Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

social justice


ኢሳይያስ 1:17 | 13 Helpful votes

ምግባር ሰናይ ተመሀሩቅንዕና ድለዩንጥቑዕ ርድእዎንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ

Translation | Context
ዘካርያስ 7:9-10 | 7 Helpful votes

እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱንሓድሕድኩም ድማ ሰናይን ምሕረትን ግበሩንመበለትን ንዘኽታምን ንስደተኛን ንድኻን ኣይትግፍዑ፡ ካባኻትኩምውን ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ እከይ ኣይሕሰበሉ

Translation | Context
ምሳሌ 31:9 | 7 Helpful votes

ኣፍካ ኽፈትብቕንዕና ፍረድንሽጉርን ንመስኪንን ብይን ኣውጽኣሎም።

Translation | Context
ኤርምያስ 22:3 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ፍርድን ጽድቅን ግበሩ፡ ነቲ እተዘምተ ኸኣ ካብ ኢድ ዓማጺኡ ኣድሕንዎንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ኣይትዐግቡን ኣይትዐምጹን፡ ኣብዚ ስፍራ እዚውን ንጹህ ደም ኣይትኽዐዉ

Translation | Context
ሮሜ 12:15-18 | 5 Helpful votes

ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይሕሰቡ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።

Translation | Context
ሚክያስ 6:8 | 5 Helpful votes

ኣታ ሰብ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካእግዚኣብሄርሲቅንዕና ኽትገብርምሕረት ከኣ ክትፈቱ፣ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰኑስ፣ ካባካ ዚደልዮ እንታይ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 31:8-9 | 4 Helpful votes

ኣብ ክንዲ ዓባስ፡ ኣብ ክንዲ እቶም ጸግዒ ዜብሎም ኣፍካ ኽፈትኣፍካ ኽፈትብቕንዕና ፍረድንሽጉርን ንመስኪንን ብይን ኣውጽኣሎም።

Translation | Context
ሉቃስ 10:30-37 | 4 Helpful votes

የሱስ መሊሱ በለሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐገፈፍዎን ከትከትዎንዳርጋ ምዉት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ካህን በታ መገዲ እቲኣ ኺወርድ ከሎ፡ ርእይዎ ሐለፈከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ ብጽሔእናረኣዮ ሐለፈሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ፡ ምስ ረአዮ ኸኣ ደንገጸሉ። ናብኡ ቐሪቡ ኣቑሳሉ ሰፈፈሉ፡ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፡ ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ አለዮንጽብሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ፡ ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ሀቦ እሞ፥ ተኸናኸኖንእኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ምስ ተመለስኩ ኸፈድየካ እየ፡ በሎ። ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ፧ ንሱ ድማ፥ እቲ ምሕረት ዝገበረሉበለየሱስ ከኣ፡ ኪድከ፡ ንስኻውን ከምኡ ግበርበሎ

Translation | Context
መዝሙር 82:3 | 3 Helpful votes

ንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎምንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ አውጽኡሎም።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:12 | 3 Helpful votes

እምበኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብረልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:17-18 | 3 Helpful votes

ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧ ኣቱም ደቀየብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር

Translation | Context
ኣሞጽ 5:11-15 | 2 Helpful votes

ንድኻ ስለ ዝረገጽኩምዎ፣ ነቲ ተሰኪምዎ ዝነበረ ሰርናይ ከኣ ስለ ዘግደፍኩምዎ፣ ብጽሩብ ኣእማን ኣባይቲ ሰራሕኩምኣይከትነብርዎን ከኣ ኢኹም፣ ዜብህግ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸልኩምወይኑ ድማ ኣይክትሰትዩን ኢኹም። ኣነስ ግህሰትኩም ብዙሕሓጢኣትኩም ከኣ ብርቱዕ ከም ዝዀነ እፈልጥ እየ። ነቲ ጻድቕ ተጻብቡሉደርሆ ትቕበሉ፣ ነቲ መስኪን ኣብ ደገ ትገፍዕዎ አሎኹም። ኽፉእ ዘመን እዩ ኣሞ፣ ስለዚ እቲ ለባም በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዘመን ስቕ ይበል። ብህይወት ክትነብሩስሰናይ ድለዩእከይ ኣይኰነን። ከምኡ ኸኣ፡ ከምቲ ዝበላኩምዎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ምሳኻትኩም ኺኸውን እዩ። እከይ ጽልኡሰናይ ከኣ ኣፍቕሩ፣ ኣብ ደገውን ፍርዲ ኣጽንዑ፣ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ነቲ ኻብ ዩሴፍ ዝተረፈ ኺርሕርሓሉ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 58:6-12 | 2 Helpful votes

እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን፧ እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ስጋካውን ከይትሕባእዶ ኣይኰነን፧ ሽዑ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ዀይኑ ኺወጽእምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኺበቊልጽድቅኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድክብሪ እግዚኣብሄርውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽትጽውዕእግዚኣብሄር ከኣ ኪመልሰልካከተእዊ፡ ንሱ ድማ፡ እኔኹ፡ ኪብል እዩ። ነርዑትንምውጥዋጥ ኣጻብዕ፡ ንሕማቕ ዘረባ ኸኣ ካብ ማእከልካ እንተ ኣርሐቕካ፡ ካብ ናብ ነፍስኻ ንጥሙይ እንተ መቐልካንጭንቕቲ ነፍሲ እንት ኣጽገብካ፡ ሽዑ ብርሃንካ ኣብ ጸልማት ኪወጽእጸልማትካውን ከም ቀትሪ ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ንዂሉ ጊዜ ኺመርሓካ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ንነፍስኻ ኼጽግባነዕጽምትኻ ድማ ኬበርትዖ እዩ። ንስኻ ኸኣ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን ከምቲ ማዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይን ክትከውን ኢኻ። ደቅኻ ነቲ ቐደም ዝዐነወ ኺነድቁ እዮም፡ ንመሰረት ብዙሓት ወለዶ ኸተቕውም ኢኻ። ነዳቕ ፍሩስን፡ መሳፍሮ ዚኸውን መገዲ መዓረይን ተብሂልካ ኽትስመ ኢኻ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:15 | 2 Helpful votes

ብፍርዲ ኣይትዐምጹንድኻ ገጹ ርኢኻ ኣይተዳልዎነቲ ስልጡን ድማ ገጹ ርኢኻ ኣይተኽብሮንብጻይካ ግና ብቕንዕና ፍረድ

Translation | Context
ማቴዎስ 19:21 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስኪድዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ፡ ንዓ ስዐበኒበሎ

Translation | Context