Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
Translation | Contextብርሃንኪ መጺኡ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ እሞ፡ ተንስኢ፡ ብርሂ። እንሆ፡ ጸልማት ንምድሪ፡ ጣቓ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኺ ኺወጽእ፡ ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኺርኤ እዩ። ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ፡ ነገስታት ከኣ ናብ ጸዳል ምብራቕኪ ኺመጹ እዮም። ኣዒንትኺ ናብ ዙርያ ቛሕ ኣብሊ እሞ ጠምቲ፡ ኲሎም ተኣኪቦም ናባኺ ይመጹ ኣለው፡ ኣወዳትኪ ኻብ ርሑቕ፡ ኣዋልድኪውን ተሐቚፈን ይመጹ ኣለው። ምልኣት ባሕሪ ናባኺ ኺምለስ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ከኣ ናባኺ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ኽትርእዪ፡ ብታሕጓስ ድማ ከተንጸባርቒ ኢኺ፡ ልብኺውን ትርግርግ ኪብልን ኪርሕብን እዩ። ብዝሒ ኣግማልን ረብዓት ኣግማል ሚድያንን ኤፋን ኪለማኺ እየን፡ ኲላቶም ካብ ሳባ ኺመጹ፡ ወርቅን ዕጣንን ኬምጽኡ፡ ውዳሴ እግዚኣብሄር ከኣ ኪነግሩ እዮም። ኲላተን መጓሴታት ቄዳር ናባኺ ኺእከባ፡ ድቤላታት ኔባዩት ኬገልግሉኺ፡ ባህ ንምባለይ ናብ መሰውእየይ ኪስውኡ እዮም፡ ኣነውን ንቤት ክብረይ ከኽብሮ እየ። እዞም ከም ደበናን ከም ናብ ኣባይተን ዚነፍራ ረገቢትን ዚመጹ እንታዎት እዮም፧ ደሴታት ይጽበያኒ፡ ንሱ ኣኽቢሩኪ እዩ ኣሞ፡ ንደቅኺ ምስ ብሩሮምን ወርቆምን ናብ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ፡ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ካብ ርሑቕ ምእንቲ ኼምጽኣስ፡ መራኽብ ተርሲስ ቅድም ኪመጻ እየን። ብዂራይ ወቒዔኪ፡ ብለውሃተይ ግና ምሒረኪ እየ እሞ፡ ደቂ መጻእተኛታት ንቐጽርኺ ኺነድቅዎ፡ ነገስታቶም ከኣ ኬገልግሉኺ እዮም። እቲ ዘይግዝኣኪ ህዝብን መንግስትን ኪጠፍእ፡ እወ፡ እዞም ኣህዛብ ብጥራስ ኪጸንቱ እዮም እሞ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኼእትውልኪ፡ ነገስታቶም ድማ ተዐጅቦም ኪኣትውኽስ፡ ደጌታትኪ ዂሉ ጊዜ ኽፋት ኪኸውን፡ ለይትን መዓልትን ኣይኪዕጾን እዩ። ነቲ ስፍራ መቕደሰይ ምእንቲ ኺስልምዎ፡ ክብሪ ሊባኖስ፡ ጽሕድን ሙዝን ዝበን፡ ሐቢሮም ኪመጹኺ እዮም። ኣነውን ንስፍራ መርገጽ እግረይ ከኽብሮ እየ። ደቂ ጠቓዕትኺ እናደነኑ ናባኺ ኺመጹ፡ እቶም ዝነዐቑኺ ዂሎም ድማ ናብ ትሕቲ ኣእጋርኪ ፍግም ኪብሉ እዮም እሞ፡ ከተማ እግዚኣብሄር፡ ጽዮን ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ኢሎም ኪሰምዩኺ እዮም። ኣብ ክንዲ እቲ ሓደ እኳ ዘየግልሰኪ ሕድግትን ጽልእትን ዝነበርኪ፡ ኣነ ዘለኣለማዊ መሓበንን ንውሉድ ወለዶ ኸኣ ደስታን ክገብረኪ እየ። ጸባ ኣህዛብ ክትጠብዊ፡ ኣጥባት ነገስታት ከኣ ክትጠብዊ ኢኺ። ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኺ፡ እቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ተበጃዊኺ ምዃነይውን ክትፈልጢ ኢኺ። ኣብ ክንዲ ነሃሲ ወርቂ ኸምጽእ፡ ኣብ ክንዲ ሓጺን ብሩር፡ ኣብ ክንዲ ዕጨይቲ ኸኣ ነሃሲ፡ ኣብ ክንዲ እምኒውን ሓጺን ከምጽእ እየ። ኣሕሉቚኪ ሰላም፡ ሹማምትኺ ድማ ጽድቂ ኽገብር እየ። ድሕርዚ ዓመጽ ኣብ ምድርኺ፡ ጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ ዶብኪ ኣይኪስማዕን እዩ። ግናኸ ንቐጽርታትኪ ምድሓን፡ ንደጌታትኪ ኸኣ ምስጋና ኢልኪ ክትሰምይየን ኢኺ። እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ፡ ኣምላኽኪ ድማ ክብርኺ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ድሕርዚ ጸሓይ ብመዓልቲ ብርሃንኪ ኣይክትከውንን፡ ወርሒ ኸኣ ብምድማቓ ኣይከተብርሃልክን እያ። እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ ኪዀነልኪ፡ መዓልትታት ሓዘንኪ ኸኣ ኪውድኣ እየን እሞ፡ ድሕርዚ ጸሓይኪ ኣይክትዐርብን፡ ወርሕኺ ድማ ኣይክትጐድልን እያ። ኲሎም ህዝቢ ብዘለዉ ጻድቃን ኪዀኑ፡ ነታ ሃገር ከኣ ንዘለኣለም ኪወርስዋ እዮም፡ ንሳቶም ንኽብረይ ዚኸውን ጨንፈር ተኽለይ፡ ግብሪ ኣእዳወይ እዮም። እቲ ንእሽቶስ ሽሕ፡ እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዚ ብጊዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ።
