Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

spiritual gifts


ሮሜ 12:6-8 | 17 Helpful votes

ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዚህልወናስትንቢት እንተ ዀይኑብልክዕ እምነትና ይኹን። ኣገልግሎ እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽናዕ። መዓዲ እንተ ዀይኑ ብምምዓዱዚህብ ተገሪሁ ይሃብ፡ መራሒ እንተ ዀይኑብትግሃት ይምራሕ፡ እቲ ዚድንግጽውን ብሓጐስ ይደንግጽ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 4:10-11 | 13 Helpful votes

ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉዚነግር እንተ ዀነ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይንገርዜገልግል እንተ ዀነውን፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል። ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ምእንቲ ኪኸብርንእኡ ኽብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ይዀኖ። ኣሜን

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:4-11 | 12 Helpful votes

እምብኣርከ ውህበት በበይኑ እዩ፡ መንፈስ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ኣገልግሎት በበይኑ እዩ፡ ጐይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ግብሪ ሓይሊ ድማ በበይኑ እዩ፡ እቲ ኣብ ኲላቶም ኲሉ ዚገብር ኣምላኽ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ግናኸ ንነፍሲ ወከፍ ምግላጽ መንፈስ ንጥቕሚ ይውሃቦ እዩ። ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሃቦ እዩ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ፡ ንሓደ ግና እምነት በቲ ሓደ መንፈስንሓደ ድማ በቲ ሓደ መንፈስ ናይ ምፍዋስ ውህበት ይውሃቦ፡ ንሓደ ኸኣ ግብሪ ሓይሊ ንምግባር፡ ንሓደ ትንቢትንሓደ ምልላይ መናፍስቲንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቛንቋታት፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሃቦ። እዚ ዂሉ ኸኣ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ከም ዚደልዮ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ገግዲኡ እናመቐለ እዩ ዚገብሮ

Translation | Context
ኤፌሶን 4:11-16 | 7 Helpful votes

ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽናብ እኹል ሰብኣይናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ። ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውንሲብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበብዘሎ እቲ ስጋ ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እናተታሓሐዘን እናተኣሳሰረን፡ ብመጠን እቲ ነንኽፍሉ እተመደበሉ ግብሪ ብፍቕሪ ምእንቲ ኺህነጽሲካብ ክርስቶስ እዩ ምዕባይ ዚረክብ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 1:6-7 | 5 Helpful votes

በዚ ምኽንያት እዚኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕር ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 12:3-8 | 4 Helpful votes

ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ አሎኹ። ከምቲ ኣብ ሓደ ስጋ ብዙሕ ኣካላት ዘሎና እሞ፡ ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኰነንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና። ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዚህልወናስትንቢት እንተ ዀይኑብልክዕ እምነትና ይኹን። ኣገልግሎ እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽናዕ። መዓዲ እንተ ዀይኑ ብምምዓዱዚህብ ተገሪሁ ይሃብ፡ መራሒ እንተ ዀይኑብትግሃት ይምራሕ፡ እቲ ዚድንግጽውን ብሓጐስ ይደንግጽ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:27-28 | 4 Helpful votes

እምብኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም። ኣምላኽ ድማ ኣብ ማሕበር ቅድም ሃዋርያካልኣይ ነብያትሳልሳይ መምህራንደሓር ገበርቲ ሓይልታት፡ ደሓር ውህበት ምፍዋስምርዳእ ድኹማት፡ ምምራሕበበይኑ ቛንቋታት ሰርዔ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:7 | 3 Helpful votes

ግናኸ ንነፍሲ ወከፍ ምግላጽ መንፈስ ንጥቕሚ ይውሃቦ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:1-31 | 3 Helpful votes

