Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ፡ ኪዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤድን አቐመጦ።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ።
Translation | Contextነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ።
Translation | Contextኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርኤን ዘይርኤን፡ ዝፋናት ኰኑ ወይስ ጕይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ እሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ። ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ እዩ፡ ኵሉውን ብእኡ ቘይሙ አሎ።
Translation | Contextግናኸ ንእንስሳ ጠይቀን እሞ፡ ኪምህራኻ፡ ነዕዋፍ ሰማይውን፡ ኪገልጻልካ እየን። ወይስ ንምድሪ ተዛረባ፡ ክትምህረካ እያ፡ ዓሳታት ባሕሪውን ኪነግሩኻ እዮም። በዚኣቶም ኲሎምሲ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝገበረቶ ዘይፈልጥከ መን እዩ፧ ህያው ነፍሲ ዘበለን፡ መንፈስ ኲሉ ሰብን ኣብ ኢዱ ደይኰነን፡
Translation | Contextሕጊ ስዒሮም ስርዓት ለዊጦም፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ኺዳን ኣፍሪሶም እዮም እሞ፡ ምድሪ በቶም ኣብኣ ዚነብሩ ረኸሰት።
Translation | Contextኣህዛብ ተቘጢዖም፡ ቍጥዓኻውን መጺኡ፡ እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ፡ ንባሮትካ፡ ነቶም ነብያትን ቅዱሳትን ስምካ ንዚፈርሁ ናእሽቱን ዓበይትን፡ ዓስቦም እትህበሉ፡ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪውን እተጥፍኣሉ ዘመን መጺኡ፡ በሉ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ንምድሪ ኣብ ባሕሪ ሰሪትዋ፣ ኣብ ወሓይዝውን ኣጽኒዕዋ እዩ እሞ፣ ንሳን ምልኣታን፣ ዓለምን ዚነብርዋን ናቱ እዮም።
Translation | Contextጐይታ ኸኣ በለ፥ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ፡ ቀለቦም በብጊዜኡ ኪህቦም፡ ጐይታኡ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞስ መን እዩ፧ እቲ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚጸንሖ ባርያ ብጹእ እዩ። ኣብ ብዘሎ ጥሪቱ ኸም ዚሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ባርያ ብልቡ፡ ምእታው ጐይታይ ይድንጕ እዩ፡ እንተ በለ ግና፡ ምግራፍ እቶም ገላውን ኣግራድን ምብላዕን ምስታይን ምስካርን ይጅምር፡ ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ፡ ብዘይፈለጣ ሰዓት ኪመጽእ፡ ቈራሪጹ ኸኣ ግዲኡ ምስቶም ዘይኣምኑ ኺገብሮ እዩ።
Translation | Contextመዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።
Translation | Contextምድሪ ናተይ እያ፡ ንስኻትኩም ከኣ ምሳይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም እሞ፡ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሸየጥ።
Translation | Contextኵሎም እንስሳ በረኻን ኣብ ኣሻሕ ኣኽራን ዘለዋ ኸብትን ናተይ እየን፣ ንዅለን ኣዕዋፍ ኣኽራን እፈልጠን፣ ኣብ ምድሪ ዚዋሳወስ ከኣ ምሳይ እዩ ዘሎ እሞ፣ ኣነ ኻብ ገዛኻ ዝራብዓት፣ ካብ ደምቤኻውን ዲቤላታት ኣይወስድን።
Translation | Contextምድሪ ናተይ እያ፡ ንስኻትኩም ከኣ ምሳይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም እሞ፡ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሸየጥ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ርስትኹም፡ እታ ምድሪ ብዋጋ ተበጀውዋ።
Translation | Contextንዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧
Translation | Contextኣነ ድማ፡ ፍሪኡን ጥዑሙን ምእንቲ ኽትበልዑ፡ ናብ ፈራዪ ምድሪ ኣእቶኹኹም። ንስኻትኩም ግና ምስ ኣቶኹም፡ ንምድረይ ኣርከስኩምዋ፡ ንርስተይውን ፍንፋን ገበርኩምዎ።
Translation | Contextግናኸ እዛ ቤት እዚኣ ዖንያ ኸላስ፣ ንስኻትኩም ኣብ ስሉም ኣባይትኹም ክትነብሩዶ ጊዜኹም እዩ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ብኢድ ነብዪ ሃጌ መጸ። እምብኣርሲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ እስከ ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ። ንስኻትኩም ብዙሕ ዘራእኩም፣ ሒደት ኣእቶኹም። በላዕኩም ኣይጸገብኩምን፣ ሰቴኹም ኣይረዌኹምን፣ ተኸደንኩም ኣይሞቝኩምን፣ እቲ ውዕለቱ ዜእቱ ነቲ ዝወዐሎ ኣብ ነዃል ማሕፉዳ የንብሮ አሎ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ብልብኹም መገድኩም ሕሰቡ፣ ይብል አሎ።
Translation | Context