Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

sowing seeds


2ይ ቈረንቶስ 9:6 | 11 Helpful votes

ግናኸ እዚ እብል አሎኹ፡ እቲ ቈጢቡ ዚዘርእ ቈጢቡ ይዓጽድ፡ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዓጽድ

Translation | Context
ገላትያ 6:7 | 6 Helpful votes

ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዓጽዶ እዩ እሞ፡ ኣይትጠበሩኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 11:24-25 | 6 Helpful votes

ገለ ይብትን እሞ ይውሰኸሉ። ገለ ኸኣ ብዘይግባእ ይቝጥብ፡ ኣዝዩ ኸኣ ይነዲለጋስ ነፍሲ ኣዝያ ትጸግብ፡ እቲ ዜርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ

Translation | Context
መክብብ 11:6 | 6 Helpful votes

ኣየናዩ ኸም ዚበቁል፡ እዚ ወይ እቲ ወይስ ክልቲኦም ሓቢሮም እንተ ጸበቑኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእንምሸትውን ኢድካ ኣይተብኩር

Translation | Context
ሉቃስ 8:15 | 5 Helpful votes

እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ድማ፡ ነቲ ቓል ሰሚዖምሲ፡ ኣብ ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዚዓቝርዎብትዕግስቲውን ፍረ ዚፈርዩ እዮም

Translation | Context
ሉቃስ 8:11 | 4 Helpful votes

እቲ ምስላኡ እዚ እዩ፥ እቲ ዘርኢ ቃል ኣምላኽ እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 26:12 | 4 Helpful votes

ይስሃቅ ድማ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ዘርኤበታ ዓመት እቲኣ፡ ኸኣ ሚእቲ ኻዕበት ረኸበእግዚኣብሄር ድማ ባረኾ

