Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

soothsayers


ዘዳግም 18:9-12 | 8 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚመናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:31 | 7 Helpful votes

ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 5 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ

Translation | Context
ኢሳይያስ 47:13-15 | 4 Helpful votes

ብብዝሒ ምኽርታትኪ ደኸምኪ፡ እቶም ፈለጥቲ ትእምርቲ ሰማይን እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብትን እቶም ነቲ ኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ዚረኽበኪ ዚነግሩኽን ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ። እንሆ፡ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም፡ ሓዊ የንድዶምካብ ሓይሊ ሃልሃልታ ንነፍሶም ኣየድሕንዋን። ጓህሪ ንምስሓን ዚኸውን፡ ሓዊ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ንምባል ዚኸውን ኣይኪህሉን እዩ። ዕድል እቶም ዝጸዐርክሎም ከምዚ ኪኸውን እዩ። እቶም ካብ ንእስነትኪ ጀሚሮም መናግድትኺ ዝነበሩ መመገዶም ጸው ኪብሉ እዮምሓደ እኳ ዜድሕነኪ የልቦን

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 16:16 | 4 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ናብቲ ጸሎት ዚግበሮ ኽንከይድ ከሎና፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ንጐይተታ ኸኣ በቲ ምጥንቋላ ብዙሕ እተርብሖም ዝነበረት ግዝእቲ ተጓነፈትና

Translation | Context
ዳንኤል 2:27-28 | 4 Helpful votes

ዳንኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ ነዛ ንጉስ ዙሐተላ ዘሎኢ ምስጢርስ እቶም ጠቡባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ፈለጥትን ንንጉስ ኪነግርዎ ኣይኽኣሉን እዮም፣ ኢለ መለሰግናኸ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ ኣምላኽ እዩ ምስጢራት ዚገልጽ፣ ንሱ ኸኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር በቲ ዳሕራይ ዘመንሲ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍለጦ። እቲ ኣብ ምድቃስካ ዝርኤኻዪ ሕልምኻን ራእያት ርእስኻን እዚ እዩ፣

Translation | Context
ዘዳግም 18:9-14 | 3 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚመናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሉእ ኩን። እቶም ንስኻ እትወርሶም ህዝብታት፡ ነቶም ብደበና ዚፈልጡን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ይሰምዑ፡ ንኣኻ ግን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ዝበለ ኣይፈቐደልካን

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:26 | 3 Helpful votes

ምስናይ ደም ገለ እኳ ኣይትብልዑኣይትጠንቊሉን ኣይተማርቱን

Translation | Context
ራእይ 21:8 | 2 Helpful votes

እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።

Translation | Context
ዘዳግም 18:9 | 2 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር።

Translation | Context
ሚክያስ 1:1-16 | 2 Helpful votes

እቲ ብዘመን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን ነገስታት ይሁዳ፣ ብዛዕባ ሰማርያን የሩሳሌምን ሚክያስ ሞረሽታይ ዝረኣዮ ናብኡ ኸኣ ዝመጾ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፣ ኣቱም ህዝብታት ኵላትኩም፣ ስምዑ፣ ኣቲ ምድሪ ምስ ምልኣትኪጽን በሊ። እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ኣንጻርኩም ይምስክር፣ እወ፣ እግዚኣብሄር ካብ ቅዱስ መቕደሱ። እንሆ፣ እግዚኣብሄር ካብ ስፍራኡ ይወጽእይወርድ፣ ኣብ በረኽቲ ምድሪ ድማ ይረግጽ እዩ እሞ፣ ከም ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ከምቲ ኣብ ጎቦ ዚውሕዝ ማያት፣ ኣክራን ኣብ ትሕቲኡ ይመኩሽንጭሮታት ከኣ ይጭደዱ። እዚ ዅሉ ብሰሪ በደል ያእቆብን ብሰሪ ሓጢኣት ቤት እስራኤልን እዩ። በደል ያእቆብ እንታይ እዩ፡ ሰማርያዶ ኣይኰነትን፡ በረኽቲ ቦታ ይሁዳ እንታይ እዩ፡ የሩሳሌምዶ ኣይኰነትን፡ ስለዚ ንሰማርያ ኸም ኵምራ እምኒ መሮርን ከም ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ክገብራ እየ። ነእማና ናብ ሽንጭሮ ኸንከራርዎንመሰረታ ኸኣ ክቐሎኦ እየ። እቲ ቕሩጽ ምስልታት ዅሉ ኺሰባብሮ፡ እቲ ዋጋ ምንዝርናኣ ዅሉ ብሓዊ ኺሐርር እዩ። ብዋጋ ምንዝርና ኣኪባቶምመሊሶም ድማ ዋጋ ምንዝርና ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ኣነ ንዅላቶም ጣኦታታ ኸባድሞም እየ። ቍስላ ዘይሐዊ እዩ፣ ክሳዕ ይሁዳ መጺኡ፣ ክሳዕ ኣብ ደገ ህዝበይ፣ ክሳዕ የሩሳሌም በጺሑ እዩ እሞ፣ ስለዚ እበክን ዋይዋይ እብልን፣ ተቐንጢጠን ጥራየይ ኰይነን እኽይድ፣ ከም ወካርያ እበኪ፣ ከም ሰገን ከኣ ደሃይ ሓዘን ኤድሂ አሎኹ። ኣብ ጋት ኣይተውርይዎብኽያት ኣይትብከዩ፣ ኣብ ቤት ኣፍራ ኣብ ሓመድ ጠቀላዕላዕ በልኩ። ኣቲ ብነውራም ዕርቃን ኣብ ሳፊር እትንበሪሕለፊ፣ እታ ኣብ ጾኣናን እትነብር ኣይትወጽእንብኽያት ቤት-ኤጽል ስፍራኡ ኣሕደገኩም። መዓት ካብ እግዚኣብሄር ክሳዕ ደገ የሩሳሌም ወሪዱ እዩ እሞ፣ እታ ኣብ ማሮት እትነብር ስለ እቲ ሰናይ ትሐዝን አላ። ኣቲ ኣብ ላኪሽ እትነብሪ፡ ነቶም ኣፍራስ ኣብ ሰረገላ ጽመድዮምበደል እስራኤል ኣባኺ ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ንሳ ንጓል ጽዮን መጀመርታ ሓጢኣት ኰነታ። ስለዚ ንሞሬሽት-ጋት ናይ ምስንባት ህያብ ሀቦኣባይቲ ኣኽዚብ ንነገስታት እስራኤል ጠባሪ ኪኸውን እዩ። ኣቲ ኣብ ማሬሻ እትነብሪ፣ እቲ ዚወርሰኪ ኸምጽኣልኩ እየ፣ ክብሪ እስራኤል ክሳዕ ኣዱላም ኪመጽእ እዩ። ንሳቶም ካባኺ ተማሪኾም ከይዶም እዮም እሞ፣ ስለቶም ደቂ ሓጐስኪ ጸጕርኺ ንጸዪ፣ ርእስኪ ላጽዪ፣ ነቲ ንዃዕኪ ኸም ንስሪ ኣግፍሕዮ

Translation | Context
ራእይ 9:21 | 2 Helpful votes

ካብ ነፍሲ ምቕታሎምወይስ ካብ ኣስማቶምወይስ ካብ ምንዝርናኦምወይስ ካብ ስርቆም ኣይተነስሑን

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 11:14 | 2 Helpful votes

ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 10:13 | 2 Helpful votes

ሳኦል ከኣ ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላውን ነታ ጠንቋሊት ምኽሪ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ብዝበደሎ በደል ሞተ

Translation | Context