Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
እግዚኣብሄር ተኣምራት ገይሩ፣ የማነይቱን እቲ ቅዱስ ቅልጽሙን ስዒሮም እዮም እሞ፣ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ።
Translation | Contextሓድሽ መዝሙር ምስጋና ንኣምላኽና ኣብ ኣፈይ ኣንበረ። ብዙሓት እዚ ርእዮም ኪፈርሁ፣ ናብ እግዚኣብሄርውን ኪውከሉ እዮም።
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፣ ኵልኺ ምድሪ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሪ። ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፣ ንስሙ ባርኹ፣ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ አበስሩ። ክብሩ ኣብ ማእከል አህዛብ፣ ተአምራቱ ኣብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት አዘንትዉ። እግዚኣብሄር ዓብዪ፣ ምስጋናኡ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ እሞ፣ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዜፍርህ እዩ። ኵሎም ኣማልኽቲ አህዛብ ከንቱ እዮም፣ እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ። ግርማን ክብረትን ኣብ ቅድሚኡ፣ ሓይልን ጽባቐን ኣብ መቕደሱ እዩ። አቱም ዓሌታት አህዛብ፣ ንእግዚኣብሄር ሀቡ፣ ክብርን ሓይልን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ። ንእግዚኣብሄር ክብሪ ስሙ ሀቡ፣ መስዋእቲ ሒዝኩም ናብ አጸዱ እተዉ። ንእግዚኣብሄር ብቕዱስ ክብረት ስገዱ፣ ኵልኺ ምድሪ፣ ኣብ ቅድሚኡ አንቀጥቅጢ። አብ ማእከል አህዛብ፣ እግዚኣብሄር ነጊሱ፣ ዓለምውን ከይትናቓነቕ ጸኒዓ አላ፣ ነህዛብ ብቕንዕና ኺፈርዶም እዩ፣ ኢልኩም ንገሩ። ሰማያት ይተሐጐሱ፣ ምድሪውን ባህ ይበላ፣ ባሕርን ምልአቱን ይናወጽ። ይመጽእ፣ ንምድሪ ኺፈርድ ይመጽእ፣ ንዓለም ብጽድቂ፣ ነህዛብ ብሓቂ ኺፈርድ እዩ እሞ፣ መሮርን አብኡ ዘሎ ዅሉን ባህ ይበሎም፣ ሽዑ ዅላቶም ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እልል ኪብሉ እዮም።
Translation | Contextንሳቶም ከኣ፡ ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ፡ ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም እሞ፡ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ፡ ነቲ መሓትሙውን ክትፈሖ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ።
Translation | Contextኣቱም ጻድቃን፣ ብእግዚኣብሄር እልል በሉ፣ ንቕኑዓትሲ ምስጋና ይግብኦም እዩ። ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ ኣመስግንዎ፣ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ዘምሩሉ። ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ፣ ብእልልታ ኣጸቢቕኩም ቃንዩሉ። ቃል እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ እሞ፣ ተግባሩ ዅሉውን እሙን እዩ። ጽድቅን ፍርድን ይፈቱ፣ ምድሪ ብሳህሊ እግዚኣብሄር መሊኣ እያ። ሰማያት ብቓል እግዚኣብሄር፣ ብዘሎ ሰራዊቶምውን ብስትንፋስ ኣፉ ተገብሩ። ንማያት ባሕሪ ኸም ኵልስስቲ ይዅምሮ፣ ንመዓሙቚ ኣብ መዛግብቲ ይእክቦ። ንሱ በለ፣ ኰነ ድማ፣ ንሱ ኣዘዘ፣ ቈመ ኸኣ እሞ፣ ምድሪ ብመልኣ ንእግዚኣብሄር ትፍርሃዮ፣ ኣብ ዓለም ዚነብሩ ዅሎም ብእኡ ይሸበሩ። እግዚኣብሄር ንምኽሪ ኣህዛብ ከንቱ ይገብሮ፣ ንሓሳባት ህዝብታት የጥፍኦ። ምኽሪ እግዚኣብሄር ንዘለአለም እዩ፣ ሓሳባት ልቡውን ካብ ወለዶ ንወለዶ ይቐውም። እግዚኣብሄር ዝአምላኹ ህዝቢ፣ እቲ ንርስቱ ዝሐረዮ ህዝቢ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ሰማያት የማዕዱ፣ ንዅሎም ደቂ ሰብ ይጥምቶም፣ እቲ ልቢ ዅላቶም ዚሰርሕ፣ ተግባር ኵላቶም ከኣ ዜስተብህልሲ፣ ንሱ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም ካብ ቦታ ማሕደሩ ይምልከቶም እዩ። ንጉስ ብምብዛሕ ሰራዊቱ ኣይድሕንን፣ ጅግና ብዓብዪ ሓይሉ ኣይናገፍን። ፈረስ ንምድሓን ከንቱ እዩ፣ ብዓብዪ ሓይሉ ኣየናግፍን። እንሆ፣ ንነፍሶም ካብ ሞት ከተናግፋ፣ ብዘመን ጥሜትውን ብህይወት ከተንብሮም፣ ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብቶም ዚፈርህዎ፣ ናብቶም ብምሕረቱ ተስፋ ዚገብሩ እያ። ነፍስና ንእግዚኣብሄር ትጽበዮ፣ ሓገዝናን ዋልታናን ንሱ እዩ። ኣብ ቅዱስ ስሙ ኣዕቊብና ኢና እሞ፣ ልብና ብእኡ ይሕጐስ አሎ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ከምቲ ብኣኻ ተስፋ ዝገበርናዮ፣ ጸጋኻ ኣብ ልዕሌና ይኹን።
Translation | Contextኣቱም ኣብ ባሕሪ እትወርዱን ኣብኡ ዘሎ ዘበለ ዂሉን፡ ኣትን ደሴታትን ኣብኤን እትነብሩን፡ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙርን ምስጋናኡን ካብ ወሰን ምድሪ ዘምሩ።
Translation | Contextዎ ኣምላኽ፣ ሓድሽ መዝሙር እዝምረልካ፣ ዓሰርተ ብዘውታሩ በገና እውድሰካ አሎኹ።
Translation | Contextሽዑ ሙሴን ደቂ እስራኤልን እዚ መዝሙር እዚ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሎም ዘመሩሉ፡ ንሱ ኣዝዩ ክብ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር እዝምር አሎኹ። ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም። እግዚኣብሄር ሓይለይን መዝሙረይን እዩ፡ ምድሓን ከኣ ኰነኒ። እዚ ኣምላኸይ እዩ እሞ፡ ከክብሮ እየ። ኣምላኽ ኣቦይ እዩ፡ ክብ ከብሎ እየ። እግዚኣብሄር ተዋጋኢ እዩ፡ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ። ንሰረገላታት ፈርኦንን ሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርበዮም፡ እቶም ሕሩያት ሓለቓታቱ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ጠሐሉ። መዓሙቕ ከደኖም፡ ከም እምኒ ናብ ታሕቲ ወረዱ። ጐይታይ፡ የማነይትኻ ብሓይላ ኸበረት፡ ጐይታይ፡ የማነይትኻ ንጸላኢ ቐጥቀጠቶ። ብዕቤት ግርማኻ ንዝተንስኡካ ጨፍለቕካዮም፡ ቍጥዓኻ ስደድካ፡ ከም ሓሰር በልዓቶም። ብትንፋስ ኣፍንጫኻ ማያት ተዀመሩ። ወሓዝቲ ከኣ ከም ኵምራ ደው በሉ፡ ማያት መዓሙቕ ድማ ኣብ ማእከል ባሕሪ ረግኡ። እቲ ጻላኢ ኸኣ፤ ገስጊሰ ኸርክቦም እየ፡ ምርኮ ኽመቅል እየ። ነፍሰይ ከኣ ብእኦም ትጸግብ፡ ሴፈይ እመልሕ፡ ኢደይ ድማ ተጥፍኦም፡ በለ። ብንፋስካ ኣንፈስካ፡ ባሕሪ ድማ ኣጐልበቦም። ከም ዓረር ኣብ ብርቱዕ ማያት ጠሐሉ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧ ብምስጋና እተፈራህካ፡ ገባር ተኣምራት፡ ብቕድስናኸ ኸማኻ ዝኸበረ መን እዩ፧ የማነይትኻ ዘርጋሕካ፡ ምድሪ ወሐጠቶም። ነቲ እተበጆኻዮ ህዝቢ ብምሕረትካ መራሕካ። ብሓይልኻ ናብ ቅዱስ ማሕደርካ መራሕካዮም። ህዝብታት ሰሚዖም ተምበድበዱ፡ ኣብ ፍልስጥኤም ዚነብሩ ጭንቀት ሐዞም። ሽዑ ሓላቑ ኤዶም ተሸበሩ፡ ነቶም ሓያላት ሞኣብ ራዕዲ ሐዞም። ኣብ ከነኣን ዚነብሩ ዅሎም መኸኹ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ህዝብኻ ኽሳዕ ዚሐልፍ፡ እቲ ዘጥሬኻዮ ህዝቢ ኽሳዕ ዝሐልፍ፡ ስምባድን ፍርሃትን ወደቖም፡ ብሓይሊ ቕልጽምካ ኸኣ ከም እምኒ ትም ይብሉ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ናብታ ንማሕደርካ ዝገበርካያ ቦታ፡ ጐይታይ፡ ናብቲ ኣእዳውካ ዘዳለዋኦ መቕደስ፡ ኣብ ከረን ርስትኻ ተእትዎምን ትተክሎምን። እግዚኣብሄር ንወትርግ፡ ንዘለኣለም ይነግስ። ኣፍራስ ፈርኦን ምስ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ናብ ባሕሪ ኣተወ፡ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማያት ባሕሪ ናብ ልዕሊኦም መለሶ፡ ደቂ እስራኤል ግና ብማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ሐለፉ። ነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፡ ኵለን ኣንስቲ ድማ ብከበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ወጻ። ሚርያም ከኣ መለሰትሎም፤ ንሱ ኣዝዩ ክብ ዝበለ እዩ፡ ንፈረስን ንፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ። ሙሴ ድማ ንእስራኤል ካብ ባሕሪ ኤርትራ ኣንቀሎም፡ ናብ በረኻ ሹር ወጹ። ሰለስተ መዓልቲ ኣብ በረኻ ከዱ፡ ማይ ከኣ ኣይረኸቡን። ናብ ማራ ድማ መጹ፡ ማይ ማራ መሪር ነበረ እሞ፡ ኪሰትይዎ ኣይከኣሉን። ብዛዕባዚ ስማ ማራ ተባህለት። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሙሴ፡ እንታይ ክንሰቲ ኢና፧ ኢሎም ኣጕረምረሙሉ። ንሱ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። እግዚኣብሄር ድማ ሓንቲ ኦም ኣርኣዮ፡ ናብቲ ማይ ደርበያ፡ እቲ ማይ ከኣ መቀረ። ኣብኡ ሕግን ስርዓትን ገበረሎም፡ ኣብኡ ኸኣ ፈተኖም። በለ ድማ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እቲ ኣብ ዓይኑ ቕኑዕ ዝዀነ ኸኣ እንተ ገበርካ፡ ንትእዛዛቱውን ጽን እንተ በልካ፡ ኵሉ ሕጋጋቱ ድማ እንተ ሐሎኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ፈዋሲኻ እየ እሞ፡ እቲ ናብ ግብጻውያን ዝሰደድክዎ ሕማም ኣይሰደልካን እየ። ናብ ኤሊም ድማ መጹ፡ ኣብኣ ዓሰርተው ክልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ። ኣብኡ ኸኣ ኣብ ጥቓ ማይ ሰፈሩ።
Translation | Contextንዑ፣ ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ንዘምር፣ ንኸውሒ ምድሓንና እልል ንበለሉ፣ ብምስጋና ኣብ ቅድሚኡ ንብጻሕ፣ ብመዝሙር እልል ንበለሉ፣ እግዚኣብሄር ዓብዪ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ድማ ዓብዪ ንጉስ እዩ እሞ፣ መዓሙቚ ምድሪ ኣብ ኢዱ፣ ምብራኽ አኽራን ከኣ ናቱ እዩ። ባሕሪ ናቱ እዩ፣ ንሱ ፈጠሮ፣ ንንቑጽ ምድሪውን ኣእዳዉ ገበራኦ። ንዑ፣ ፍግም ኢልና ንስገድ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፣ ፈጣሪና፣ ንንበርከኽ። ንሱ ኣምላኽና እዩ፣ ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሴኡ፣ ኢዱ እትኽብክበን ኣባጊዑ ኢና እሞ፣ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰምዕኩም፣ ከም ኣብ መሪባ፣ ከምቲ ብመዓልቲ ማሳ ኣብ በረኻ፣ ኣቦታትኩም ኪፍትኑኒ፣ ኪዕዘቡኒ ኸለዉ፣ ግብረይ ዝረአዩ ዄንኩም፣ ልብኹም ኣይተትርሩ። በቲ ወለዶ እቲ አርብዓ ዓመት ተመነወኒ፣ መገደይ ዘይፈለጡ፣ ብልቦም እተጋገዩ ህዝቢ እዮም፣ በልኩ። ስለዚ፣ ኣብ ዕረፍተይ ኣይኪአትዉን እዮም፣ ኢለ ብዅራይ መሐልኩ።