Translation | Context
ማቴዎስ 13:1-58 | 3 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ የሱስ ካብ ቤት ወጺኡ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተአከበ፡ ናብ ጃልባ ኣትይ ኽሳዕ ዚቕመጥ ከኣ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ኢሉ ነበረ። ብምስላታት ድማ ብዙሕ ነገሮም፡ ከምዚ እናበለእንሆዘራኢ ኺዘርእ ወፈረኪዘርእ ከሎ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐኣዕዋፍ መጺኤን ድማ በልዓኦገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዜብሉ ኸውሒ ወደቐዓሚቝ ሓመድ ስለ ዜብሉ ድማ፡ ቀልጢፉ በቘለጸሓይ ምስ በረቐትሀጐጐሱር ስለ ዜብሉ ድማ ነቐጸገሊኡ ኣብ እሾኽ ወደቐ። እቲ እሾዂ ድማ ዐበየ ሐነቖውንገሊኡ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ድማ ሰላሳ ፈረየእትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐሪቦምስለምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረብ ዘሎኻ፧ በልዎመሊሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኽእትኩም ተውሂቡ አሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን። ንዘለዎ ይውሀቦ እዩ እሞ፡ ኣዝዩውን ይውስኾ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ እዮም። እናረአዩስ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፡ ኣይሰተውዕሉን እዮም እሞ ስለዚ ብምስላ እዛረቦም አሎኹ። ትንቢት ኢሳይያስ ኣባታቶም ይፍጸም፡ ከምዚ ዚብልበእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዐመቱብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ፡ ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝብዚ ረጕድ እዩ እሞ፡ ምስማዕሲ ትሰምዑ፡ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ፡ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም። ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዑ ውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያኣእዛንኩም ውን ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ብጹኣት እየን። እምበኣርሲ ንስኻትኩም ምስላ ዘራኢ ስምዑቃል መንግስቲ ሰሚዑስ ዘየስተውዕሎ ዅሉ፡ እቲ ኽፉእ ይመጽእ እሞ ነቲ ኣብ ልቡ እተዘርኤ ይምንጥሎ፡ እቲ ኣብ ጥቓ መገዲ እተዘርኤ እዚ እዩ። እቲ ኣብ ከውሒ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑ ብኡብኡ ብሓጐስ ዚቕበሎ እዩ። ንሽዑ ጥራይ እዩ እምበር፡ ሱር ግና የብሉን። ስለቲ ቓል መከራ ወይ ስደት ምስ ኰነብኡብኡ ይዕንቀፍ። እቲ ኣብ እሾኽ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ዚሰምዖ እዩጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ግና ነቲ ቓል ይሐንቆከይፈረየውን ይተርፍ። እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑስ ዜስተውዕሎ እዩ፡ ንሱ ፍረ ይፈሪገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ሰላሳ ይእቶ። ካልእ ምስላ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርኤ ሰብ እያ እትመስል። እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢ መጸ፡ ኣብቲ ማእከል ስርናይ ድማ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደቈጽሉ ምስ ፈርዔን ፍረ ምስ ፈረየን ድማ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተራእየ። ነቲ ብዓል ቤት ግዙኣቱ መጺኦምጐይታይ፡ ኣብ ግራትካስ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፧ እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ ነዝስ ጸላኢ እዩ ዝገበሮበሎም። እቶም ግዙኣቱ ድማ፡ ኬድና ኽንኣርዮዶ ትፈቱ ኢኻ፧ በልዎ። ንሱ በሎምኣይፋልኩምንክርዳድ ክትኣርዩ ኸሎኹምሲ፡ ምስኡ ስርናይ ከይትምሕዉክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም። ብጊዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶቅድም ነቲ ኽርዳድእረይዎኪነድድ ድማ በብንዳእቲ እሰርዎ፡ ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎይ ኣክብዎክብሎም እየ። ካልእ ምስላ ከምዚ ኢሉ መሰለሎም፡ መንግስተ ሰማያትሰብ ወሲዱ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። ንሳ ኸኣ ካብ ኵሉ ኻልእ ኣዝርእቲ ትንእስ፡ ምስ በቘሎት ግና፡ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺኤን ኣብ ጨንፈራ ኽሳዕ ዚዐርፉ፡ ካብ ኵሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ እትዐቢ ኦም ትኸውንካልእ ምስላውን ነገሮምመንግስተ ሰማያትሰበይቲ ወሲዳኵሉ ኽሳዕ ዚበኵዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ ትመስልየሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ እቲ ብነብዪኣፈይ ብምስላ እኸፍት፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ተሐቢኡ ዝነብረ እነግርተብሂሉ ዘሎ ምእንቲ ኸፍጸም ኢሉእዚ ዅሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፡ ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን። ሽዑ ነቲ ኣኼባ ሐዲጉ፡ ናብ ቤት ኣተወደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦምምስላ ኽርዳድ ናይታ ግራት ተርጕመልናበልዎመሊሱ በሎም፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእወዲ ሰብ እዩ። እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ እዮም፡ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ ኽፉእ እዮም። እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ፡ እቲ ቐውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እዩ፡ እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ እዮም። ክርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ኸም ዚነድድብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ወዲ ሰብ መላእኽቱ ኺልእኽ እዩ፡ ንሳቶም ከኣ መዓንቀፍትን ዓመጽትን ንዘበሉ ዅሎም ካብ መንግስቱ ኺእክብዎም፡ ኣብ እቶን ሓዊ ኸኣ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራት እተሐብኤ እሞ ሰብ ረኺቡ ዝሐብኦ መዝገብ ትመስልብታሕጓስ ከይዱስዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ነታ ግራት እቲኣ ዐደጋ። ድማ መንግስተ ሰማያት ጽብቕቲ ዕንቍ ዚደሊ ነጋዳይ ትመስልሓንቲ ኽብርቲ ዕንቍ ምስ ረኸበከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸጠ እሞ ዐደጋ። ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ባሕሪ እተደርበየት እሞ ካብ ኵሉ ዓሳ ዝኣከበት መርበብ ትመስል። ምስ መልኤት፡ ናብ ደንደስ ኣውጽእዋተቐሚጦም ድማ፡ ጸጽቡቑ ኣብ ኣቓሑኦም ኣከቡ፡ ነቲ ኸኽፉኡ ግና ንወጻኢ ደርበይዎብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ መላእኸቲ መጺኦም ነቶም ክፉኣት ካብ ማእከል ጻድቃን ኪፈልይዎም፡ ናብ እቶን ሓዊ ድማ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። ነዚ ዅሉስ ኣስተውዒልኩምዎዶ አሎኹም፧ ንሳቶም ድማ፡ እወ በልዎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ስለዚ ንመንግስተ ሰማያት ኢሉ እተማህረ ዅሉ ጸሓፊ ኻብ መዝገብ ሓድሽን ብሉይን ዜውጽእ ብዓል ቤት ይመስልበሎም። ኰነ ድማ፡ የሱስ እዘን ምስላታት እዚኤን ምስ ወድኤካብኣ ነቐለ። ናብ ዓዱ መጺኡ ኸኣ፡ እዚ ጥበብዚእዚ ሓይሊ እዚኸ ኻበይ ረኸቦ፡ እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነንኣዲኡስ ማርያም እትበሀል ደይኰነትንኣሕዋቱስ ያእቆብዮሴፍስምኦንይሁዳ ደይኰኑን፧ ኣሓቱ ዅላተንሲ ምሳናዶ ኣየለዋን፧ እዚ ዅሉ ደኣ ኻበይ ተዋህቦ፧ ኢሎም ክሳዕ ዚግረሙ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሀሮም። ብእኡ ኸኣ ተዐንቀፉየሱስ ድማ፡ ነብዪ ብዘይ ኣብ ዓዱን ኣብ ቤቱን ኣይንዐቕን እዩ፡ በሎም። ብሰሪ ዘይምእማኖም ከኣ ኣብኡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበረን።

