Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all25 bible verses about
ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰ፡ ክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮም፡ ሞት ይሙቱ፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።
Translation | Contextዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡
Translation | Contextከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ምስ ሰብአይ ኣይትደቅስ፡ እዚ ጽያፍ እዩ።
Translation | Contextስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፡ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ።
Translation | Contextስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ።
Translation | Contextእቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምሸት ናብ ሶዶም መጹ። ሎጥ ከኣ ኣብ ደገ ሶዶም ተቐሚጡ ነበረ። ሎጥ ድማ ምስ ረኣዮም፡ ኪቕበሎም ተንስኤ፡ ብገጹ ኸኣ ናብ ምድሪ ተደፍኤ እሞ፡ ኣቱም ጐይተተይ፡ በጃኹም እንሆ፡ ኣብ ቤት ባርያኹም ኣግልሱ፡ ኣብኣ ድማ ሕደሩ፡ ኣእጋርኩምውን ተሓጸቡ። ኣንጊህኩም ተንሲእኩም ከኣ መገድኹም ትኸዱ፡ በለ። ንሳቶም ግና፥ ኣይፋልናን፡ ኣብ ኣደባባይ ደኣ ንሓድር፡ በሉ። ንሱ ኸኣ ኣዝዩ ግዲ በሎም እሞ ናብኡ ኣግሊሶም ናብ ቤቱ ኣተዉ። ንሱ ድማ ቅጫ ሰንኪቱ መኣዲ ኣዳለወሎም፡ ንሳቶምውን በልዑ። ገና ኸይደቀሱ ኸለዉ ድማ፡ ሰብ እታ ኸተማ፡ ሰብ ሶዶም፡ ኣጒባዝን ኣረገውትን፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኻብ ኲሉ ሸነኽ መጺኡ፡ ነታ ቤት ከበባ። ንሎጥ ጸዊዖም ከኣ፥ እዞም ብለይቲ ናባኻ ዝኣተዉ ሰባት ኣበይ አለዉ፧ ምእንቲ ኽንፈልጦምሲ፡ ናባና ኣውጽኣዮም፡ በልዎ። ሎጥ ድማ ናባታቶም ናብ ኣፍደገ ወጸ፡ ነቲ ማዕጾውን ብድሕሪኡ ዐጸዎ። በሎም ከኣ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምዚ ዝበለ ኽፉእ ኣይትግበሩ፡ እነዋ፡ ሰብኣይ ዘይፈለጣ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኒ፡ በጃኹም ሕደጉ፡ ንኣታተን ከውጽኣልኩም፡ ባህ ዝበለኩም ግበርወን። እዞም ሰባት እዚኦም ግና ኣብ ጽላል ናሕሰይ ኣትዮም እዮም እሞ፡ ገለ እኳ ኣይትግበርዎም። ንሳቶም ግና፡ ኣልግስ፡ ንየው በል፡ በሉ። ድማ፡ እዚ ሓደ ስደተኛ ዀይኑ ዝመጸስ ዳኛ ዀይኑ ኺፈርድ ይደሊ አሎ፡ ሕጂ ግና ካብ ንኣታቶም ዝገደደ ኸነኽፍኣልካ ኢና፡ በሉ። ነቲ ሰብኣይ፡ ንሎጥ፡ ብሓይሊ ጐነጽዎ፡ ማዕጾ ኺሰብሩ ድማ ቐረቡ። ሽዑ እቶም ሰባት ኣእዳዎም ኣስሊኾም፡ ንሎጥ ናባታቶም ናብ ቤት ኣእተዉዎ፡ ነቲ ማዕጾ ድማ ዓጸዉዎ። ነቶም ኣብ ኣፍ ቤት ዝነበሩ ሰባት፡ ካብ ናእሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ፡ ኣዖርዎም እሞ ነቲ ኣፍ ደገ ኺረኽቡ ይደኽሙ ነበሩ። እቶም ሰብ ድማ ንሎጥ፡ ኣብዚ ገና ኻብ ናትካዶ አሎካ፧ ሰብኣይ ጓልን ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብዛ ኸተማ ዘሎ ናትካ ዘበለ ዂሉን ካብዛ ቦታ እዚኣ ኣውጽኣዮም። ነዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ፡ ጭራሕ ምራሖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዩ ስለ ዝዀነ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ከነጥፍኣ ልኢኹና እዩ እሞ፡ ንሕና ኸነጥፍኣ ኢና፡ በልዎ። ሎጥ ድማ ወጺኡ ነቶም ነዋልዱ ዘእተዉ ሰብኡት ኣዋልዱ እግዚኣብሄር ነዛ ከተማ ኼጥፍኣ እዩ እሞ፡ ተንስኡ፡ ካብዛ ቦታ እዚኣ ውጹ፡ ኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰብኡት ኣዋልዱ ግና ይዋዘ ኸም ዘሎ መሲሉ ተራእዮም። ቀይሔጸሊም ኺቐድድ ከሎ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ንሎጥ፡ ብዓመጽ እዛ ኸተማ ኸይትጠፍእሲ፡ ሰበይትኻን እዘን ኣብዚ ዘለዋ ኽልተ ኣዋልድካን ተማሊእካ ተለዓል፡ ኢሎም ሀወኽዎ። ንሱ ግና ደንጐየ። እግዚኣብሄር ኪንሕፎ ስለ ዝደለየ፡ እቶም ሰባት ኢዱን ኢድ ሰበይቱን ኢድ ክልቲኤን ኣዋልዱን ሒዞም ኣውጽእዎ፡ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ድማ ሓደግዎ። ኰነ ኸኣ፡ ናብ ወጻኢ ምስ ኣውጽእዎም፡ ነፍስኻ ኣድሕን፡ ንድሕሪት ገጽካ ግልጽ ኣይትበል፡ ኣብ ብዘሎ እዚ ጐልጐል ድማ ደው ኣይትበል። ምእንቲ ኸይትጠፍእ፡ ናብ ከረን ኣቢልካ ድሓን፡ በለ። ሎጥ ግና፡ ኣይፋልካን ጐይታይ፡ እንሆ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ረኺቡ አሎ፡ ንነፍሰይ ብምድሓንካ ዝገበርካለይ ምሕረትካ ድማ ኣዕቤኻዮ። ኣነ ግና፡ እቲ ኽፉእ ከየርክበንን ከይመውትን፡ ናብ ከረን በጺሔ ኽድሕን ኣይክእልን እየ። በጃኻ እንሃ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብኣ ንምህዳም ቀረባ እያ፡ ንእሽቶ ኸኣ እያ። ንእሽቶዶ ኣይኰነትን፧ እሞ ነፍሰይ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርሲ፡ በጃኻ፡ ናብኣ ኽድሕን ሕደገኒ፡ በሎም። ንሱ ድማ፡ ነታ እተዛረብካላ ኸተማ ኸይግልብጣስ፡ እንሆ፡ በዚ ነገርዚውን ሕራይ ኢለካ እየ። ኣብኣ ኸይበጻሕካ፡ ገለ ነገር ክገብር ኣይክእልን እየ እሞ፡ ቀልጢፍካ ናብኣ ድሓን፡ በሎ። ስለዚ ስም እታ ኸተማ ዞኣር ተባህለት። ሎጥ ኣብ ዞኣር ምስ ኣተወ ድማ፡ ኣብታ ምድሪ ጸሓይ በረቐት። ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ኣብ ልዕሊ ጎሞራን ካብ እግዚኣብሄር ዲንን ሓውን ኣዝነመ። ነዘን ከተማታት እዚኤንን ንዂሉ ጐልጐልን ኣብተን ከተማታት ንዚነብሩ ዂሎምን ንብቝሊ ምድርን ገልበጠ። ሰበይቲ ሎጥ ግና ንድሕሪት ክትርኢ ግልጽ በለት፡ ሓወልቲ ጨው ከኣ ዀነት። ኣብርሃም ድማ ንጽብሒቱ ናብታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉላ ዝነበረ ቦታ ኣንግሄ። ናብ ሶዶምን ጎሞራን ናብ ብዘላ ምድሪ ጐልጐልን ኣማዕደወ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብታ ሃገር፡ ትኪ እቶን ዚመስል፡ ትኪ ኺለዐል ረአየ። ከምዚ ኸኣ ዀነ፡ ኣምላኽ ነተን ኣብ ጐልጐል ዝነበራ ኸተማታት ኬጥፍእ ከሎ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዘከሮ። ነተን ሎጥ ተቐሚጥወን ዝነበረ ኸተማታት ኪግልብጥ ከሎ፡ ንሎጥ ካብ ማእከል ምግልባጥ ኣውጽኦ። ሎጥ ከኣ ኣብ ዞኣር ንምቕማጥ ፈሪሁ ነበረ እሞ፡ ኣብ ዞኣር ደይቡ፡ ክልቲኤን ኣዋልዱ ድማ ምስኡ ኣብ ከረን ተቐመጡ። ንሱን ክልቲኤን ኣዋልዱን ኣብ በዓቲ ተቐመጡ። እታ ቦዂሪ ኸኣ ነታ ንእሽቶ፡ ኣቦና ኣሪጉ እዩ፡ ኣብ ምድሪ ድማ ከም ልማድ ኵሉ ምድሪ ዜእትወና ሰብኣይ የልቦን። ንዒ፡ ነቦና ወይኒ ነስትዮ፡ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኸነትርፍሲ ምስኡ ንደቅስ፡ በለታ። እሞ በታ ለይቲ እቲኣ ነቦኤን ወይኒ እስተያኦ፡ እታ በዂሪ ድማ ኣትያ ምስ ኣቦኣ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንስኣን ኣይፈለጠን። ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ እታ በዅሪ ነታ ንእሽቶ፥ እንሆ፡ ትማሊ ለይቲ ምስ ኣቦይ ደቂሰ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ወይኒ ነስትዮ፡ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኸነትርፍ፡ ንስኺ ድማ ኣቲኺ ምስኡ ደቅሲ፡ በለታ። በታ ለይቲ እቲኣ ድማ ነቦኤን ወይኒ ኣስተያኦ፡ እታ ንእሽቶ ኸኣ ከይዳ ምስኡ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንስኣን ኣይፈለጠን። ክልቲኤን ደቂ ሎጥ ከኣ ካብ ኣቦኤን ጠነሳ። እታ በዅሪ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ኸኣ ሞኣብ ኣውጽኣትሉ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣቦ ሞኣባውያን እዩ። እታ ንእሽቶ፡ ንሳ ድማ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ብንዓሚ ኣጽኣትሉ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣቦ ደቂ ዓሞን እዩ።
Translation | Contextከምኡውን ሶዶምን ጎሞራን እተን ኣብ ከባቢኤን ዝነበራ ኸተማታትን፡ ከተማታቶም ብመገዶም ዝመንዘራ ደድሕሪ ስጋ ጓናውን ዝሰዐባ፡ በቲ ዝወረደን ቅጽዓት ናይ ዘለኣለም ሓዊ ንመሰክሒ ዀይነን አለዋ።
Translation | Contextዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።
Translation | Contextነመናዝር፡ ግብሪ ሰዶም ንዚገብሩ፡ ንሸየጥቲ ሰብ፡ ንሓሰውቲ፡ ብሓሶት ንዚምሕሉ፡ ሓደ ኻልእውን ምስቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዚጻረር እንተሎ፡ ንኣታቶም እዩ።
Translation | Contextነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡ ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም። ስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፡ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ። ከምቲ ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ኪሕዝዎ ዘየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሀቦም።
Translation | Contextእቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፡ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ።
Translation | Contextዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።
