Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
Translation | Contextንጠንቋሊት ብህይወት ኣይትሕደጋ።
Translation | Contextእቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextነቶም ብሕሽዂሽዂን ብሰላሕ ላሕን ዚዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ፡ እንተ በሉኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ ህዝቢዶ ንኣምላኹ ኣይሐትትን፡ ብዛዕባ ህያዋንሲ ንምውታትዶ ይሐትት እዩ፧ ኢልኩም ምለሱሎም።
Translation | Contextሰብኣይ ወይ ሰበይቲ መንፈስ ጥንቈላ እንተለዎ፡ ወይ መውደቕ ዛዕጐል እንተ ዀነ፡ ሞት ይሙት፡ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።
Translation | Contextናብቶም መናፍስቲ ጥንቈላ ዘለውዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ብምንዝርና ኽትስዕቦም ኢላ እትምለስ ነፍሲ፡ ኣነ ገጸይ ናብታ ነፍሲ እቲኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ መንጎ ህዝባ ኸኣ ክምንቊሳ እየ።
Translation | Contextንሱ ኣብ ወዲ ሂኖም ንደቁ ብሓዊ ኣሕለፎም፡ ብደበና ብተመን ገይሩ ድማ ይፈልጥ ነበረ፡ ኣስማት ይገብርን ይጥንቊልን ነበረ፡ መንፈስ ጠንቈላ ዘለዎምን መውደቕቲ ዛዕጐልን ድማ ኣከበ፡ ምእንቲ ኬዀርዮ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፉእ ገበረ።
Translation | Contextስምኦን ዚብሀል ጠንቋሊ ሰብኣይ ግና ካብ ቀደም ሒዙ ኣብታ ኸተማ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ዓብዪ እየ ብምባሉ ንህዝቢ ሰማርያ የስተንክሮም ነበረ።
Translation | Contextእቶም ዚጠፍኡስ ንምድሓኖም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ፡ ንኣታቶም ናይ እዚ ኣመጻጽኣ ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ፡ ብዅሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ስይጣን እዩ ዚኸውን።
Translation | Contextሳኦል ከኣ ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላውን ነታ ጠንቋሊት ምኽሪ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ብዝበደሎ በደል ሞተ።
Translation | Contextኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡
Translation | Contextእቶም እግዚኣብሄር ከይለኣኾምሲ፣ እግዚኣብሄር ይብል አሎ፣ ኢሎም ቃሎም ከም ዚፍጸም ዘተስፍዉ፣ ከንቱነትን ትንቢት ሓሶትን እዮም ዝረኣዩ። ኣነ ኸይተዛረብኩስ ንስኻትኩም፡ እግዚኣብሄር ይብል አሎ፡ እትብሉ ዘሎኹም፡ ከንቱ ራእይዶ ኣይኮነን ዝርኤኹምዎ፡ ትንቢት ሓሶትዶኸ ኣይኰነን እተዛረብኩምዎ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ከንቱነት ስለ እተዛረብኩም ሓሶትውን ስለ ዝርኤኹም፣ ስለዚ እኔኹ ተሀንዲደኩም አሎኹ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኢደይ ከኣ ነቶም ከንቱነት ዚርእዩን ሓሶት ዚንበዩን ዘለዉ ነብያት ተጻሪራቶም አላ። ንሳቶም ኣብ ባይቶ ህዝበይ ኣይኪህልዉን፣ ኣብ ደብተር ቤት እስራኤል ድማ ኣይኪጸሐፉን፣ ናብ ሃገር እስራኤል ከኣ ኣይኪኣትዉን እዮም፣ ንስኻትኩም ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
Translation | Contextዕልወትሲ ሓጢኣት ጥንቍልና እዩ፡ ህልኽ ከኣ ምምላኽ ጣኦትን ትራፊምን እዩ። ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዐቕካዮ፡ ንሱ ኸኣ ከይትነግስ ነዐቐካ፡ በለ።
Translation | Contextመንፈስ ግብጺ ኣብ ውሽጡ ጥራዩ ኪኸውን እዩ፡ ንምኽሩ ድማ ከንቱ ኽገብሮ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ንጣኦታትን ነስማተኛታትን ንጠንቈልትን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ኪሐቱ እዮም።
Translation | Contextዳንኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ ነዛ ንጉስ ዙሐተላ ዘሎኢ ምስጢርስ እቶም ጠቡባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ፈለጥትን ንንጉስ ኪነግርዎ ኣይኽኣሉን እዮም፣ ኢለ መለሰ።
Translation | Contextካብ ኢድካ ኣስማትነት ከጥፍእ እየ፣ ጠንቈልቲ ኸኣ ኣይኪህልዉካን እዮም።
Translation | Context