Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

1 bible verses about

song of the sea


ዘጸአት 15:1-27 | 3 Helpful votes

ሽዑ ሙሴን ደቂ እስራኤልን እዚ መዝሙር እዚ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሎም ዘመሩሉ፡ ንሱ ኣዝዩ ክብ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር እዝምር አሎኹ። ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮምእግዚኣብሄር ሓይለይን መዝሙረይን እዩ፡ ምድሓን ከኣ ኰነኒ። እዚ ኣምላኸይ እዩ እሞ፡ ከክብሮ እየ። ኣምላኽ ኣቦይ እዩ፡ ክብ ከብሎ እየ። እግዚኣብሄር ተዋጋኢ እዩ፡ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ። ንሰረገላታት ፈርኦንን ሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርበዮም፡ እቶም ሕሩያት ሓለቓታቱ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ጠሐሉመዓሙቕ ከደኖምከም እምኒ ናብ ታሕቲ ወረዱጐይታይየማነይትኻ ብሓይላ ኸበረትጐይታይየማነይትኻ ንጸላኢ ቐጥቀጠቶብዕቤት ግርማኻ ንዝተንስኡካ ጨፍለቕካዮምቍጥዓኻ ስደድካ፡ ከም ሓሰር በልዓቶምብትንፋስ ኣፍንጫኻ ማያት ተዀመሩወሓዝቲ ከኣ ከም ኵምራ ደው በሉ፡ ማያት መዓሙቕ ድማ ኣብ ማእከል ባሕሪ ረግኡ። እቲ ጻላኢ ኸኣ፤ ገስጊሰ ኸርክቦም እየ፡ ምርኮ ኽመቅል እየ። ነፍሰይ ከኣ ብእኦም ትጸግብሴፈይ እመልሕኢደይ ድማ ተጥፍኦምበለብንፋስካ ኣንፈስካባሕሪ ድማ ኣጐልበቦም። ከም ዓረር ኣብ ብርቱዕ ማያት ጠሐሉ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን እዩብምስጋና እተፈራህካገባር ተኣምራትብቕድስናኸ ኸማኻ ዝኸበረ መን እዩ፧ የማነይትኻ ዘርጋሕካምድሪ ወሐጠቶምነቲ እተበጆኻዮ ህዝቢ ብምሕረትካ መራሕካብሓይልኻ ናብ ቅዱስ ማሕደርካ መራሕካዮምህዝብታት ሰሚዖም ተምበድበዱ፡ ኣብ ፍልስጥኤም ዚነብሩ ጭንቀት ሐዞምሽዑ ሓላቑ ኤዶም ተሸበሩ፡ ነቶም ሓያላት ሞኣብ ራዕዲ ሐዞም። ኣብ ከነኣን ዚነብሩ ዅሎም መኸኹዎ እግዚኣብሄርህዝብኻ ኽሳዕ ዚሐልፍ፡ እቲ ዘጥሬኻዮ ህዝቢ ኽሳዕ ዝሐልፍስምባድን ፍርሃትን ወደቖምብሓይሊ ቕልጽምካ ኸኣ ከም እምኒ ትም ይብሉ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ናብታ ንማሕደርካ ዝገበርካያ ቦታጐይታይ፡ ናብቲ ኣእዳውካ ዘዳለዋኦ መቕደስ፡ ኣብ ከረን ርስትኻ ተእትዎምን ትተክሎምንእግዚኣብሄር ንወትርግ፡ ንዘለኣለም ይነግስኣፍራስ ፈርኦን ምስ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ናብ ባሕሪ ኣተወእግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማያት ባሕሪ ናብ ልዕሊኦም መለሶደቂ እስራኤል ግና ብማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ሐለፉነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደትኵለን ኣንስቲ ድማ ብከበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ወጻሚርያም ከኣ መለሰትሎም፤ ንሱ ኣዝዩ ክብ ዝበለ እዩ፡ ንፈረስን ንፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉሙሴ ድማ ንእስራኤል ካብ ባሕሪ ኤርትራ ኣንቀሎም፡ ናብ በረኻ ሹር ወጹሰለስተ መዓልቲ ኣብ በረኻ ከዱማይ ከኣ ኣይረኸቡን። ናብ ማራ ድማ መጹማይ ማራ መሪር ነበረ እሞ፡ ኪሰትይዎ ኣይከኣሉን። ብዛዕባዚ ስማ ማራ ተባህለት። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሙሴእንታይ ክንሰቲ ኢናኢሎም ኣጕረምረሙሉ። ንሱ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለእግዚኣብሄር ድማ ሓንቲ ኦም ኣርኣዮናብቲ ማይ ደርበያ፡ እቲ ማይ ከኣ መቀረኣብኡ ሕግን ስርዓትን ገበረሎም፡ ኣብኡ ኸኣ ፈተኖምበለ ድማ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እቲ ኣብ ዓይኑ ቕኑዕ ዝዀነ ኸኣ እንተ ገበርካ፡ ንትእዛዛቱውን ጽን እንተ በልካ፡ ኵሉ ሕጋጋቱ ድማ እንተ ሐሎኻኣነ እግዚኣብሄር ፈዋሲኻ እየ እሞ፡ እቲ ናብ ግብጻውያን ዝሰደድክዎ ሕማም ኣይሰደልካን እየ። ናብ ኤሊም ድማ መጹ፡ ኣብኣ ዓሰርተው ክልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ። ኣብኡ ኸኣ ኣብ ጥቓ ማይ ሰፈሩ

Translation | Context