Translation | Contextነቶም ኣብ ተባዕታይ ዝመንዘሩ ኸኣ ካብታ ሃገር ሰጐጎም። ነቶም ኣቦታቱ ዝገበርዎም ኲሎም ጣኦታት ድማ ኣግለሶም።
Translation | Contextድማ፡ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧
Translation | Contextሕጊ ንመፍረስቲ ሕጊ እምበር፡ ንጻድቕ ከም ዘይተሰርዔ፡ ካብ ፈለጥናስ፡ ንዘይእዙዛትን ኣምላኽ ንዘይፈርሁን ንሓጥኣንን ንርኹሳትን ንቐለልትን ንቐተልቲ ኣቦኦምን ንቐተልቲ ኣዲኦምን፡ ንቐተልቲ ነፍሲ፡ ነመናዝር፡ ግብሪ ሰዶም ንዚገብሩ፡ ንሸየጥቲ ሰብ፡ ንሓሰውቲ፡ ብሓሶት ንዚምሕሉ፡ ሓደ ኻልእውን ምስቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዚጻረር እንተሎ፡ ንኣታቶም እዩ።
Translation | Contextከምቲ ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ኪሕዝዎ ዘየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሀቦም።
Translation | Contextነቶም ደሓር ዚመጹ በደለኛታት መሰክሒ ገይርወን፡ ንኸተማታት ሶዶምን ጎሞራን ሓሙዅስቲ ገይርወን ንምግምጣል ፈረደን። ነቲ ብኣበሳኦምን ብርኹስ ንብረቶምን ዚስቀ ዝነበረ ሎጥ ጻድቕ ግና ኣድሐኖ፡ ማለት፡ እቲ ጻድቕ ኣብ ማእከሎም ኪነብር ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ በቲ ዚርእዮን ዚሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመጻኦም፡ እታ ጻድቕ ነፍሱ ትስቀ ነበረት።
Translation | Contextኣብታ ሃገር ድማ ኣብ ተባዕታይ ዚምንዝሩ ነበሩ። ከም ኲሉ ርኽሰት እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣህዛብ ይገብሩ ነበሩ።
Translation | Contextገና ኸይደቀሱ ኸለዉ ድማ፡ ሰብ እታ ኸተማ፡ ሰብ ሶዶም፡ ኣጒባዝን ኣረገውትን፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኻብ ኲሉ ሸነኽ መጺኡ፡ ነታ ቤት ከበባ። ንሎጥ ጸዊዖም ከኣ፥ እዞም ብለይቲ ናባኻ ዝኣተዉ ሰባት ኣበይ አለዉ፧ ምእንቲ ኽንፈልጦምሲ፡ ናባና ኣውጽኣዮም፡ በልዎ። ሎጥ ድማ ናባታቶም ናብ ኣፍደገ ወጸ፡ ነቲ ማዕጾውን ብድሕሪኡ ዐጸዎ። በሎም ከኣ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምዚ ዝበለ ኽፉእ ኣይትግበሩ፡ እነዋ፡ ሰብኣይ ዘይፈለጣ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኒ፡ በጃኹም ሕደጉ፡ ንኣታተን ከውጽኣልኩም፡ ባህ ዝበለኩም ግበርወን። እዞም ሰባት እዚኦም ግና ኣብ ጽላል ናሕሰይ ኣትዮም እዮም እሞ፡ ገለ እኳ ኣይትግበርዎም።
Translation | Contextእቲ ብዘመን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን ነገስታት ይሁዳ፣ ብዛዕባ ሰማርያን የሩሳሌምን ሚክያስ ሞረሽታይ ዝረኣዮ ናብኡ ኸኣ ዝመጾ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፣ ኣቱም ህዝብታት ኵላትኩም፣ ስምዑ፣ ኣቲ ምድሪ ምስ ምልኣትኪ፣ ጽን በሊ። እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ኣንጻርኩም ይምስክር፣ እወ፣ እግዚኣብሄር ካብ ቅዱስ መቕደሱ። እንሆ፣ እግዚኣብሄር ካብ ስፍራኡ ይወጽእ፣ ይወርድ፣ ኣብ በረኽቲ ምድሪ ድማ ይረግጽ እዩ እሞ፣ ከም ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ከምቲ ኣብ ጎቦ ዚውሕዝ ማያት፣ ኣክራን ኣብ ትሕቲኡ ይመኩ፣ ሽንጭሮታት ከኣ ይጭደዱ። እዚ ዅሉ ብሰሪ በደል ያእቆብን ብሰሪ ሓጢኣት ቤት እስራኤልን እዩ። በደል ያእቆብ እንታይ እዩ፡ ሰማርያዶ ኣይኰነትን፡ በረኽቲ ቦታ ይሁዳ እንታይ እዩ፡ የሩሳሌምዶ ኣይኰነትን፡ ስለዚ ንሰማርያ ኸም ኵምራ እምኒ መሮርን ከም ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ክገብራ እየ። ነእማና ናብ ሽንጭሮ ኸንከራርዎ፣ ንመሰረታ ኸኣ ክቐሎኦ እየ። እቲ ቕሩጽ ምስልታት ዅሉ ኺሰባብሮ፡ እቲ ዋጋ ምንዝርናኣ ዅሉ ብሓዊ ኺሐርር እዩ። ብዋጋ ምንዝርና ኣኪባቶም፡ መሊሶም ድማ ዋጋ ምንዝርና ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ኣነ ንዅላቶም ጣኦታታ ኸባድሞም እየ። ቍስላ ዘይሐዊ እዩ፣ ክሳዕ ይሁዳ መጺኡ፣ ክሳዕ ኣብ ደገ ህዝበይ፣ ክሳዕ የሩሳሌም በጺሑ እዩ እሞ፣ ስለዚ እበክን ዋይዋይ እብልን፣ ተቐንጢጠን ጥራየይ ኰይነን እኽይድ፣ ከም ወካርያ እበኪ፣ ከም ሰገን ከኣ ደሃይ ሓዘን ኤድሂ አሎኹ። ኣብ ጋት ኣይተውርይዎ፣ ብኽያት ኣይትብከዩ፣ ኣብ ቤት ኣፍራ ኣብ ሓመድ ጠቀላዕላዕ በልኩ። ኣቲ ብነውራም ዕርቃን ኣብ ሳፊር እትንበሪ፣ ሕለፊ፣ እታ ኣብ ጾኣናን እትነብር ኣይትወጽእን፣ ብኽያት ቤት-ኤጽል ስፍራኡ ኣሕደገኩም። መዓት ካብ እግዚኣብሄር ክሳዕ ደገ የሩሳሌም ወሪዱ እዩ እሞ፣ እታ ኣብ ማሮት እትነብር ስለ እቲ ሰናይ ትሐዝን አላ። ኣቲ ኣብ ላኪሽ እትነብሪ፡ ነቶም ኣፍራስ ኣብ ሰረገላ ጽመድዮም። በደል እስራኤል ኣባኺ ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ንሳ ንጓል ጽዮን መጀመርታ ሓጢኣት ኰነታ። ስለዚ ንሞሬሽት-ጋት ናይ ምስንባት ህያብ ሀቦ፣ ኣባይቲ ኣኽዚብ ንነገስታት እስራኤል ጠባሪ ኪኸውን እዩ። ኣቲ ኣብ ማሬሻ እትነብሪ፣ እቲ ዚወርሰኪ ኸምጽኣልኩ እየ፣ ክብሪ እስራኤል ክሳዕ ኣዱላም ኪመጽእ እዩ። ንሳቶም ካባኺ ተማሪኾም ከይዶም እዮም እሞ፣ ስለቶም ደቂ ሓጐስኪ ጸጕርኺ ንጸዪ፣ ርእስኪ ላጽዪ፣ ነቲ ንዃዕኪ ኸም ንስሪ ኣግፍሕዮ።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።
Translation | Contextነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡ ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም።
Translation | Contextንሳቶም ልቦም ምስ ተሐጐሰ፡ እንሆ፡ ሰባት እታ ኸተማ፡ ደቂ ብልያል፡ ነታ ቤት ኣኽቢቦም፡ ነቲ ማዕጾ ገርማዕማዕ ኣበልዎ፡ ነቲ ኣረጊት ሰብኣይ በዓል ቤት ድማ፡ ነዚ ኣብ ቤትካ አትዩ ዘሎ ሰብኣይ ክንፈልጦስ፡ ኣውጽኣዮ፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
Translation | Context እቲ ዝተረፈ ናይ ዮሳፋጥ ነገርን እቲ ዝገበሮ መንፍዓቱን እቲ እተዋግኦን ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
Translation |
Context
ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡ ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም። ስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፡ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ።
Translation | Context