Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

spiritual growth


ቈሎሴ 1:9-10 | 11 Helpful votes

ስለዚ ንሕና ኸኣ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፡ በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም፡ ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናንብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓቤኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽሊ አሎና።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:1-25 | 8 Helpful votes

እምብኣርሲ ንዅሉ ኽፍኣትን ኵሉ ጕርሕን ግብዝናን ቅንእን ኵሉ ሕሜትን ኣርሕቕዎእግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዐብዩከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ። ናብቲ ብሰብ ንዑቕብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ እናቐረብኩም፡ ንስኻትኩምውን፡ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡንቕዱስ ክህነት ዚኸውን፡ መንፈሳዊ፡ ቤት ተሀነጹስለዚ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን ሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን ኤንብር አሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሐፍርን እዩ፡ ዚብል ኣብቲ ጽሑፍ አሎ። ስለዚ ንኣኻትኩም እትአምኑክቡር እዩነቶም ዘይኣምኑ ግና፡ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነእምኒ መዓንቀፍን ከውሒ ምንስታትን ድማ እዩ። ብዘይ ምእዛዞም በቲ ቓል ይዕንቀፉነዚ ድማ ምዱባት እዮም። ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነትቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም። ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩምሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፡ ዘይተመሐርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ግና ምሑራት ኢኹም። ኣቱም ፍቁራተይከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም አሎኹ፡ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዘዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሐቑእቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑከምዚ ሰናይ እናገበርኩምዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘሎ ንጉስወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱካብኡ እተላእኩ መኳንንቲስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኩኑንዅሉ ሰብ ኣኽብሩሕውነት ኣፍቅሩንኣምላኽ ፍርህዎንንጉስ ኣኽብርዎ። ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ዓመጽቲ ኸኣ እምበር፡ ነቶም ሕያዎትን ልኡማትን ጥራይ ዘይኰነስብፍርሃት ዘበለ ንጐይተትኩም ተአዘዝዎምሓደ እኳ ስለ ሕሊና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዐሚጹ ጓሂ እንተ ተዐገሰ፡ እዚ ጸጋ እዩ። ሓጢኣት እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዐገስኩም፡ እንታይ ትምክሕቲ አለዎ፡ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዐገስኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ። ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ፡ ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈመከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ እምበርዘየፈራርሄንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕጨይቲ ጾሮብቝስሉ ኢኹም ዝሐዌኹምከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም አሎኹም።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:18 | 8 Helpful votes

ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ደኣ ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ንመዓልቲ ዘለኣለምን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን

Translation | Context
ማቴዎስ 5:6 | 5 Helpful votes

ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡንኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:15-16 | 5 Helpful votes

ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበብዘሎ እቲ ስጋ ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እናተታሓሐዘን እናተኣሳሰረን፡ ብመጠን እቲ ነንኽፍሉ እተመደበሉ ግብሪ ብፍቕሪ ምእንቲ ኺህነጽሲካብ ክርስቶስ እዩ ምዕባይ ዚረክብ።

Translation | Context
ገላትያ 5:22-23 | 5 Helpful votes

እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪሓጐስዕርቂዓቕሊለውሃትሕያውነትእምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን

Translation | Context
መዝሙር 1:1-3 | 4 Helpful votes

ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትንዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:10-12 | 4 Helpful votes

ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸእቲ ምቃል ኪሰዓር እዩ። ቈልዓ ኸሎኹከም ቈልዓ ተዛረብኩልቢ ቘልዓ ነበረኒከም ቈልዓ ሐሰብኩሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ አሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 1:5-8 | 3 Helpful votes

ብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ፡ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ፡ ኣብቲ ደግነትውን ፍልጠት፡ ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፡ ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፡ ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ። እዚ ነገርዚ እንተ አሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16-17 | 3 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲመንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲንተግሳጽንምቕናዕንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:13 | 3 Helpful votes

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:2 | 2 Helpful votes

ኣሕዋተየበበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩምንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 11:1 | 2 Helpful votes

ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ

Translation | Context
ቲቶስ 2:11-14 | 2 Helpful votes

ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ፡ እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድናኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና አሎ። የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣናንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘብ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ

Translation | Context
ፊልጲ 1:6 | 2 Helpful votes

እቲ ኣባኻትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ ኸኣ፡ ንሱ ኽሳዕ እታ መዓልቲ የሱስ ክርስቶስ ከም ዚፍጽሞእዚ ተረዲኤዮ አሎኹ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:12-13 | 2 Helpful votes

ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽናብ እኹል ሰብኣይናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ

Translation | Context
እብራውያን 10:24 | 2 Helpful votes

ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል

Translation | Context