Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ሓድሽ ልቢ ድማ ክህበኩም፣ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ከሕድረልኩም፣ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውጽእ፣ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ።
Translation | Contextብትእዛዛተይ ምእንቲ ኺመላለሱ፣ ንፍርደይ ከኣ ኺሕልዉን ኪገብርዎን፣ ሓደ ልቢ፣ ኽህቦም፣ ሓድሽ መንፈስ ድማ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድረልኩም እየ። ካብ ስጋኦም ናይ እምኒ ልቢ ኸውጽእ፡ ናይ ስጋ ልቢውን ክህቦም እየ። ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡንስ፡ ልቢ ኽህቦም እየ፡ ብምሉእ ልቦም ናባይ ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
Translation | Contextድማ ኢሳይያስ ከም ብሓድሽ፥ በዒንቶም ከይርእዩ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱን ኣነ ኸኣ ከይምሕሮምሲ፡ ኣዒንቶም ኣዖረ ልቦምውን ኣትረረ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ስለዚ ምእማን ሰኣኑ።
Translation | Contextልቢ ኻብ ኲሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ፡ መንከ የስተውዕሎ፧
Translation | Contextካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ምስክር ሓሶት፡ ጸርፊ ይወጽእ እዩ እሞ፡
Translation | Contextእግዚኣብሄር ከኣ፡ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረአየ።
Translation | Contextእምብኣርስኸ ንዝደለዮ ይምሕሮ፡ ንዝደለዮውን የትርሮ እዩ።
Translation | Contextከምቲ ግብጻውያንን ፈርኦንን ልቦም ዘትረሩ፡ ስለምንታይ ልብኹም ተትርሩ አሎኹም፧ ኣባታቶም ሓይሊ ምስ ገበረ ደይኰኑን ይኺዱ ዝሐደግዎም፡ ንሳቶም ድማ ዝኸዱ፧
Translation | Contextቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ ብሕልሚ፡ ኣነውን እዚ ብጽጹይ ልብኻ ከም ዝገበርካዮ፡ ፈሊጠ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድመይ ሓጢኣት ከይትገብር ከልከልኩኻ። ስለዚ ኽትትንክያ ኣይፈቐድኩልካን።
Translation | Contextንሳቶም ከኣ፡ ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡ በልዎ።
Translation | Contextኣነ ግና፡ ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ።
Translation | Contextግናኸ ሓይለይ ከርእየካ፡ ስመይ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኺውረ፡ ብእኡ ምኽንያት ኣንበርኩኻ።
Translation | Contextእምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡
Translation | Contextኣነ ግና ንልቢ ፈርኦን ከጽንዖ እየ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ድማ ትእምርትታተይን ተኣምራተይን ኸብዝሖ እየ።
Translation | Contextእቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን፡ ብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ፡ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ፡ ኬስተውዕሎ ኣይከኣሎን እዩ።
Translation | Context