Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ኵልኺ ምድሪ፣ ንእግዚኣብሄር እልል በልሉ። ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ተገዝእዎ፣ ኣብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ።
Translation | Contextንዑ፣ ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ንዘምር፣ ንኸውሒ ምድሓንና እልል ንበለሉ፣ ብምስጋና ኣብ ቅድሚኡ ንብጻሕ፣ ብመዝሙር እልል ንበለሉ፣
Translation | Contextብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም።
Translation | Contextሃሌሉያ። ንኣምላኽና ብመዝሙር ምውዳስ ሰናይ እዩ፣ ጥዑም እዩ እሞ፣ ምስጋና ይግባእ።
Translation | Contextዝርገት አለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።
Translation | Contextሃሌሉያ። ንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ አመስግንዎ፣ ኣብ ጠፈር ስልጣኑ አመስግንዎ፣ ስለቲ ግብርታት ሓይሉ አመስግንዎ። ከም ብዝሒ ዕቤቱ አመስግንዎ። ብድምጺ መለኸት አመስግንዎ፣ ብበገናን መሰንቆን አመስግንዎ፣ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎ፣ ብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ። ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል አመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ። ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ። ሃሌሉያ።
Translation | Contextኣብ ማእከልኩምዶ ሓሳረ መከራ ዚጸግብ አሎ፧ ይጸሊ። ሕጉስዶ አሎ፧ ይዘምር።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩለይ እዩ እሞ፣ ምስጋናኡ ኽዝምር እየ።
Translation | Contextንዑ፣ ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ንዘምር፣ ንኸውሒ ምድሓንና እልል ንበለሉ፣
Translation | Contextብህይወተይ ከሎኹ፣ ንእግዚኣብሄር እዝምር፣ ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ኤመስግን።
Translation | Contextእንታይ ደኣ እዩ፧ ብመንፈስ ክጽሊ፡ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ፡ ብመንፈስ ክዝምር፡ ግናኸ በእምሮይውን ክዝምር ኣየ።
Translation | Contextበታ መዓልቲ እቲኣ ንየሩሳሌ፣ ዎ ጽዮን ኣይትፍርሂ፣ ኣእዳውኪ ኣይተሐለላ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ ዚድሕን ጅግና እዩ፣ ብኣኺ ሓጐስ ኪሕጐስ እዩ፣ ብፍቕሩ ኺሀድእ፣ ብኣኺ እልል እናበለ ኺሕጐስ እዩ፣ ኪብልዋ እዮም።
Translation | Contextዘምሩሉ፣ ኣመስግንዎ፣ ብዛዕባ ዅሉ ተኣምራቱ ተዛረቡ።
Translation | Contextፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ። እቶም እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ።
Translation | Contextግሩም ነገር ገይሩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡ እዚ ኣብ ኲላ ምድሩ ይፈለጥ።
Translation | Contextሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ፣ ብእልልታ ኣጸቢቕኩም ቃንዩሉ።
Translation | Contextዎ ኣምላኽ፣ ሓድሽ መዝሙር እዝምረልካ፣ ዓሰርተ ብዘውታሩ በገና እውድሰካ አሎኹ።
Translation | Contextአፈይ ብምስጋናኻ፣ ኵሉ መዓልቲ ብኽብርኻ ምልአዮ።
Translation | Context