Translation | Context
ሉቃስ 8:5 | 3 Helpful votes

ዘራኢ ዘርኡ ኺዘርእ ወፈረኪዘርእ ከሎ ድማ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐተረግጸ ኣዕዋፍ ሰማይውን በልዓኦ

Translation | Context
ገላትያ 6:8 | 3 Helpful votes

እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዓጽድ እዩ፡ እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዓጽድ እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 28:1-14 | 3 Helpful votes

ኪኸውን ድማ እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ተጠንቂቕካ እንተ ገበርካዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ኽብ ኬብለካ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ እዚ ዅሉ በረኸት ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ። ንስኻ ኣብ ከተማ ብሩኽ ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮር ድማ ብሩክ ትኸውን። ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርካን ፍረ ማልካን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ከኣ ብሩክ ይኸውን። መሶብካን መልወሲካን ብሩኽ ይኸውን። ንስካ ኣብ ምእታውካ ብሩክ ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ብሩኽ ትኸውን። ነቶም ዚልዐሉኻ ጸላእትኻእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኻ ተሰዐርቲ ይገብሮም፡ ብሓንቲ መገዲ ይወጹኻካብ ቅድሜካ ድማ ብሾብዓተ መገዲ ይሀድሙእግዚኣብሄር ኣብ ቆፎኻን ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካን በረኸት ይእዝዘልካ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ድማ ኪባርከካ እዩ። ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሐሎኻ፡ ብመገዱውን እንተ ኸድካስ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ዝመሐለልካ ንእኡ እተቐደሰ ህዝቢ ገይሩ ኼቚመካ እዩ። ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ፡ ብስም እግዚኣብሄር ከም እተጸዋዕካ ይርእዩ እሞ፡ ይፈርሁኻ። ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኺህበካነቦታትካ ዝመሐለሎም ምድሪ ኣብ ፍረ ኸርስኻን ኣብ ፍረ ማልካን ኣብ ፍረ ምድርካን እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ኬብዝሓካ እዩ። ዝናም ምድርኻ ብጊዜኡ ምእንቲ ኺህብ እሞ፡ ኵሉ ተግባር ኢድካ ድማ ኪባርኸእግዚኣብሄር እቲ ጽቡቕ መዝገቡሰማይኪኸፍተልካ እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ከተለቅሕ ኢካ፡ ንስኻ ግና ገለ እኳ ኣይትልቃሕን ኢኻ። ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሕልዎን ክትገብሮን እንተ ሰማዕካዮ፡ ካብዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም እንተ ዘየግለስካንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሎም ደድሕሪኦም እንተ ዘይሰዐብካ ድማ፡ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብረካንብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 8:22 | 3 Helpful votes

ምድሪ ኽሳዕ ዘላዘርእን ዓጺድንዛሕልን ዋዕንሓጋይን ክረምትንመዓልትን ለይትን ኣየቋርጽን እዩ፡ በለ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 9:10 | 2 Helpful votes

ግናኸ እቲ ንዘራኢዘርእን ምግቢ ዚኸውን እንጌራ ዚዕድል፡ ንሱ ዘርእኹም ኪዕድለኩምን ኬበርክተልኩምንንፍረ ጽድቕኹምውን ኬብቍሎን እዩ፡

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 9:12 | 2 Helpful votes

እቲ ኣገልግሎት እዚ ግብሪ እዚ ብብዙሕ ምስጋና ንኣምላኽ ጸብለል ይብል እምበር፡ ጐደሎ እቶም ቅዱሳን ጥራይ ኣይኰነን ዚምልእ

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:11 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ፥ እታ ምድሪ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ብቑልንዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ፡ ፍረ ከከም ዓይነቱ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኦም ተውጽእበለከምኡ ድማ ዀነ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 20:35 | 2 Helpful votes

ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽዝበሎ ቓል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእብዂሉ ኣርኤኹኹም

Translation | Context
ዘፍጥረት 26:12-13 | 2 Helpful votes

ይስሃቅ ድማ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ዘርኤበታ ዓመት እቲኣ፡ ኸኣ ሚእቲ ኻዕበት ረኸበእግዚኣብሄር ድማ ባረኾ። እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ዐበየኣዝዩ ኽሳዕ ዚዐዝዝ ድማ እናወሰኸ ኸደ

Translation | Context
ዮሃንስ 12:24 | 2 Helpful votes

ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወደቐትን ዘይሞተትን በይና እያ እትነብርእንተ ሞተት ግናብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ

Translation | Context