Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

8 bible verses about

spiritual life


1ይ ዮሃንስ 5:5-8 | 11 Helpful votes

ንዓለም ዚስዕራኸ፡ እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምኖ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን እዩ፧ እቲ ብማይን ብደምን ዝመጸ እዚ እዩ፡ ማለት፡ የሱስ ክርስቶስብማይን ብደምን እምበር፡ ብማይ ጥራይ ኣይኰነን ዝመጸ። እቲ መንፈስውን ሓቂ እዩ እሞ፡ እቲ መንፈስ እዩ ዚምስክር ዘሎ። እቶም ዚምስክሩ ኸኣ መንፈስን ማይን ደምንሰለስተ እዮም እሞ፡ ሰለስቲኦም ሓደ እዮም።

Translation | Context
ዮሃንስ 4:24 | 8 Helpful votes

ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦምኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ

Translation | Context
ዮሃንስ 14:20 | 8 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኣብ ኣቦይንስኻትኩም ከኣ ኣባይኣነውን ኣባኻትኩም ምህላወይ ክትፈልጡ ኢኹም።

Translation | Context
ያእቆብ 1:22-25 | 8 Helpful votes

ገበርቲ ቓል ኩኑርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዖ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:4 | 7 Helpful votes

ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩምጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩምከምኡ ኢኹም

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 7 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ያእቆብ 1:1-27 | 7 Helpful votes

ያእቆብ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ ሰላም ይብሎም አሎ። ኣሕዋተየበበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩምንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ። ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖኪውሀቦውን እዩ። እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምንክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ። እቲ ለጠቕ ዝበለ ሓው ግና ልዕል ብምባሉ ይመካሕ። እቲ ሃብታምውንከም ዕምባባ ሳዕሪ ኺሐልፍ እዩ እሞ፡ ብውርደቱ ይመካሕ። ጸሓይ ምስ ዋዒኣ ትወጽእ እሞ፡ ነቲ ሳዕሪ ተንቅጾ፡ እቲ ዕምባባኡ ኸኣ ይረግፍደመት ትርኢቱ ድማ ይጠፍእ፡ ከምኡውን እቲ ሃብታም ብመገዱ ኺሐርር እዩ። ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ። ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበልነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰትንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ። ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተይኣይትስሐቱጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድበዅሪ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ እዩ ኸም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ዝወለደናፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍንምዝራብ ደንጓዪ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን። ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከኣሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎገበርቲ ቓል ኩኑርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዖ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ። ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:18 | 6 Helpful votes

ዝርገት አለዎ እሞብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም

Translation | Context