Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

stoning to death


ዮሃንስ 8:3-11 | 32 Helpful votes

ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ ኣብ ዝሙት እተረኽበት ሰበይቲ ናብኡ ኣምጺኦምኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም፥ መምህርእዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ ኸላ ተትሒዛከምዚኣ ዝበለት ከኣ ብዳርባ እምኒ ኽትመውት፡ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና አሎ፡ ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል፡ በልዎ። መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉእዚ ኢሎም ፈተንዎየሱስ ከኣ ደኒኑ በጻብዑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈደጋጊሞም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዜብሉንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላበሎምከም ብሓድሽ ከኣ ደኒኑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈንሳቶም ግና እዚ ምስ ሰምዑብሕሊናኦም ተረትዑ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕሮት፡ ኵሎም በብሓደ ወጹየሱስ ምስታ ኣብ ማእከል ደው ኢላ ