Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

starting over again


2ይ ቈረንቶስ 5:17 | 14 Helpful votes

ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉእንሆኵሉ ሓድሽ ኰይኑ

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:18-19 | 13 Helpful votes

ነቲ ቐደም ዝነበረ ኣይትዘክሩ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸኣ ኣይትሕሰቡ። እንሆ፡ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፡ ሕጂ ትበቊል አላኣይተለልይዋንዶ ኢኹም፧ እወ፡ መገዲ ኣብ በረኻወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኽገብር እየ።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 11 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ራእይ 21:4 | 9 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘንወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 8 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝናንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 4 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎምንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 3:19-20 | 4 Helpful votes

እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን።

Translation | Context
ያእቆብ 5:16 | 4 Helpful votes

እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።

Translation | Context
እዮብ 11:13-20 | 4 Helpful votes

ልብኻ እንተ ኣዳሎኻኣእዳውካውን ናብኡ እንተ ዘርጋሕካ፡ ኣብ ኢድካ ዓመጻ እንተሎ፡ ኣርሕቆ፡ ኣብ ድንኳንካውን ግፍዒ ኣይተስፍር። ሽዑ ንገጽካ ብዘይ ሕፍቲ ኸተልዕሎጽኑዕ ክትከውን ኣይክትፈርህን ድማ ኢኻ። ሽዑስ ንመከራኻ ኽትርስዖከም ዝሐለፈ ውሒዝ ክትዝክሮ ኢኻ። ህይወትካ ኻብ ቀትሪ በሊጻ ትበርህ፡ ጸልማት እኳ ኸም ወገግታ ብጊሓት ኪኸውን እዩ። ተስፋ አሎ እሞክትሀድእ፡ ናብ ዙያኻ ኣማዕዲኻ ብህድኣት ክትግምሰስ ኢኻ። ዜፍርህ ዜብልካ በጥ ክትብልብዙሓትውን ሞገስካ ኺደልዩ እዮም። ኣዒንቲ ረሲኣን ግና ይስልምታመህደሚ የብሎምን፡ ተስፋኦም ከኣ ብምሕላፍ እስትንፋሶም እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 1:7 | 3 Helpful votes

ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጻጋኡ ሕድገት ሓጢኣት አሎና።

Translation | Context
መዝሙር 138:8 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኪፍጽመለይ እዩ፣ ጐይታየጸጋኻ ንዘለአለም ይነብር፣ ንተግባር ኣእዳውካ ኣይትሕደጎ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 3:19 | 2 Helpful votes

እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:1 | 2 Helpful votes

ኣቱም ደቀየ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎና፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስእቲ ጻድቕ፡ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:25-26 | 2 Helpful votes

ኣነ፡ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ ገበንካ ዝድምስስ፡ መሊሰ ኸኣ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን። ኣዘክረኒ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ክትረትዕሲ ባዕልኻ ተዛረብ

Translation | Context
ማቴዎስ 5:30 | 2 Helpful votes

የማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚአቱስሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ

Translation | Context
ዮሃንስ 13:17 | 2 Helpful votes

ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም።

Translation | Context