Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።
Translation | Contextኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያን፡ ባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና።
Translation | Contextግናኸ መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎትውን ንቕሑ። ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀልኹም። ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ። ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። ዚነግር እንተ ዀነ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይንገር፡ ዜገልግል እንተ ዀነውን፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል። ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ይዀኖ። ኣሜን።
Translation | Contextበቲ ዘመን እቲ ብዘይ ክርስቶስ ከም ዝነብርኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ ኺዳን ተስፋውን ኣጋይሽ፡ ትጽቢት ዜብሎም፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ከም ዝነበርኩም ዘክሩ። ሕጂ ግና፡ ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ የሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም። ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ እሞ፡ ብርእሱ ዕርቂ እናገበረ፡ ካብዞም ክልተ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺፈጥር፡ ነቲ ጽልኢ፡ ንሱ ኸኣ ሕጊ ትእዛዝ ብስርዓት፡ ብስጋኡ ስዒሩ፡ ብመስቀሉውን ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ፡ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም። ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለ ዘሎና ኸኣ፡ ንኣኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፡ ነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም። እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይስን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩምን።
Translation | Contextንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ፡ ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።
Translation | Contextገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
Translation | Contextንሕና ንኣምላኽ ብመንፈስ እነገልግሎ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ተመኪሕናውን ብስጋ ዘይንእመን ግዝረት ንሕና ኢና፡
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Contextጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
Translation | Contextኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ ናባይ ኪመጽእ እዩ፡ ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከቶ ንወጻኢ ኣይድርብዮን እየ።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።
Translation | Contextኪቃወመኒ ኢሉ እኳ ሰራዊት እንተ ዚሰፍር፣ ልበይ ኣይፈርህን እዩ፣ ኵናትውን እንተ ዚለዐለኒ፣ እምነት አሎኒ።
Translation | Context