ኣሕዋተየብዛዕባቲ መንፈሳዊ ውህበት ግና ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ኣረማውያን ከሎኹም፡ ናብቶም ዓባሳት ጣኦታት እናተመራሕኩም ከም እተሰሐብኩምትፈልጡ ኢኹም። ስለዚ ሓደ እኳ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚዛረብየሱስ ርጉም እዩ ኸም ዘይብልመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኰነ ኸኣ፡ የሱስ ጐይታ እዩ ኺብል ንሓደ እኳ ኸም ዘይኰነሉ፡ ኤፍልጠኩም አሎኹ። እምብኣርከ ውህበት በበይኑ እዩ፡ መንፈስ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ኣገልግሎት በበይኑ እዩ፡ ጐይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ግብሪ ሓይሊ ድማ በበይኑ እዩ፡ እቲ ኣብ ኲላቶም ኲሉ ዚገብር ኣምላኽ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ግናኸ ንነፍሲ ወከፍ ምግላጽ መንፈስ ንጥቕሚ ይውሃቦ እዩ። ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሃቦ እዩ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ፡ ንሓደ ግና እምነት በቲ ሓደ መንፈስንሓደ ድማ በቲ ሓደ መንፈስ ናይ ምፍዋስ ውህበት ይውሃቦ፡ ንሓደ ኸኣ ግብሪ ሓይሊ ንምግባር፡ ንሓደ ትንቢትንሓደ ምልላይ መናፍስቲንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቛንቋታት፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሃቦ። እዚ ዂሉ ኸኣ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ከም ዚደልዮ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ገግዲኡ እናመቐለ እዩ ዚገብሮ። ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ። ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያንባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና። እቲ ስጋ ኸኣ ብዙሕ እምበር፡ ሓደ ኣካል ኣይኰነን እሞ፡ እግሪኢድ ካብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለበዚዶ ናይ ስጋ ምዃኑ ይተርፎ እዩ፧ እዝኒ ድማ፡ ዓይኒ ኻብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለት፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃና ይተርፍ እዩ፧ ብዘሎ እቲ ስጋ ዂሉ ዓይኒ እንተ ዚኸውን ደኣ፡ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ፧ እቲ ስጋ ዂለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዚኸውንከ፡ ምሽታት ኣበይ ምተረኸበ፧ ሕጂ ግና ኣምላኽ፡ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፡ ነቲ ኣካላት ንነፍሲ ወከፉ ኣብቲ ስጋ ሰርዖኲሉ ኣካላት ሓደ ኣካል ጥራይ እንተ ዚኸውንከ፡ እቲ ስጋ ኣበይ ምሀለወሕጂ ግና ኣካላት ብዙሕ፡ እቲ ስጋ ግና ሓደ እዩ። ዓይኒ ንኢድኣይደልየክንክትብላ ኣይከኣላን እዩ፡ ወይስ ርእሲ ድማ ነእጋር፡ ኣይደልየኩምን፡ ክትብሎም ኣይከኣላን እዩ። እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ስጋ እባ ግዳ እዮም ኣዝዮም ዚድለዩነቲ ኣብ ስጋ ዘሎ ሕሱር ዚመስለና ኸኣብዚበዝሕ ክብሪ ንኸድኖ፡ ንሓፍረትናውን ኣዚና ብኽብሪ ንኽውሎ። እቲ ኽቡር ኣካላትና ግና እዚ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ እምበር፡ ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዚበዝሕ ክብሪ እናሃበ፡ ነቲ ስጋ ኣጋጠሞሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየኲሉ ኣካላት ይስቀሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣኲሉ ኣካላት ሐቢሩ እዩ ዚሕጐስ። እምብኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም። ኣምላኽ ድማ ኣብ ማሕበር ቅድም ሃዋርያካልኣይ ነብያትሳልሳይ መምህራንደሓር ገበርቲ ሓይልታት፡ ደሓር ውህበት ምፍዋስምርዳእ ድኹማት፡ ምምራሕበበይኑ ቛንቋታት ሰርዔኲላቶምዶ ሃዋርያት እዮም፧ ኲላቶምዶ ነብያት እዮም፧ ኲላቶምዶ መምህራን እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ገበርቲ ተኣምራት እዮም፧ ኲላቶምዶ ውህበት ምፍዋስ አለዎም፧ ኲላቶምዶ ቛንቋታት ይዛረቡ እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ይትርጒሙ እዮም፧ ነተን ዚዓበያ ውህበታት ደኣ ጽዓቱ። ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ መገዲ ኽሕብረኩም እየ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:11-13 | 3 Helpful votes

ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽናብ እኹል ሰብኣይናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ

Translation | Context
ሮሜ 1:11 | 2 Helpful votes

ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩምክርእየኩም እናፍቕ አሎኹ፡ ማለት፡ በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት፡ - ናትኩምን ናተይን፡ ኣባኹምን ምሳኹምን፡ - ምእንቲ ኽንጸናናዕሲ፡ ብዘይ ምቊራጽ ከም ዝሐስበኩምብፍቓድ ኣምላኽ እንተ ሰለጠንስ፡ ብገለ መገዲ ኣብ መወዳእታ ናባኻትኩም ክመጽእብጸሎተይ ኲሉ ሳዕ ከም ዝልምን፡ እቲ ብወንጌል ወዱ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ይምስክረለይ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 12:4-5 | 2 Helpful votes

ከምቲ ኣብ ሓደ ስጋ ብዙሕ ኣካላት ዘሎና እሞ፡ ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኰነንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:1 | 2 Helpful votes

ኣሕዋተየብዛዕባቲ መንፈሳዊ ውህበት ግና ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 1:8 | 2 Helpful votes

መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡

Translation | Context
ኤፌሶን 4:12-13 | 2 Helpful votes

ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽናብ እኹል ሰብኣይናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:2 | 2 Helpful votes

ትንቢት እንተ ዚህልወኒኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:11 | 2 Helpful votes

ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽናብ እኹል ሰብኣይናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:13 | 2 Helpful votes

ሕጂ ግና እምነትተስፋፍቕሪእዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።

Translation | Context