካብ እዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካንስኻ ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ። ንሱ፥ ዕያውተይ ኣብልዕ፡ በሎ። ከም ብሓድሽ ከኣ ካልኣይ ጊዜስምኦን ወዲ ዮናተፍቅረኒዶ ኢኻበሎ። ንሱ፥ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካንስኻ ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ። ንሱ፥ ኣባጊዔይ ሐሉ፡ በሎ። ሳልሳይ ድማ፥ ስምኦን ወዲ ዮናተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎጴጥሮስሳልሳይ ጊዜ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ ስለ ዝበሎጕህዩጐይታይንስኻ ዅሉ ትፈልጥ አሎኻ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎየሱስ ከኣ፥ ኣባጊዔይ ኣብልዕ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:38 | 4 Helpful votes

ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:15 | 4 Helpful votes

ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።

Translation | Context
ሉቃስ 22:31-34 | 3 Helpful votes

ስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነየ። ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም። ንሱ ግና፥ ጐይታይ፡ ኣነስ ንማእሰርቲ ዀነ ወይ ንሞት ምሳኻ ንምኻድ ተዳልየ አሎኹ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ጴጥሮስ፡ ከም ዘይትፈልጠኒ ኢልካ ሰለሰተ ሳዕ ክሳዕ እትኽሕደኒሎሚ ደርሆ ኸም ዘይንቁእብለካ አሎኹ፡ በሎ

Translation | Context
ዮሃንስ 18:10 | 3 Helpful votes

ሽዑ እቲ ሰይፊ ዝነበሮ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ሰይፉ መሊሑንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾስም እቲ ባርያውን ማልኮስ እዩ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 1:1-25 | 3 Helpful votes

ጴጥሮስ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ጶንጦስን ኣብ ገላትያን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ እስያን ኣብ ቢቲንያን ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ሕሩያትከምቲ ናይ ቀደም ፍልጠት እግዚኣብሄር ኣቦና ብቕድስና መንፈስ ንምእዛዝን ብደም የሱስ ክርስቶስን ንምንጻግን ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛሕ። እቲ ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒብልኩም ዘሎ ርስቲ፡ ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ካብ ምውታት ብዝሒ ምሕረት ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይባረኽ፡ ንስኻትኩም ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ ዘመን ኪገሀድ ዘለዎ እተዳለወ ምድሓን ተሐሊኹም አሎኹም። እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዅላዕ ንሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ፡ እንተ ኣድለየስሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጕሄኹምብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም። ነዚ ኸይርኤኩምዎ እተፍቅርዎሕጂውን ከይርኤኹምዎ ብእኡ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ነቲ መደምደምታ እምነትኩምንሱ ድማ ምድሓን ነፍሳትኩም፡ ምስ ረኸብኩምዎብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ትሕጐሱ ኢኹም። እቶም ብዛዕባ እቲ ንኣኻትኩም እተመደበ ጸጋ እተነበዩ ነብያት ብዛዕባ እዚ ምድሓን እዚ ደለዩን መርመሩን፡ እቲ ኣባታቶም ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ ብስቓይ ክርስቶስ በቲ ድሕሪኡ ዘሎ ኽብርን ቀዲሙ ኸም ዝመስከረነየናይ ወይስ ንኸመይ ዝበለ ዘመን ከም ዘመልከተ እናመርመሩ፡ ንኣኻትኩም እምበርንርእሶም ከም ዘየገልገሉ ተገልጸሎም። እዚውን በቶም፡ በቲ ኻብ ሰማይ እተላእከ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም፡ ወንጌል ዝሰበኹልኩም ሕጂ ተነግርልኩምመላእኽቲ ናብኡ ኺጥምቱ ይብህጉ እዮም። ስለዚ ሓቛቝ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩምነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ። ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ከሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡ ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ። ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ኣድልዎ ከከም ግብሩ ዚፈርድ፡ ንስኻትኩም ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ። ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩምከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸልብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገርብብሩር ወይስ ወርቂከም ዘይደሐንኩምትፈልጡ ኢኹምንሱ ቕድሚ ምስራት ዓለም ተመደበኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኹም ተጋህደ። ንስኻትኩም፡ እምነትኩምን ተስፋኹምን ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኪኸውን፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኽብሪውን ዝሀቦ ኣምላኽ ኣሚንኩም አሎኹም። ብህያውን ንዘለኣለም ብዚነብር ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበርካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩምንሓቂ እናተኣዘዝኩምዋግብዝና ንዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩኵሉ ስጋ ኸም ሳዕሪ፡ ኵሉ ኽብሩውን ከም ዕምባባ ሳዕሪ እዩ። እቲ ሳዕሪ ይነቅጽእቲ ዕምባባውን ይረግፍቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር። እቲ እተነግረልኩም ቃል ብስራት እዚ እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 24:34 | 3 Helpful votes

ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡንስምኦን እኳ ተራእይዎበሉ

Translation | Context
ሉቃስ 24:12 | 2 Helpful votes

ጴጥሮስ ግና ተንሲኡ ናብቲ መቓብር ጐየየድንን እንተ በለ ኸኣ፡ እቲ መግነዝ ጥራይ ተነቢሩ ረአየ። በቲ ዝዀነ ብልቡ እናተገረመውን ናብ ቤቱ ተመልሰ

Translation | Context
ገላትያ 1:18 | 2 Helpful votes

ካብኡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ንኬፋ ኽላለዮ ናብ የሩሳሌም ደየብኩ እሞ ምስኡ ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ቐኔኹ

Translation | Context
ዮሃንስ 1:42 | 2 Helpful votes

ናብ የሱስውን ኣምጽኦየሱስ ከኣ ጠሚትዎንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ - ጴጥሮስ ዝትርጉሙክትብሃል ኢኻበሎ

Translation | Context
ማቴዎስ 16:1-28 | 2 Helpful votes

ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪፍትንዎ መጺኦም፡ ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኼርእዮም ለመንዎ። ንሱ ግና መሊሱ በሎም፡ ምስ መሰየ ሰማይ ይቐይሕ አሎ እሞ፡ ጻሕያ ኪኸውን እዩትብሉምስ ውግሔ፡ እቲ እተደበነወ ሰማይ ይቕይሕ አሎ እሞ፡ ሎሚ ዝናብ ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ። ገጽ ሰማይ ምፍላጥ ትፈልጡ ትእምርቲ ዘመናትከ ኽትፈልዩዶ ኣይኰነልኩምን፧ ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ፡ ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይወሀቦን። ሐዲግዋም ከኣ ኸደደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ መጹምምላእ እንጌራ ኸኣ ረስዑየሱስ ድማ፡ ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑን ተኣርነቡንበሎም። ንሳቶም ግና፡ እንጌራ ስለ ዘይተማላእና እዩ፡ ኢሎም ብልቦም ሐሰቡየሱስ ፈሊጡ በሎም፡ ኣቱም ጕዱላት እምነትስለምንታይ እንጌራ ብዘይ ምምላእኩም ብልቡኹም ትሐስቡ፧ እቲ ሓሙሽተ እንጌራ ንሓሙሽተ ሽሕ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዕልኩምዶ ገና ኣይተስተውዕሉን ኣይትዝክርዎንውን፧ ወይስ እቲ ሾብዓተ እንጌራ ነርባዕተ ሽሕ ድማ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዐልኩም፧ እቲ ኻብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ክትእርነቡ ዝበልኩኹም ብናይ እንጌራ ኸም ዘይኰንኩ፡ ከመይ ዘይተስተውዕሉ፧ ንሳቶም ከኣ ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪእርነቡ እምበር፡ ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪእርነቡ ኸም ዘይብሎም፡ ሽዑ ኣስተውዐሉየሱስ ናብ ምድሪ ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ምስ መጸንደቀ መዛሙርቱ፡ ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕካልኦት ድማ ኤልያስገሊኦምውን ኤርምያስ ወይስ ሓደ ኻብ ነብያት ዚብሉ አለዉ፡ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም፧ በሎምስምኦን ጴጥሮስ፡ ንሳኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉየሱስ ከኣ መሊሱ በሎስምኦን ወዲ ዮና፡ እዚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ እምበር፡ ስጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ፡ ብጹእ ኢኻ። ኣነ ኸኣ እብለካ አሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን። መርሖታት መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ። ድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንሓደ እኳ ከይነግሩ ኣዘዞም። ካብ ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ የሩሳሌም ኪድይብብዓበይቲ ብሊቃውንቲ ኽህናትን ብጻሕፍትን ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ክቕተልብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦኪገልጸሎም ጀመረጴጥሮስ ከኣ ንበይኑ ገይሩ፡ ይባልህካ እባ ደኣ፡ ጐይታይ፡ እዝስ ኣይብጻሕካ፡ ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ። የሱስ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ፡ ካባይ ርሐቕሰይጣንናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሐስብን ኢኻ እሞ፡ ንኣይ ምዓንቀፊ ኢኻ፡ በሎ። ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎምንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ እሞ፡ ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹመስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ። ንሰብከ ዅላ ዓለም ረቢሑስነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ትጠቕሞ፧ ወይስ ሰብ በጃነፍሱ እንታይ ኪህብ እዩ፧ ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺህቦ እዩ። ካብ እዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ፡ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኺመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎንሞት ከቶ ዘይጥዕምዋ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ሉቃስ 6:13-14 | 2 Helpful votes

ምድሪ ምስ ወግሔንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ጸውዖም፡ ካባታቶም ሃዋርያት ኢሉ ዝሰመዮም ዓሰርተው ክልተ ሐረየስምኦንጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮእንድርያስ ድማ ሓዉን ያእቆብን ዮሃንስን ፊልጶስን በርተሎሜዎስን

Translation | Context
ማቴዎስ 4:19 | 2 Helpful votes

የሱስውን፡ ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዐቡኒበሎም

Translation | Context
ማቴዎስ 14:28 | 2 Helpful votes

ጴጥሮስ መሊሱጐይታይ፡ ንስኻ እንተ ዄንካስብማየ ማይ ናባኻ ኸመጽእ አዝዘኒበሎ

Translation | Context
ዮሃንስ 20:1-31 | 2 Helpful votes

በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ግና ማርያም መግደላዊትገና ጸልማት ከሎኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸትነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረአየቶስለዚ ንሳ ጐይያናብ ስምኦን ጴጥሮስን ናብቲ የሱስ ዜፍቅሮ ኻልእ ወደ መዝሙርን መጺኣንጐይታና ካብ መቓብር ወሲዶምዎኣበይ ከም ዘንበርዎ ኣይንፈልጥን በለቶምጴጥሮስን እቲ ሓደ ወደ መዝሙርን ከኣ ወጹናብቲ መቓብርውን ከዱክልቲኣቶም ብሓንሳእ ጐየዩ እሞ እቲ ሓደ ወደ መዝሙር ንጴጥሮስ ቀደሞ፡ ኣብቲ መቓብርውን ቅድም በጽሔ። ደኒኑ እንተ ጠመተ ኸኣ፡ ኣብኡ መጋንዝ ረአየ፡ ግናኸ ኣይኣተወንሽዑ ስምኦን ጴጥሮስ ደድሕሪኡ መጺኡናብቲ መቓብር ኣተወ ነቲ መጋንዝውን ተነቢሩ ረኣዮእቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ መኣረምያ ኸኣ ንበይኑ ተጠቕሊሉ ነበረ እምበር፡ ምስቲ መጋንዝ ኣይነበረንሽዑ እቲ ቕድም ናብ መቓብር ዝመጸ ኻልእ ወደ መዝሙር ድማ ኣተወነቲ ኻብ ምዉታት ኪትንስእ ይግብኦ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ ግና ኣየስተውዐልዎን ነበሩ እሞ፡ ርእዩ ኣመነሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ቤቶም ተመልሱማርያም ግና ኣብቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከኣ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላኣብቲ ስጋ የሱስ ዝነበሮጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ መልኣኽሓደ ብትርኣስ ሓደ ብትርጋጽረአየትንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ሰበይቲእንታይ የብክየኪ አሎ፧ በልዋ። ንሳ፡ ንጐይታይ ወሲዶምዎኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥንበለቶምእዚ ኢላ ንድሕሪኣ ግልጽ በለት እሞ ንየሱስ ደው ኢሉ ረአየቶየሱስ ምዃኑ ግና ኣይፈለጠትንየሱስ ከኣ፥ ኣቲ ሰበይቲእንታይ የብኪየኪ አሎንመንሲ ትደልዪ አሎኺበላንሳ ኸኣ ሓላዉ ኣታኽልቲ መሲልዋጐይታይ፡ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒበለቶየሱስ ከኣ፥ ማርያምበላንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ ብእስራይስጢ፥ ረቡኒትርጕሙ መምህረይ ማለት እዩ። የሱስ ከኣ፡ ገና ናብ ኣቦይ ኣይደየብኩን እሞ፡ ኣይትተንክይኒግናኸ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ አሎኹ፡ በልዮምበላማርያም መግደላዊትንጐይታ ኸም ዝረአየቶን እዚውን ከም ዝበላንከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ነገረቶምበታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ምድሪ ምስ መሰየ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ነቶም ኣይሁድ ስለ ዝፈርሁዎምመዓጹ ተሸጕሩ ነበረ እሞ፡ የሱስ ኣብታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉሰላም ንኣኻትኩም ይኩንበሎምእዚ ምስ በሎም ከኣ፡ ኣእዳዉን ጐድኑን ኣርኣዮም። እቶም ደቀ መዛሙርቲውን ንጐይታ ምስ ረአይዎተሐጐሱሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽሰላም ንኣካትኩም ይኹንከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለአኸኒኣነውን ከምኡ እልእከኩም አሎኹ፡ በሎምእዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉሓጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎምንዝሐዝኩምሎም ከኣ ይተሐዘሎም እዩ፡ በሎም። እቲ ዲዲሞስ ዚብሀል ቶማስሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተስ ግና፡ የሱስ ኪመጽእ ከሎምሳታቶም ኣይነበረንእቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ንጐይታ ርኢናዮበልዎ። ንሱ ግና፡ ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርኤኹ፡ ኣጻብዔይ ድማ ኣብቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእቶኹኣብ ጐድኑውን ኢደይ እንተ ዘየእቶኹስ፡ ኣይኣምንን እየ፡ በሎምድሕሪ ሾሞንተ መዓልቲ ኸኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ኣብ ውሽጢ ነበሩቶማስውን ምሳታቶም ነበረ። መዓጹ ተሸጕሩ ኸሎየሱስ መጸኣብ ማእከሎም ደው ኢሉውን፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹንበሎምደሓር ከኣ ንቶማስኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይውን ርኤኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐድነይ ኣእትዋኣማኒ እምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን፡ በሎቶማስ መሊሱ ከኣጐይታይን ኣምላኸይንበሎየሱስ ከኣ፡ ሳላ ዝርኤኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚአምኑ ብጹኣን እዮም፡ በሎየሱስ ድማ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ዘይተጻሕፈ ኻልእ ብዙሕ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ። ግናኸ የሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑኣሚንኩምውን ብስሙ ህይወት ኽትረኽቡ እዩ እዚ እተጻሕፈ

Translation | Context
ሉቃስ 2:52 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ

Translation | Context
ማቴዎስ 16:21-23 | 2 Helpful votes

ካብ ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ የሩሳሌም ኪድይብብዓበይቲ ብሊቃውንቲ ኽህናትን ብጻሕፍትን ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ክቕተልብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦኪገልጸሎም ጀመረጴጥሮስ ከኣ ንበይኑ ገይሩ፡ ይባልህካ እባ ደኣ፡ ጐይታይ፡ እዝስ ኣይብጻሕካ፡ ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ። የሱስ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ፡ ካባይ ርሐቕሰይጣንናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሐስብን ኢኻ እሞ፡ ንኣይ ምዓንቀፊ ኢኻ፡ በሎ

Translation | Context