Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

stealing money


1ይ ጢሞቴዎስ 6:10 | 20 Helpful votes

እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ

Translation | Context
ያእቆብ 5:1-20 | 11 Helpful votes

ኣቱም ሃብታማትእስኪ ሕጂኸ በቲ ዚመጸኩም ዘሎ መግደራ ዋይ ዋይ እናበልኩም ብኸዩሃብትኹም መሽሚሹንኽዳውንትኹምውን ብልዒ በሊዕዎወርቕኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፡ እቲ ምምራቱ ኸኣ ኪምስክረልኩም እዩ። ንስጋኹምውን ከም ሓዊ ኺበልዖ እዩ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት መዝገብ አኪብኩም አሎኹም። እንሆውዕለት እቶም ግርሁኹም ዝዐጸዱ ዓየይቲ፡ ንስኻትኩም ከኣ ዝገደብኩምዎምየእዊ አሎ። ኣውያት እቶም ዓጻዶውን ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጻባኦት በጺሑ አሎ። ኣብ ምድሪ ሐንቂቕኩምን ጥዒሙኩምንከም ብመዓልቲ ማሕረዲውን ልብኹም ኣስቢሕኩምፈሪድኩም፡ ነቲ ጻድቕ ቀቲልኩምዎ፡ ንሱ ኣይጻረረኩምን እዩ። እምብኣርሲ፡ ኣሕዋተየ፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዐገሱእንሆሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብውን ይዕገስ እዩ። ንስኻትኩም ከኣ፡ ምጽኣት ጐይታ ቐረባ እዩ እሞ፡ ተዐገሱልብኹምውን ኣጽንዑኣሕዋተየከይትፍረዱ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኤህ ኣይትበሉ። እንሆ፡ እቲ ፈራዲ ኣብ ኣፍ ቤት ደው ኢሉ አሎ። ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ነቶም ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቡ ነብያትኣርኣያ ሓሳረ መከራን ትዕግስትን ግበርዎም። እንሆ፡ ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና። ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ አሎኹም። ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኸይትወድቁስ፡ እቲ እዌኹም እወ፡ እቲ ኣይኰነን ዝበልኩምዎ ኸኣ ኣይኰነን ይኹን እምበር፡ ቅድሚ ዅሉ ብሰማይ፡ ወይስ ብምድሪ፡ ወይስ ብኻልእ ማሕላ ኣይትምሐሉ። ኣብ ማእከልኩምዶ ሓሳረ መከራ ዚጸግብ አሎ፧ ይጸሊሕጉስዶ አሎ፧ ይዘምር። ኣብ ምኣእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄርዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ። እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ። ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረዝናም ከይዘንም ከኣ ጸሎት ጸለየ እሞ፡ ሰለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ምድሪ ኣይዘነመንከም ብሓድሽ ድማ ጸሎት ጸለየሰማይ ከኣ ዝናም ሀበምድሪውን ፍሪኣ ኣብቈለት። ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ዘምበለሓደ ኸኣ እንተ መለሶ፡ እቲ ንሓጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዚመልሶንነፍሱ ኻብ ሞት ከም ዜድሕንብዝሒ ሓጢኣትውን ከም ዝኸድንይፍለጥ

Translation | Context
ማርቆስ 14:1-72 | 6 Helpful votes

ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋን በዓል ቅጫን ነበረሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሐፍትን ብተንኰል ሒዞም ኪቐትልዎ ደለዩ። ግናኸ ኣብ ህዝቢ ጋሮ ኸይለዓልሲ ብበዓል ኣይኹንበሉ። ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ ጽሩይ ቅብኢ ናርዶስ ዝመልኤ ቢልቃጥ ሒዛ መጸት። ነቲ ቢልቃጥ ሰቢራ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶሓያሎ ብልቦም እናተናደዱንምንታይ እዚ ጥፍኣት ቅዱይ ቅብኢ ዀነ፧ እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኻብ ሰለስተ ሚእቲ ዲናር ንዚበዝሕ ተሸይጡስንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ኰረዩላየሱስ ግና፥ ስለምንታይ ተጕህይዋ አሎኹም፧ ሕደግዋጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ አላ። ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም አለዉ፡ ጽቡቕ ክትገብሩሎም እንተ ደሌኹም ከኣ፡ ይከአለኩም እዩ። ንኣይ ግና ኵሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም። ዚከኣላ ገበረትኣቐዲማ ንቐብረይ ስጋይ ቀብኤት። እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵላ ዓለም፡ እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገርብሓቂ እብለኩም አሎኩ፡ በለ። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ንእኡ ኣሕሊፉ ኺህቦም፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከደሰሚዖም ተሓጐሱ። ኣቕራሽ ኪህብዎ ኸኣ ኣውዐሉሉ። ንሱ ድማ ኣሕሊፉ ኺህቦም ምሹእ ጊዜ ይደሊ ነበረ። በታ ገንሸል ፋስጋ ዚሕረደላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫደቀ መዛሙርቱገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕናበይ ኬድና ኸነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ። ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ ድማ፡ ናብ ከተማ ኺዱ፡ ኣብኡ ዕትሮ ማይ እተሰከመ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ንእኡ ስዓብዎኣብታ ዚኣትዋ ኸኣ ነቲ ብዓል ቤት፥ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ቤት ኣጋይሽ ኣበይ እያ፧ ይብለካ አሎ መምህርበልዎ። ንሱ ኸኣ ኣብ ደርቢ እተነጽፈን እተዳለወን ኣዳራሽ ኬርእየኩም እዩ። ኣብኡ ኣዳልዉልና፡ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዱ፡ ናብታ ኸተማ ኸኣ መጹከምቲ ዝበሎም ድማ ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ። ምስ መሰየ፡ ንሱ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ። ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስሓደ ኻባካትኩም፡ እቲ ምሳይ ዚበልዕኬትሕዘኒ እዩ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በለ። ኪጕህዩ ጀመሩበብሓደ ኸኣ፡ ኣነ ደዀን እኸውንበሉ። ንሱ ኸኣ በሎም፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዚጠልቕ፡ እዩ። ወዲ ሰብሲከምቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈይኸይድእቲወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ግና ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድምሔሾ ነይሩኪበልዑ ኸለዉ ድማ፡ እንጌራ ኣልዒሉባሪኹ ቘረሰንኣታቶም ከኣ፥ ውሰዱ፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ኢሉ ሀቦምጽዋእ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ሀቦምኵሎምውን ካብኡ ሰተዩ። ንሱ ኸኣ፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ። ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብ ፍረ ኦም ወይኒ ኣይክሰትን እየ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ ኸኣ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡየሱስ ድማ፥ ነቲ ጓሳ እቐትሎ፡ እተን ኣባጊዕ ከኣ ፋሕ ይብላ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዅሉኹም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም። ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ፡ በሎም። ጴጥሮስ ድማ፥ ኵሎም እንተ ተዓንቀፉ እኳ፡ ኣነስ ኣይዕንቀፍን እየ፡ በሎየሱስ ድማ፥ ሎሚ በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ኢለ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነ እኳ፡ ከቶ ኣይክሕደካን እየ፡ ኢሉ ኣዝዩ ኣጽኒዑ ተዛረበኵሎምውን ከምኡ በሉጌተሰማኔ ናብ እትብሀል ቦታ መጹንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ክሳዕ ዝጽሊኣብዚ ተቐመጡበሎምንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ምስኡ ወሰደኪጕህን ኪትክዝን ጀመረ እሞ፥ ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ትጕሂ አላ፡ ኣብዚ ኹኑ ንቕሑውንበሎምቅሩብ ንቕድሚት ሕልፍ ኢሉ ኣብ ምድሪ ተደፍኤዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ሰዓት ካብኡ ኽትሐልፍ ጸለየ እሞ፣ ኣባኣቦይኵሉ ይከኣለካ እዩ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ንስኻ ከም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን፡ በለመጸደቂሶም ከኣ ረኸቦምንጴጥሮስ ድማ፥ ስምኦንደቂስካዶሓንቲ ሰዓት ክትነቅሕዶ ኣይከኣልካን፧ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉንቕሑ ጸልዩውንመንፈስሲ ተዳልዩ አሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ፡ በሎ። ከም ብሓድሽ ከይዱ ድማ፡ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ቓል ጸለየተመሊሱ ኸኣ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ካልኣይ ደቂሶም ረኸቦም፡ እንታይ ከም ዚመልሱሉ ኸኣ ኣይፈልጡን ነበሩ። ሳልሳይ መጺኡ ኸኣ፥ ደጊም ደቅሱን ዕረፉውንይኣክል፡ እታ ሰዓት በጺሓእንሆወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪትሓዝ እዩ። ተንስኡ ንኺድ፡ እቲ ዜትሕዘኒ እንሆ፡ ቀሪቡ አሎ፡ በሎም። ብኡብኡ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ይሁዳካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደመጸ። ምስኡ ኸኣ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይትንኣስያፍ ኣባትርን ዝሐዙ እኩባት ህዝቢ መጹ። እቲ ዜትሕዞ ኸኣ፡ እቲ ኣነ ዝስዕሞንሱ እዩ፡ ሐዝዎ ኣጽኒዕኩምውን ውሰድዎኢሉ መፈለጥታ ሃቦም። መጺኡ ድማ ብኡብኡ ናብኡ ቐሪቡረቢረቢኢሉ ሰዓሞ። ንሳቶም ከኣ ኣእዳዎም ናብኡ ዘርጊሖም ሐዝዎ። ካብቶም ኣብ ጥቕኡ ደው ዝበሉ ሓደ ግና ሰይፉ መሊሑ፡ ነቲ ባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑእዝኑ ቘረጾየሱስ ድማከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም፡ ክትሕዙኒ መጻእኩም፧ ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃርኩ ዕለት ዕለት ምሳኻትኩም እውዕል ነበርኩ እሞ ኣይሐዝኩምንን። እዚ ግና እተን ጽሑፋት ምእንቲ ኺፍጸማ ይኸውን አሎ፡ ኢሉ መለሰሎም። ኵሎም ከኣ ሐዲጎምዎ ሃደሙነጸላ እተኸድነ ጐበዝ ድማ ሰዓቦ፡ ንእኡ ኸኣ ሐዝዎ። ንሱ ግና ነጸላኡ ሐዲጉ ጥራይ ዝባኑ ሃደመንየሱስ ድማ ናብ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎብዘለዉ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ጸሓፍትን ናብኡ ተኣከቡጴጥሮስ ድማ ርሕቕ ኢሉ ኽሳዕ ውሽጢ ገዛ ሊቀ ኻህናት ሰዓቦኣብኡ ምስቶም ገላዉ ተቐሚጡ ኸኣ ሓዊ ይስሕን ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ኵሎም ዋዕላን ንየሱስ ኪቐትልዎ ምስክር ደለዩኣይረኸቡን ከኣ። ብዙሓት ብሓሶት መስከሩምስክሮም ግና ኣይተሳማምዔንሓያሎ ምስክር ሓሶት ድማ፥ ኣነ ነዛ ብኢድ እተገበረት ቤተ መቕደስ ከፍርሳ እየ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ካልእ ከኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሃንጽ እየ፡ ኪብል ከሎ፡ ንሕና ሰሚዕናዮ፡ ዚብል ተንስእዎ። ምስክሮም ከኣ ብዚውን ኣይገጠመን። እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ማእከሎም ብድድ ኢሉ፥ በዚ ዚምስክሩልካ ዘለዉስ እኳዶ ኣይትምልስን ኢኻ፧ ኢሉ ንየሱስ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ ስቕ በለ እምበርኣይመለሰን። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ ከም ብሓድሽክርስቶስ ወዲ እቲ ብሩኽዶ ንስኻ ኢኻ፧ ኢሉ ሓተቶየሱስ ድማ፥ ኣነ እየ። ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም፡ በሎ። ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳኑ ቐዲዱደጊምከ እንታይ ግዲ ምስክር አሎናምጽራፉ ሰሚዕኩም። እንታይ ይመስለኩም፧ በለ። ኵሎም ከኣ፥ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም ፈረዱሓያሎ ድማ ጡፍ ኪብሉሉ፡ ገጹ ኣጐልቢቦም ኬጕስጥዎተነበውን ኪብልዎ ጀመሩ። እቶም ገላዉ ድማ እናጸፍዑ ወሰድዎ። ጴጥሮስ ኣብ ታሕቲ ኣብ ገዛ ኸሎ፡ ካብ ኣግራድ ሊቀ ኻህናት ሓንቲ መጸትንጴጥሮስ፡ ሓዊ ኺስሕን ከሎ፡ ምስ ረአየቶ ኸኣ፡ ንስኻውን ምስ የሱስ ናዝራዊ ኔርካእናበለት ጠመተቶ። ንሱ ግና፥ እዚ ንስኺ እትብልዮ ዘሎኺ ኣይፈልጦን ኣየስተውዕሎንውን እየ፡ ኢሉ ኸሐደ። ካብ ገዛ ኸኣ ናብ ዓንቀጽ ወጸደርሆውን ነቀወ። እታ ገረድ ረአየቶ፡ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ኸኣ፡ እዚ ኻባታቶም እዩ፡ ኢላ ኸም ብሓድሽ ክትነግሮም ጀመረት። ንሱ ድማ ከም ብሓድሽ ከሐደ። እቶም ደው ዝበሉ ቕሩብ ጽንሕ ኢሎም ንጴጥሮስገሊላዊ ኢኻ እሞ፡ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻኣዛራርባኻውን ከምቲ ኣዛራርባኦም ይመስልበልዎ። ንሱ ግና፥ ነዚ እትብልዎ ዘሎኹም ሰብኣይ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኺርገምን ኪምሕልን ጀመረ። ብኡብኡ ደርሆ ኻልኣይ ሳዕ ነቀወጴጥሮስ ከኣ ነቲ የሱስደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ዘከረ። ነዚ ነገርዚ ሓሲቡ በኸየ

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 4:3 | 5 Helpful votes

ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕክትገንሕክትቀጽዕክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ።

Translation | Context