Translation | Contextንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኲሉ ኣይኪጠቅምን እዩ፡ ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዂሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄር፡ ጽድቆምውን ካባይ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextኣዒንትኻ ቀኒዔን ይርኣያ፡ ቈላሕታኻውን ንቕድሚት ይጠምታ። ንመገዲ እግርኻ ኣቕንዓያ፡ ኵሉ ጐደናኻ ምዱብ ይኹን። ንየማን ወይስ ንጸጋም ኣይተግልስ፡ ንእግርካ ኻብ እከይ ኣርሕቆ።
Translation | Contextእቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።
Translation | Contextንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።
Translation | Contextፍልስጥኤማውያን ከኣ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ከም እተቐብኤ ምስ ሰምዑ፡ ኲሎም ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ኪደልይዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ ምስ ሰምዖ፡ ናብ ቅድሚኦም ወጸ። እቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብቲ ለሰ ረፋይም ኣትዮም፡ ኣብኡ ይወርሩ ነበሩ። ዳዊት ድማ ንኣምላኽ፡ ንፍልስጥኤማውያን ክድይቦምሲ፡ ኣብ ኢደይዶ ትህበኒ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንኣታቶም ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ደይቦም፡ በሎ። ናብ በዓል-ጰራጺም ደየቡ፡ ዳዊት ከኣ ኣብኣ ሰዐሮም። ዳዊት ድማ፡ ማይ ከም ዚብተን፡ ኣምላኽ ንጸላእተይ ብኢደይ በተኖም፡ በለ። ስለዚ ስም እታ ቦታ እቲኣ በዓል-ጰራጺም ኣውጽኡላ። ኣብኣ ድማ ንኣማልኽቶም ሐደጉ፡ ዳዊት ኣዚዙ ኸኣ ብሓዊ ኣንደድዎም። እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ከም ብሓድሽ ኣብቲ ለሰ ወረሩ። ዳዊት ድማ መሊሱ ንኣምላኽ ሐተቶ፡ ኣምላኽ ከኣ መለሰሉ፡ ብድሕሪኦም ኣይትደይብ፡ ካባታቶም ደኣ ዙር እሞ ኣብ መንጽር እቲ ሰጋሉ እተዎም። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብቲ ኣራእስ ስጋሉ ናይ ዚረግጽ ደሃይ ምስ ሰማዕካ፡ ኣምላኽ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ኪወቕዖ ቐቅድሜኻ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንውግእ ውጻእ። ዳዊት ከኣ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ገበረ፡ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ካብ ጊብዖን ክሳዕ ጌዘር ሰዐርዎም። ወረ ዳዊት ከኣ ኣብ ኲለን ሃገራት ወጸ፡ እግዚኣብሄር ድማ ብዛዕባኡ ፍርሃት ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣህዛብ ገበሮ።
Translation | Contextመንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡
Translation | Contextሕጂኸ ንስብዶ ወይስ ንኣምላኽ እየ ባህ ዘብል ዘሎኹ፡ ወይስ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘሎኹ፡ ገና ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝብልሲ፡ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን ነይረ።
Translation | Contextእንሆ፡ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፡ ሕጂ ትበቊል አላ፡ ኣይተለልይዋንዶ ኢኹም፧ እወ፡ መገዲ ኣብ በረኻ፡ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኽገብር እየ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ። ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ አሎኹ። ከምቲ ኣብ ሓደ ስጋ ብዙሕ ኣካላት ዘሎና እሞ፡ ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኰነ፡ ንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና። ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዚህልወናስ፡ ትንቢት እንተ ዀይኑ፡ ብልክዕ እምነትና ይኹን። ኣገልግሎ እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽናዕ። መዓዲ እንተ ዀይኑ ብምምዓዱ፡ ዚህብ ተገሪሁ ይሃብ፡ መራሒ እንተ ዀይኑ፡ ብትግሃት ይምራሕ፡ እቲ ዚድንግጽውን ብሓጐስ ይደንግጽ። ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ። ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። ንምትጋህ ኣይትተሃከዩ፡ ብመንፈስ ተቓጸሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። ብተስፋ ተሐጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ። ብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉ፡ ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ። ንዚሰጉኹም መርቑ፡ መርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ። ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ። ንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይሕሰቡ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።
Translation | Contextንህዝበይ ኣጸናንዑ፡ ኣጸናንዑ፡ ይብል ኣምላኽኩም። ንልቢ የሩሳሌም ተዛረቡ፡ ጸበባኣ ኸም እተፈጸመ፡ ኣበሳኣ ኸም እተሐድገላ፡ ስለ ዂሉ ሓጢኣታ ድማ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ካዕበት ከም ዝረኸበት ኣውጁ። ድምጺ ኣዋጂ ይኣውጅ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ኣዳልው፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ። ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ኲሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን። ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ኪግለጽ፡ ኲሉ ስጋ ኸኣ ሐቢሩ ኺርእዮ እዩ። ድምጺ፡ ኣውጅ፡ ይብል። ሓደ ኸኣ፡ እንታይ ኢለ ኽእውጅ፧ በለ። ስጋ ዘበለ ዂሉ ሳዕሪ እዩ፡ ኲሉ ኽብሩ ኸኣ ከም ዕምባባ መሮር እዩ። ትንፋስ እግዚኣብሄር ነፉስዎ እዩ እሞ፡ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል። ብሓቂ እቲ ህዝቢ ሳዕሪ እዩ። ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል፡ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር። ኣቲ ብስራት እተበስሪ ጽዮን፡ ናብ ነዊሕ ከረን ደይቢ፡ ኣቲ ብስራት እተበስሪ የሩሳሌም፡ ድምጽኺ ብሓይሊ ዓው ኣብሊ፡ ብዘይ ፍርሃት ዓው በሊ፡ ንኸተማታት ይሁዳ፡ እንሆ ኣምላኽኩም፡ ኢልኪ ንገሪ። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብሓይሊ ይመጽእ፡ ብቕልጽሙ ድማ ይገዝእ። እንሆ፡ ዓስቡ ምስኡ አሎ፡ ካሕሳኡ ኸኣ ቀቅድሚኡ ይኸይድ። ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር፡ ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቚፉ ኸኣ ኪስከሞም፡ ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ። ንማያት ብኢዱ ዐሚኹ ዘሰፈረ፡ ንሰማያት ከኣ በጻብዑ ዝሰደረ መን እዩ፧ ንሓመድ ምድሪ ኣብ ሚዛን ዝኣከበ፡ ነኽራን ብሚዛን፡ ንዀረቢት ድማ ብነጥሪ ዝመዘነኸ መን እዩ፧ ንመንፈስ እግዚኣብሄር ዝመርመረ፡ ወይስ መኻሪኡ ዀይኑ ዝመሀሮኸ መን እዩ፧ ምስ መን ተማኸረ፧ ኣእምሮ ዝሀቦ፡ እቲ ቅኑዕ መገዲ ኸኣ ዝመሀሮ፡ ፍልጠት ዘፍለጦ፡ መገዲ ምስትውዓል ድማ ዘርኣዮኸ መን እዩ፧ እንሆ፡ ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኣብ ዕትሮ፡ ከም ሓንቲ በሰር ኣብ ሚዛን ይቚጾሩ፡ እንሆ፡ ንደሴታት ከም ተጐጓ የልዕል። ሊባኖስ ንምንዳድ ኣይኣክልን፡ እንስሳኡውን ንመስዋእቲ ምሕራር ኣይኣክልን። ኲሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ሓደ ግዛዕ ኣይረኣዩን፡ ሓንቲ ኸም ዜልቦ፡ ከም ከንቱነት ገይሩ ይቘጽሮም። እምበኣርሲ ንኣምላኽ ምስ መን ተማሳስልዎ፧ ምስ ኣየናይ መልክዕከ ኸተመዓራርይዎ ኢኹም፧ ገባር ምስሊ ፍሲ ገይሩ ጣኦት ይገብር፡ ኣምካኺ ድማ ብወርቂ ይልብጦ፡ ብሰንሰለት ብሩር ከኣ ይስልሞ። እቲ ኽሳዕ ክንድዚ ኺስውእ ዓቕሚ ዜብሉ ድኻስ ዘይቊንቊን ዕጨይቲ ይሐሪ፡ ዘይነቓነቕ ምስሊ ዚገብረሉ ኸኣሊ ድማ ይደሊ። ኣእምሮ የብልኩምን፧ እኳዶ ኣይትሰምዑን ኢኹም፧ ካብ ጥንቲዶ እዚ ኣይተዘንተወልኩምን፧ መሰረታት ምድሪ ዚነግርዎዶኸ ኣየስተውዐልኩምን ኢኹም፧ ንሱ እዩ ኣብ ልዕሊ እታ ኸባብ ምድሪ ዚቕመጥ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኸኣ ከም ኣንበጣ እዮም፡ ንሰማያት ከም ጋንጽላ ዜስጥሖ፡ መሕደሪ ኪኸውን ድማ ከም ድንኳን ዚገብሮ ንሱ እዩ። ንመሳፍንቲ ገለ እኳ ኸም ዘይኰኑ፡ ንፈራዶ ምድሪ ኸም ምናምን ዚገብሮም ንሱ እዩ። ብኡብኡ ምስ ተተኽሉ፡ ብኡብኡ ምስ ተዘርኡ፡ ብኡብኡ ሱር ኣብ ምድሪ ምስ ሰደዱ፡ ንሱ ኡፍ ይብለሎም እሞ ይነቕጹ፡ ዘራጊቶ ኸኣ ከም ብቚበቚ ይወስዶም። ክመዓራረዩስ፡ ምስ መን ከተማሳስሉኒ ኢኹም፧ ይብል እቲ ቅዱስ። ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርኣዩ፡ ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ፡ በብስሞም ዚጽውዖም እዩ፡ ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን። ኣታ ያእቆብ፡ ከመይ ደኣ ኸምዚ ትብል፡ ኣታ እስራኤልሲ፡ ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ መገደይ ካብ እግዚኣብሄር ሕብእቲ እያ፡ ፍርደይ ከኣ ካብ ኣምላኸይ ሐሊፉ እዩ፡ ኢልካ ትዛረብ፧ እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርን፡ ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ፧ ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ። ኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፡ ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።
Translation | Contextእቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽን ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብሩኽ ይኹን።
Translation | Contextግናኸ ከምቲ ኣባና ዚገብር ሓይሊ፡ ካብቲ ንሕና እንልምኖን እንሐስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚከኣሎ፡
