Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all9 bible verses about
እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ።
Translation | Contextየሱስ ድማ፥ ኣነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኺርእዩ፡ እቶም ዚርእዩ ኸኣ ኪዖሩ፡ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ንፍርዲ ዝመጻእኩ፡ በለ።
Translation | Contextእምብኣርሲ እንታይደኣ እዩ፧ ከመዮ ጽሑፍ፡ ኣዒንቶም ከይርእያ፡ ኣእዛኖምውን ከይሰምዓስ፡ ኣምላኽ ክሳዕ ሎም መዓልቲ መንፈስ ምብዕዛዝ ሀቦም፡ ዚብል ዘሎ፡ እቶም ሕሩያት ረኸቡ እሞ፡ እስራኤል ነቲ ዚደልዮ ኣይረኸቦን፡ እቶም ዝተረፉውን ተረሩ።
Translation | Contextእቲ ወንጌልና ስዉር እንተ ዀነ ኸኣ፡ ኣብቶም ዚጠፍኡ እዩ እተሰወረ። እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ።
Translation | Contextነቲ ዓይኒ ኸለዎስ ዕውር፡ እዝኒ ኸለዎስ ጸማም ዝዀነ ህዝቢ ኣውጽኣዮ፡
Translation | Contextብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዑ ውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ፡ ኣእዛንኩም ውን ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ብጹኣት እየን።
Translation | Contextእቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ። እቶም ብስጋ ዘለዉ ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይኰነሎምን እዩ።
Translation | Contextኪሐልፍ ከሎ፡ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ረአየ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ መምህር፡ ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧ ኢሎም ሐተትዎ። የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሃድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ። መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ እዩ፡ ሓደ እኳ ኺዓየላ ዘይከአሎ ለይቲ ትመጽእ አላ። ኣነ ኣብ ዓለም ከሎኹ፡ ብርሃን ዓለም እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። እዚ ኢሉ ናብ ምድሪ ጡፍ በለ፡ በቲ ጥፍጣፉውን ጸብሪ ገበረ፡ በቲ ጸብሪ ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ለኸየ እሞ፥ ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆም - ትርጓሚኡ ልኡኽ፦ ኬድካ ተሐጸብ፡ በሎ። ከይዱ ተሐጽበ፡ እናረአየውን ተመልሰ። ስለዚ እቶም ጐረባብቱን እቶም ቀደም ኪልምን ከሎ ዚርእይዎ ዝነበሩን፥ እዝስ እቲ ተቐሚጡ ዚልምን ዝነበረ ደይኰነን፧ በሉ። ገሊኦም፥ ንሱ እዩ፡ በሉ። ካልኦት ከኣ፥ ኣይኰነን፡ ንእኡ ደኣ እዩ ዚመስል፡ በሉ። ንሱ ግና ኣነባ እየ፡ በለ። ስለዚ ንሳቶም፥ ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፍታ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ እቲ የሱስ ዚብሃል ሰብኣይ፡ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ለኸዩ፥ ኪድ እሞ ናብ ሰሊሆም ተሐጸብ፡ በለኒ። ከድኩ እሞ ተሐጺበ ርኤኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። እቲ ሰብኣይ እቲኸ ኣበይ አሎ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይፈልጥን፡ በሎም። ነቲ ቕድም ዕዉር ዝነበረ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ። እታ የሱስ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንቱ ዝኸፈተላ መዓልቲ ግና ሰንበት እያ ዝነበረት። ስለዚ ፈሪሳውያን፡ ከመይ ኢሉ ኸም ዝረአየ፡ ከም ብሓድሽ ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ጽብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገበረለይ፡ ተሐጸብኩ እሞ ርኤኹ፡ በሎም። ሽዑ ኻብቶም ፈሪሳውያን ሓያሎ፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ሰንበት ካብ ዘየክብርስ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ በሉ። ካልኦት ድማ፥ ሓጥእ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸምዚ ዝበለ ተኣምራት ኪገብር ይክእል፧ በሉ። ኣብ መንጎኦም ከኣ ምፍልላይ ኰነ። ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕዉር፡ ንስኻኸ፡ ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧ በልዎ። ንሱ ድማ፥ ነብዪ እዩ፡ በለ። እቶም ኣይሁድ ግና ንወለዲ እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ኽሳዕ ዚጽውዑ፡ ዕዉር ነይሩስ ከም ዝረአየ ኣይኣመንዎን እሞ፥ እዚዶ እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኩም እዩ፧ ሕጂ ኸመይ ኢሉ ይርኢ አሎ፧ ኢሎም ሐተትዎም። እቶም ወለዱ ድማ፥ እዚ ወድና ምዃኑ ብዕዉሩውን ከም እተወልደ፡ ንፈልጥ። ሕጂ ግና ከመይ ኢሉ ኸም ዝረአየ ኣይንፈልጥን መንሲ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ኣይንፈልጥን ኢና። ንእኡ ሕተአዎ፡ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ብናይ ርእሱ ባዕሉ ይዛረብ፡ ኢሎም መለሱ። ኣይሁድ፡ ንሱ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ ንዝመስከረ ኻብ ቤት ጸሎት ኪስጕዎ ሓጊጎም ነበሩ እሞ፡ እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ እዮም እዚ ዝበሉ። ስለዚ እቶም ወለዱ፥ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ንእኡ ሕተትዎ፡ በሉ። ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ካልኣይ ሳዕ ጸዊዖም፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ሓጥእ ምዃኑ ንሕና ንፈልጥ ኢና፡ ንኣምላኽ ክብሪ ሃብ፡ በልዎ። ሽዑ ንሱ መሊሱ፥ ኣነስ ሓጥእ ምዃኑ ኣይፈልጥን። ዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕጂ እርኢ ኸም ዘሎኹን፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ፡ በሎም። ሽዑ ንሳቶም፥ እንታይከ ገበረልካ፧ ከመይ ገይሩስ ኣዒንትኻ ኸፈተልካ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ቅድሚ ሕጂ ነጊረኩም ኣይሰማዕኩምን። ንምንታይ ከም ብሓድሽ ክትሰምዑ ትደልዩ አሎኹም፧ ንስካትኩምውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኰኑ ትደልዩ አሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። ጸረፍዎ እሞ፥ ንስኻ ወደ መዝሙሩ ኢኻ፡ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና። ንሕናስ፡ ኣምላኽ ንሙሴ ኸም እተዛረቦ፡ ንፈልጥ አሎና። እዚ ግና ካበይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና፡ በልዎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፥ ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥ ኩም ዜገርም እዩ፡ ንኣይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ። ንኣምላኽ ዚፈርህ ፍቓዱውን ዚገብር እንተሎ፡ ንእኡ ይሰምዖ እምበር፡ ኣምላኽ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም ንፈልጥ ኢና። ንብዕዉሩ እተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ካብ ጥንቲ ከቶ ኣይተሰምዔን። እዚ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ፡ ገለ ኺገብር እኳ ኣይምተኻእሎን ነይሩ፡ ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ንስኻ ዅለንትናኻ ብሓጢኣት እተወለድካ ኢኻ፡ ንስኻዶ ንኣና ትምህረና አሎኻ፧ ኢሎም መለሰሉ፡ ናብ ወጻኢውን ኣውጽእዎ። የሱስ፡ ናብ ወጻኢ ኸም ዘውጽእዎ፡ ሰምዔ። ምስ ረኸቦ ኸኣ፥ ኣታ፡ ብወዲ ኣምላኽዶ ትኣምን ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ ብእኡ ኽኣምንሲ መን እዩ ንሱ፧ ኢሉ መለሰ። የሱስ ድማ፥ ርኢኻዮ፡ እዚ ምሳኻ ዚዛረብ ዘሎ ንሱ እዩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ እኣምን፡ በለ ሰገደሉውን። የሱስ ድማ፥ ኣነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኺርእዩ፡ እቶም ዚርእዩ ኸኣ ኪዖሩ፡ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ንፍርዲ ዝመጻእኩ፡ በለ። ካብቶም ምስኡ ዘለዉ ፈሪሳውያን ሓያሎ እዚ ሰሚዖም፥ ንሕናኸ ዕዉራት ምዃንና ዲና፧ በልዎ። የሱስ ድማ፥ ዕዉራት እንተ ትዀኑስ ሓጢኣት ኣይምዀነኩምን ነይሩ። ሕጂ ግና፥ ንርኢ አሎና፡ ትብሉ አሎኹም፡ ስለዚ ሓጢኣትኩም ጸኒዑ ይነብር፡ በሎም።
Translation | Contextንስኻትኩም ቀደም ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ከምቲ መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብር ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር እተመላለስኩም፡ ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምዉታት ዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም።
Translation | Context