Translation | Contextበታ መዓልቲ እቲኣ ንየሩሳሌ፣ ዎ ጽዮን ኣይትፍርሂ፣ ኣእዳውኪ ኣይተሐለላ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ ዚድሕን ጅግና እዩ፣ ብኣኺ ሓጐስ ኪሕጐስ እዩ፣ ብፍቕሩ ኺሀድእ፣ ብኣኺ እልል እናበለ ኺሕጐስ እዩ፣ ኪብልዋ እዮም።
Translation | Contextደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ አላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን። ክርስቶስ ህይወትና ምስ ዚግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም። ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡ ብሰሪ እዚ ነገርዚ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድ እዩ። ንስኻትኩምውን፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኸሎኹም፡ ቀደም ብእኡ ትመላለሱ ኔርኩም። ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ድማ፥ ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ። ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ። ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፡ ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ባርባርን ስኪትን፡ ባርያን ጭዋን የልቦን። እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ። ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ፡ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ። ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፡ ነዚ ብሓደ ስጋ ተጸዊዕኩም ኢኹም እሞ መማስውቲ ኹኑ። ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም። ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ። ኣትን ኣንስቲ፡ ከምቲ ንጐይታ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ኣቱም ሰብኡት፡ ነንስትኹም ኣፍቅርወን እሞ ኣይትምረርወን። ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም። ኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዓርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም። ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ብስጋ ጐይተትኩም ዝዀኑ፡ ብገጽርኤ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኰነስ፡ ብግሩህ ልቢ ንእግዚኣብሄር እናፈራህኩም ተኣዘዝዎም። ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም። እቲ ዝዓመጸስ ኣብ ክንዲ እቲ ዝዓመጾ ኺፍደ እዩ፡ ኣድልዎ ገጽውን የብሉን።
Translation | Contextብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም።
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፣ ኵልኺ ምድሪ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሪ።
Translation | Context