Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

speech


ኤፌሶን 4:29 | 10 Helpful votes

እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውንንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ

Translation | Context
መዝሙር 141:3 | 7 Helpful votes

ጐይታየንኣፈይ ቀፊር ግበረሉደገ ኸናፍረይ ሐሉ

Translation | Context
መዝሙር 19:14 | 7 Helpful votes

እግዚኣብሄርከውሔይን መድሓንየይንቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን።

Translation | Context
መዝሙር 49:3 | 5 Helpful votes

ኣፈይ ጥበብ ይዛረብሓሳብ ልበይ ከኣ ናይ ምስትውዓል እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 8:13 | 4 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ንኽፍኣት ምጽላእ እዩ፡ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን ክፉእ ኣካይዳን ቄናን ኣፍን እጸልእ እየ

Translation | Context
ምሳሌ 18:13 | 3 Helpful votes

ከይሰምዔ ምላሽ ዚህብ ሰብ ዕሽነትን ነውርን ይቝጸሮ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:19 | 3 Helpful votes

ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍንምዝራብ ደንጓዪ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን።

Translation | Context
ያእቆብ 3:2-10 | 3 Helpful votes

ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ፡ ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጕም ዚከአሎ፡ ብቑዕ ሰብኣይ እዩ። እንሆ፡ ኣብ ኣፍ ኣፍራስ፡ ምእንቲ ክእዘዙና ኢልና፡ ልጓም ንገብረሎም አሎና፡ ንብዘሎ ስጋኦምውን ብእኡ ኢና እነቕንዖእንሆመራኽብ ድማ፡ ክንድዚ ዓበይቲ ኽነሰንሲብብርቱዕ ንፋስ እናተኸብከባ ናብቲ ፍቓድ መራሒ ዚደልዮ ብንእሽቶ ስካን እየን ዝቃንዓከምኡ ድማ ልሳን ንእሽቶ ኣካል እያ እሞ፡ ብዓብዪ ነገር ትምካሕእንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድልሳንውን ሓዊ እያ፡ ዓለም ዓመጻ እያ። ልሳን ኣብ ማእከል ኣካላትና ሰፊራ ንብዘሎ ስጋ ተርክሶ አላ፡ ንመዘወር ንብረት ከኣ ተንድዶብገሃነምውን ዝነደደት እያ። ኵሉ ዓሌት እንስሳን ኣዕዋፍን ለመም ዚብልን እንስሳ ባሕርን ብባህርይ ሰብ ይግዛእተገዚኡውን አሎ። ግናኸ ንልሳንሲ ሓደ ሰብ እኳ ኺገዝኣ ኣይተኻእሎን፡ ንሳ ዘይተዐርፍ እክይቲዚቐትል ሕንዚ ዝመልኤት እያ። ብእኣ ጌርና ንጐይታን ነቦን ንምርቕ፡ ብእኣ ጌርናውን ነቶም ብምስሊ ኣምላኽ እተፈጥሩ ሰባት ንረግምካብ ሓደ ኣፍሲ ምርቓን መርገምን ይወጽእኣሕዋተየእዚ ኸምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 3:9-10 | 3 Helpful votes

ብእኣ ጌርና ንጐይታን ነቦን ንምርቕ፡ ብእኣ ጌርናውን ነቶም ብምስሊ ኣምላኽ እተፈጥሩ ሰባት ንረግምካብ ሓደ ኣፍሲ ምርቓን መርገምን ይወጽእኣሕዋተየእዚ ኸምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 18:21 | 3 Helpful votes

ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን መልሓስ እዩ፡ እቲ ዜፍቅራ ኸኣ ፍሬኣ ኺበልዕ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 37:30-31 | 2 Helpful votes

ኣፍ ጻድቕ ጥበብ ይዛረብልሳኑ ኸኣ ፍርዲ ይነግርሕጊ ኣምላኹ ኣብ ልቡ እዩ፣ ስጕምቱ ሰንከልከል ኣይኪብልን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 15:1 | 2 Helpful votes

ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል

Translation | Context
ምሳሌ 16:24 | 2 Helpful votes

ልኡም ዘረባ መዓር ወለላ እዩ፡ ንነፍሲ ጥዑምነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና እዩ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:17 | 2 Helpful votes

ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ

Translation | Context
መዝሙር 36:3-4 | 2 Helpful votes

ቃላት ኣፉ እከይን ጥልመትን እዩ፣ ጠቢብ ምዃንን ሰናይ ምግባርን ሐዲጉ። ኣብ ምድቃሱ ኽፍኣት ይፍሕስ፣ ኣብ ዘይጽብቕቲ መገዲ ይቐውምንእከይ ኣይጽየፎን እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 5:12 | 2 Helpful votes

ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኸይትወድቁስ፡ እቲ እዌኹም እወ፡ እቲ ኣይኰነን ዝበልኩምዎ ኸኣ ኣይኰነን ይኹን እምበር፡ ቅድሚ ዅሉ ብሰማይ፡ ወይስ ብምድሪ፡ ወይስ ብኻልእ ማሕላ ኣይትምሐሉ

Translation | Context
ኤፌሶን 4:15 | 2 Helpful votes

ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ

Translation | Context
ምሳሌ 21:23 | 2 Helpful votes

እቲ ኣፉን መልሕሱን ዚሕሉ ሰብ ንነፍሱ ኻብ ጸበባ ይሕልዋ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 18:9-10 | 2 Helpful votes

ጐይታ ኸኣ ለይቲ ብራእይ ንጳውሎስ ተራእዮ እሞ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዘሎኒ፡ ተዛረብ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኣይትበል፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ክፉእ ኪገብረካ ዚቐርበካ የልቦን፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ።

Translation | Context
ምሳሌ 15:4 | 2 Helpful votes

ልዝቢ ልሳን ከም ኦም ህይወት እያ፡ ቄናን መንፈስ ግና ንመንፈስ ትሰብሮ

Translation | Context