Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድ፡ መገዱ ተመልከት እሞ ጠቢብ ኩን።
Translation | Contextነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።
Translation | Contextምሳኻትኩም ከሎናውን፡ ገለ ሰብ ኪዓዪ ዘይፈቱ እንተ ዀይኑስ ኣይብላዕውን፡ ኢልና ኣዘዝናኩም እሞ፡ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉ ደኣ፡ ንርእስና ኣርኣያ ጌርና ሃብናኩም እምበር፡ መሰል ስለ ዜብልና ኣይኰንናን።
Translation | Contextትህኪት ናብ ዓሚቝ ድቃስ የውድቕ፡ ሸለልተኛ ነፍሲ ኸኣ ትጠሚ።
Translation | Contextኣነ ብግራት ሃካይ፡ ብናይቲ ኣኣምሮ ዜብሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ሐለፍኩ፡ እንሆ ድማ፡ ተዀርባ በቝልዎ፡ ቈጥቋጥ ውሒጥዎ፡ እቲ መካበብያ እምኒውን ፈሪሱ። ልበይ ኣውዲቐ ኣብኡ ተመልከትኩ፡ ንእኡ ርእየ ድማ ትምህርቲ ረኸብኩ፡ ቅሩብ ድቃስ፡ ቅሩብ ትኽስታ፡ ምእንቲ ኽትዐርፍ ቅሩብ ኣእዳውካ ምምስቃል፡ ሽዑ ድኽነትካ ገስጊሱ፡ ንዴትካ ኸኣ ከም እተሰለፈ ሰብኣይ ይመጸካ።
Translation | Contextብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ።
Translation | Contextሃካይ ብምኽንያት ቍሪ ኣይሐርስን፡ ብጊዜ ቐውዒ ይልምን እሞ፡ ገለ እኳ ኣይረክብን።
Translation | Contextብሰሪ ትህኪትሲ ናሕሲ ይንሀል፡ ብሰሪ ህኩያት ኣእዳው ከአ ቤት ይነጥብ።
Translation | Contextማለት፡ ሓያሎ ኻባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ከም ዚመላለሱ፡ ዙረት እምበር፡ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይዓዩ፡ ንሰምዕ አሎና። ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ፡ ብህድኣት እናዓየዩ እንጌራኦም ኪበልዑ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ንምዕዶምን አሎና።
Translation | Contextንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። ንምትጋህ ኣይትተሃከዩ፡ ብመንፈስ ተቓጸሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ።
Translation | Contextእቲ ሃካይ፡ ኣብ መገዲ ኣንበሳ አሎ፡ ኤረ ኣብ ኣደባባይ ኣንበሳ አሎ፡ ይብል። ከምቲ ማዕጾ ኣብ ወንድወንዶኡ፡ ሃካይውን ከምኡ ኣብ ዓራት ይዘውር። ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ እሞ፡ ናብ ኣፉ ምምላስ ድኻም ይዀኖ። ሃካይሲ ኻብ ሾብዓተ ሰብ ብምስትውዓል ዚምለሱ ንሱ ብጥበብ ዝበለጸ ይመስሎ።
Translation | Contextሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።
Translation | Contextነፍሲ ሃካይ ሃረር ትብል አላ እሞ ገለ ኣይትረክብን፡ ነፍሲ ትጉሃት ግና ኣዝያ ትጸግብ።
Translation | Contextሃካይ፡ ኣእዳው ምዕያይ ይአብያ እየን እሞ፡ ትምኒቱ ይቐትሎ።
Translation | Contextሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ፡ ግናኸ ናብ ኣፉ እኳ ኣይምልሳን።
Translation | Contextምድሩ ዚወላወል ሰብ እንጌራ ይጸግብ፡ ንኸንቱነት ዚኽተል ግና ኣእምሮ የብሉን።
Translation | Contextእቲ ብሓጋይ ዚእክብ ጥበበኛ ወዲ እዩ፡ እቲ ብቐውዒ ዚድቅስ ግና ዜሕስር ወዲ እዩ።
Translation | Contextብህክይቲ ኢድ ዚዐዪ ይደኪ፡ ኢድ ትጕሃት ግና ተሀብትም።
Translation | Context