Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

sisterly love


1ይ ቈረንቶስ 13:13 | 18 Helpful votes

ሕጂ ግና እምነትተስፋፍቕሪእዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:4-8 | 12 Helpful votes

ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእንፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕንኣይተስተሓፍርንናታ ኣይትደልንኣይትምረርንኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላንኲሉ ትጸውርኲሉ ትኣምንኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡

Translation | Context
ምሳሌ 15:1-33 | 9 Helpful votes

ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕልልሳን ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይፍልፍልኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ስፍራ እየን፡ ንእኩያትን ንሰናያትን ከኣ ይቋመታኦምልዝቢ ልሳን ከም ኦም ህይወት እያ፡ ቄናን መንፈስ ግና ንመንፈስ ትሰብሮዓሻ ንተግሳጽ ኣቦኡ ይንዕቆዘለፋ ዚቕበል ግና ኣእምሮኛ ይኸውን። ኣብ ቤት ጻድቕ ብዙሕ መዝገብ አሎ፡ ኣብ እቶት ረሲኣን ግና ህውከት አሎ። ከናፍር ጠቢባን ፍልጠት ይዝርግሓልቢ እቶም ዓያሱ ግና ኣይከምኡን እዩ። መስዋእቲ ረሲኣን ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ጸሎት ቅኑዓት ግና ባህ የብሎ። እግዚኣብሄር ንመገዲ ረሲኣን ይፍንፍኖጽድቂ ንዚስዕብ ግና የፍቅሮመገዲ ንዚሐድግ ብርቱዕ መቕጻዕቲ ይወርዶ፡ ተግሳጽ ዚጸልእ ከኣ ይመውትሲኦልን መዓሙቕን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እዩ፡ ልቢ ደቂ ሰብ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ። መላገጺ ተግሳጽ ኣይፈቱን፡ ናብ ጠቢባን ኣይከይድንሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆልቢ እንተ ጐሀየ ግና መንፈስ ይስበርልቢ ኣእምሮኛ ፍልጠት ይደሊኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይምገብ። ኵለን ዕለታት እቲ ሕዙን ክፉኣት እየን፡ ሕጉስ ልቢ ዘለዎ ግና ኵሉ ጊዜ ደስ ዜብል መኣዲ እዩ። ካብ ዓብዪ መዝገብ ምስ ህውከትሲሒደት ምስ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሐይሽ። ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልኢጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሐይሽኰራዪ ሰብ ቈየቛ የልዕልዓቃል ግና ባእሲ የህድእጐደና ሃካይ ከም ሓጹር እሽዅ እዩ፡ መገዲ ቕኑዓት ግና እተደላደለት እያ። ጥበበኛ ውሉድ ነቦኡ የሐጕሶዓሻ ሰብ ግና ንወላዲቱ ይንዕቃዕሽነት ነቲ ልቢ ዜብሉ ሰብ ደስታ እዩ፡ ለባም ግና ትኽ ኢሉ ይኸይድ። ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ፡ ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን፡ ኣብቲ መኸርቲ ዚበዝሕዎ ግና ይጸንዕሰብ ብምላሽ ኣፉ ይሕጐስ፡ እወ፡ ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ። ለባም ሰብ፡ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል ኪርሕቕሲመገዲ ህይወት ናብ ላዕሊ ትመርሖ። እግዚኣብሄር ንቤት ዕቡያት ይምሕዎንዶብ መበለት ግና የቝሞእኩይ ሓሳባት ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ልኡም ቃላት ግና ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ እዩ። እቲ ረብሓ ዚሀርፍ ንቤቱ ይህውኻመማለጃ ዚጸልእ ግና ብህይወት ይነብርልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብኣፍ ረሲኣን ግና ሕሰም ይፍልፍልእግዚኣብሄር ነቶም ረሲኣን ርሑቖም እዩ፡ ንጸሎት ጻድቃን ግና ይሰምዖብሩህ ቈላሕታ ንልቢ የሐጕሶብስራት ነዕጽምቲ የስብሖ። እታ ናብ ህይወት ዚመርሕ ተግሳጽ እትሰምዕ እዝኒ ኣብ ማእከል ጠቢባን ትነብር። እቲ ተግሳጽ ዚኣቢ ንነፍሱ ይንዕቃዘለፋ ዚሰምዕ ግና ይልብምፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ጥበብ ትምህርቲ እዩ፡ ንኽብረት ከኣ ትሕትና ትቕድማ

Translation | Context
ማቴዎስ 5:44 | 8 Helpful votes

ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉንዚረግሙኹም መርቑውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንብ እዩ እሞ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ

Translation | Context
ዮሃንስ 15:9-17 | 6 Helpful votes

ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ፡ ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም አሎኹ፡ ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ። ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሓሎኹኣብ ፍቕሩውን ጸኒዔ ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሎኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም። ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕሓጐስኩምውን ኪፍጸምሲእዚ ነገርኩኹምከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹምነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩትእዛዘይ እዚ እዩሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦንንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩምኣዕሩኸይ ኢኹምእቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹምባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ። ኣነ ሐሬኹኹም እምበርንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹምንሓድሕድኩም ክትፋቐሩእዚ እእዝዘኩም አሎኹ።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:7 | 5 Helpful votes

ኣባይ እንተ ጸናዕኩምቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:1-13 | 5 Helpful votes

ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድልስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእንፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕንኣይተስተሓፍርንናታ ኣይትደልንኣይትምረርንኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላንኲሉ ትጸውርኲሉ ትኣምንኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡ ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸእቲ ምቃል ኪሰዓር እዩ። ቈልዓ ኸሎኹከም ቈልዓ ተዛረብኩልቢ ቘልዓ ነበረኒከም ቈልዓ ሐሰብኩሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ አሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። ሕጂ ግና እምነትተስፋፍቕሪእዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።

