Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all3 bible verses about
ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩ እሞ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ተበጃዊኺ እዩ፡ ንሱ ኣምላኽ ኲሉ ምድሪውን ይበሀል። ስለዚ ኣይክትሐፍርን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ፡ ኣይክትንውርን ኢኺ እሞ ኣይትሕነኺ፡ ኤረ ነውሪ ንእስነትኪ ኽትርስዒ፡ ጸርፊ ምብልውናኺ ድማ ድሕርዚ ኣይክትዝክርን ኢኺ። ከምታ መንፈሳ ዝጐሀየ ፍትሕቲ ሰበይቲ፡ ከምታ ሕድግቲ ንእሽቶ መርዓት፡ እግዚኣብሄር ጸውዓኪ፡ ይብል ኣምላኽኪ። ንሓጻር ጊዜ ሐደግኩኺ፡ ብዓብዪ ምሕረት ግና ኽእክበኪ እየ። ብምፍሳስ ቊጥዓ ንቕጽበት ዓይኒ ገጸይ ከወልኩልኪ፡ ብዘለኣለማዊ ምሕረት ግና ክርሕርሓልኪ እየ፡ ይብል እቲ ተበጃዊኺ ኣምላኽ።
Translation | Contextሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ እንተ ወሰደ እሞ እንተ ኣእተዋ፡ ይኸውን ድማ፡ ዜሕፍር ነገር ስለ ዝረኽበላ፡ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ እንተ ዘይረኸበት፡ መጽሓፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ ይሀባ፡ ካብ ቤቱውን ይስደዳ። ካብ ቤቱ ምስ ወጸት ድማ፡ ከይዳ ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ እቲ ኻልኣይ ሰብኣይውን እንተ ጸልአ፡ መጽሓፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ እንተ ሀባ፡ ካብ ቤቱ ድማ እንተ ሰደዳ፡ ወይ እቲ፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ፡ ዝወሰዳ ኻልኣይ ሰብኣይ እንተ ሞተ፡ እንድሕሪ ረኸሰት፡ እቲ ዝሰደዳ ቐዳማይ ሰብኣያ፡ ሰበይቱ ኽትከውን፡ መሊሱ ኺወስዳ ኣይኽእልን። እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ነታ እግዚእብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ሓጢኣት ኣይተምጽኣላ። ሓደ ሰብኣይ ሓዳስ ሰበይቲ ምስ ኣእተወ፡ ናብ ውግእ ኣይውጻእ፡ ገለ ናይ ዕዮ ነገርውን ኣይጽዐንዎ። ሓንቲ ዓመት ኣብ ቤቱ ሓራ ይኹን፡ ነታ ዝወሰዳ ሰበይቱ ባህ የብላ። ሰብ መጥሓንን መዲድን፡ ንሱ ነፍሲ እዩ ዚሕዝ ዘሎ እሞ፡ ንታሕዚ ኣይውሰዶ። ሓደ ሰብ ንሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ኻብ ደቂ እስራኤል ሰሪቑ፡ ባርያ ኺገብሮ ወይ ኪሸጦ ኸሎ እንተ ተረኽበ፡ እቲ ሰራቒ እቲ ይሙት። ነቲ ኽፉእሲ ኻብ ማእከልካ ኣርሕቆ። ካብ ሕማም ለምጺ ተሐሎ፡ ከምቲ ሌዋውያን ካህናት ዝመሀሩኹም፡ ኵሉ ኽትገብር ኣጸቢቕካ ተጠንቀቕ። ከምቲ ኣነ ዝአዘዝክዎም፡ ክትገብሩ ተጠንቀቑ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እቲ ኻብ ግብጺ ወጺእኩም ኣብ መገዲ ኸሎኹም፡ ንሚርያም ዝገበሮ ዘክር። ንብጻይካ ገለ ለቕሓ ምስ እትለቅሖ፡ ታሕዚ ኽትወስድ ናብ ቤቱ ኣይትእቶ። ኣብ ግዳም ደው ኢልካ ጽናሕ፡ እቲ ንስኻ ዘለቃሕካዮ ሰብ ነቲ ታሕዚ ናብ ግዳም ናባኻ የውጽኣዮ። እቲ ሰብ ንሱ ድኻ እንተ ዀነ፡ እቲ ታሕዙ ኣባኻ ኣይተሕድር። ተኸዲንዎ ምእንቲ ኺድቅስ፡ እቲ ታሕዚ ዕርበት ጸሓይ ምለሰሉ፡ ይምርቐካ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካውን ንጽድቂ ይዀነካ። ካብ ኣሕዋትካ እንተ ዀነ፡ ወይ ኣብ ሃገርካ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኻብ ዚነብሩ ጓኖትካ እንተ ዀነ፡ ንድኻን ሽጉርን ወዓላይ ኣይትዐምጾ። ንሱ ድኻ እዩ፡ ነፍሱ ኸኣ ንእኡ ትጽበ አላ እሞ፡ ውዕለቱ ሽዑ መዓልቲ ጸሓይ ከይዐረበት ሀቦ። እንተ ዘይኰነስ፡ ናብ እግዚኣብሄር ይጠርዓልካ፡ እሞ ሓጢኣት ይዀነካ። ኣቦታት ብሰሪ ደቆም ኣይሙቱ፡ ደቂ ኸኣ ብሰሪ ኣቦታት ኣይሙቱ። ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ይሙት። ንስደተኛን ንዘኽታምን ፍርዲ ኣይትጥወ፡ ክዳን መበለት ከኣ ንታሕዚ ኣይትውሰድ። ንስኻ ድማ ኣብ ግብጺ ባርያ ከም ዝነበርካን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ካብአ ኸም ዘድሓነካን ዘክር። ስለዚ ነዚ ነገር እዚ ኽትገብሮ፡ ኣነ እእዝዘካ አሎኹ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ግብሪ ኢድካ ምእንቲ ኺባርኸካስ፡ ዓጺድካ ኣብ ግራትካ ኽትዐጽድ ከሎኻ፡ ኣብ ግራት እንዳእቲ እንተረሳዕካ፡ ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ይኹን እምበር፡ ክትወስዶ ኣይትመለስ። ኣውልዕካ ምስ እተርግፍ፡ መሊስካ ኣብ ጨናፍር ኣይትእረ፡ ንሱስ ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ደኣ ይኹን። ወይንኻ ምስ እትቕንጥብ፡ መሊስካ ኣይተቐርሞ፡ ንሱስ ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ደኣ ይኹን። ኣብ ምድሪ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር፡ ስለዚ ነዚ ነገር እዚ ኽትገብሮ እእዝዘካ አሎኹ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ፡ በለ።
Translation | Context