Translation | Contextኣፍካ መሊእካ ጨድር፡ ኣይተቛርጽ፡ ድምጽኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል፡ ንህዝበይ ኣበሳኦም፡ ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም። ኣብ ጸጽባሕ ይደልዩኒ፡ መገድታተይ ኪፈልጢ ድማ ይፈትው። ከምቲ ጽድቂ ዚገብርን፡ ሕጊ ኣምላኹ ዘይሐደገን ህዝብስ፡ ሕጊ ጽድቂ ኻባይ ይደልዩ፡ ናብ ኣምላኽ ኪቐርቡውን ይፈትው። ስለምንታይ ደኣ ጾምና፡ ንስኻ ድማ ዘይርኤኻን፧ ስለምንታይከ ነፍስና ኣሕሳእና፡ ንስኻውን ግዱ ዘይገበርካ፧ እንሆ፡ ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባርኩም ኢኹም እትገብሩ፡ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም አሎኹም። እንሆ፡ ብባእስን ብምክርኻርን ብሕሱም ምውቃዕ ጒስጢትን ኢኹም እትጾሙ። ድምጽኹም ኣብ ላዕሊ ኸም ዚስማዕ ጌርኩም ሎሚ ኣይትጾሙን ኢኹም ዘሎኹም። እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምን፡ እታ ሰብ ንነፍሱ ዜሕስኣላ መዓልትን ከምዚ ዘመሰለ ድዩ፧ ከም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንን፡ ክሻን ሓመዂስትን መንጸፍካ ምግባርን፡ ነዚ ዲኻ ጾምን እግዚኣብሄር ዚቕበሎ መዓልትን እትብሎ ዘሎኻ፧ እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን፧ እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፡ ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ስጋካውን ከይትሕባእዶ ኣይኰነን፧ ሽዑ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ዀይኑ ኺወጽእ፡ ምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኺበቊል፡ ጽድቅኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ፡ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽትጽውዕ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኪመልሰልካ፡ ከተእዊ፡ ንሱ ድማ፡ እኔኹ፡ ኪብል እዩ። ነርዑት፡ ንምውጥዋጥ ኣጻብዕ፡ ንሕማቕ ዘረባ ኸኣ ካብ ማእከልካ እንተ ኣርሐቕካ፡ ካብ ናብ ነፍስኻ ንጥሙይ እንተ መቐልካ፡ ንጭንቕቲ ነፍሲ እንት ኣጽገብካ፡ ሽዑ ብርሃንካ ኣብ ጸልማት ኪወጽእ፡ ጸልማትካውን ከም ቀትሪ ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ንዂሉ ጊዜ ኺመርሓካ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ንነፍስኻ ኼጽግባ፡ ነዕጽምትኻ ድማ ኬበርትዖ እዩ። ንስኻ ኸኣ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን ከምቲ ማዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይን ክትከውን ኢኻ። ደቅኻ ነቲ ቐደም ዝዐነወ ኺነድቁ እዮም፡ ንመሰረት ብዙሓት ወለዶ ኸተቕውም ኢኻ። ነዳቕ ፍሩስን፡ መሳፍሮ ዚኸውን መገዲ መዓረይን ተብሂልካ ኽትስመ ኢኻ። ብሰንበት፡ በታ ቅድስቲ መዓልተይ ከም ፍቓድ ርእስኻ ኸይትገብር፡ እግርኻ እንተ ዘሐጥካ፡ ንሰንበት ከኣ ደስታ፡ ነታ ቅድስቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር ድማ ክብርቲ ኢልካ እንተ ሰሜኻያ፡ እንተ ኣኽበርካየ፡ መገዲ ርእስኻ ድማ እንተ ዘይከድካ፡ ፍቓድ ርእስኻ እንተ ዘይገበርካ፡ ከንቱ ዘረባውን እንተ ዘይተዛረብካ፡ ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ብእግዚኣብሄር ደስ ኪብለካ እዩ፡ ኣነ ድማ ናብቲ በረኽቲ ምድሪ ኸደይበካ፡ ርስቲ ኣቦኻ ያእቆብውን ከብልዓካ እየ።
Translation | Contextብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡
Translation | Contextካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Context