Translation | Context
ገላትያ 2:20 | 5 Helpful votes

ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:13 | 4 Helpful votes

ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን

Translation | Context
ሮሜ 3:3 | 4 Helpful votes

ሓያሎ ኻባታቶም ዘይእሙናት እንተ ዀኑ ግዲ እንታይ እዩ፧ እቲ ዘይእሙናት ምዃኖምዶ ነቲ ናይ ኣምላኽ እምንነት ከንቱ ይገብሮ እዩ፧

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 1:1-24 | 3 Helpful votes

ጳውሎስብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስጢሞቴዎስ ሓውናውን፡ ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ምስቶም ኣብ ብዘላ ኣካይያ ዘለዉ ዅላቶም ቅዱሳን፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹንኣምላኽኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕንይባረኽበቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከኣለናስብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ። ከምቲ ስቓይ ክርስቶስ ኣባና ዚዐዝዝ ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ዚዀነልና ምጽንናዕና ይዐዝዝ እዩ። ግናኸ እንተ ጸበበና እኳ፡ ንምጽንናዕኩምን ምድሓንኩምን እዩ። እንተ ተጸናናዕና ድማ፡ ነቲ ንሕናውን እንስቀዮ ዘሎና ስቓይ ብትዕግስትኹም ዚጋደል ምጽንናዕኩም እዩ። ከምቲ ተማቐልቲ ስቓይ፡ ከምኡ ኸኣ ተማቐልቲ ምጽንናዕ ከም ዝዀንኩም ፈሊጥናተስፋና ኣባካትኩም ጽንዕቲ እያ። ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያ ዝረኸበና ጸበባህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽሓለፋ ዓቕምና እምብዛ ኸም ዝኸበደናክንሐብኣልኩም ኣይንፈቱን ኢና። ኣብቲ ንምዉታት ዜተንስእ ኣምላኽ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንውከልሲሞት ከም እተፈርደና ኣብ ውሽጥና ይስምዓና ነይሩ። ንሱ ኻብ ክንድዚ ዚአክል ሞት ኣድሒኑና የድሕነና ድማ አሎ፡ ንዳሕራዩውን ከም ዜድሕነና፡ ብእኡ ተስፋ ንገብር አሎና። ንስካትኩም ከኣ ብጸሎትኩም ትድግፉና አሎኹም። ከምኡውን ሳላ እቲ ብብዙሓት ሰባት ዝረኸብናዮ ውህበት ጸጋ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባና ኼመስግኑ እዮም። ትምክሕትናብጥበብ ስጋ ዘይኰነስብጸጋ ኣምላኽ ከም እተመራሕና፡ ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ምናዳ ኣባካትኩምብቕድስና ኣምላኽን ንጽህናኡን ከም እተመላለስና፡ እዚ ናይ ሕሊናና ምስክር እዩ። ብዘይ እቲ እተንብብዎን ወይስ እተስተውዕልዎን ካልእ ኣይንጽሕፈልኩምን ኢና እሞ፡ ከምቲ ንሕና ትምክሕትኹም ምዃንና ብሓደ ወገኑ ኣስተውዒልኩምና ዘሎኹም፡ ከምኡውን ንስካትኩም ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ትምክሕትና ኸም እትዀኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ድማ ከም እተስተውዕልዎ፡ ተስፋ እገብር አሎኹ። ካዕበት ጸጋ ምእንቲ ኽትረኽቡ ኸኣ፡ በዚ ተአሚነ ቕድም ናባኻትኩም ክመጽእ ደሌኹ፡ ብኣኻትኩም ኣቢለ ኸኣ ናብ መቄዶንያ ኽሐልፍከም ብሓድሽ ድማ ካብ መቄዶንያ ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ንስካትኩም ናብ ይሁዳ ኸተፋንዉኒ ደሌኹ። እምብኣርሲ እዚ ምስሐስበኩብቕለት ደዀን ገይረዮ እኸውን፧ ወይስ ኣባይ፡ እወ፡ እወ ኣይኰነን ኣይኰነን፡ ምእንቲ ኪኸውንሲእቲ ዝመኽሮ ደዀን ከም ስጋ ገይረ መኺረዮ ዀይነ፧ እቲ ብኣና፡ ማለት ብኣይን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፡ ኣብ ማእከልኩም እተሰብከ ወዲ ኣምላኽየሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ እወ እዩ እምበር፡ እወን ኣይኰነንን ኣይነበረን እሞ፡ ኣምላኽ እሙን ከም ዝዀነ፡ እቲ ንኣኹም ዝነገርናዮ ቓል፡ እወን ኣይኰነንን፡ ኣይነበረን። ተስፋ ኣምላኽ ዘበለስ ኣብኡ እወ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ ብኣና ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብእኡ ኣሜን እዩ። ግናኸ እቲ ብክርስቶስ ገይሩ ምሳኻትኩም ዘጽንዓናን ዝቐብኣናን እቲ ዝሐተመናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን መንፈስ ዝሃበና ኣምላኽ ንሱ እዩ። ግናኸ እቲ ናብ ቈረንቶስ ገና ዘይምምጽኤይ ምእንቲ ንምስክር ኢለ ኸም ዝዀንኩኣምላኽ ንምስክር ኣብ ነፍሰይ እጽውዕ አሎኹ። ብእምነት ቌምኩም አሎኹም እሞ፡ ደገፍቲ ሓጐሰኹም ደኣ ኢና እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኰንናን

Translation | Context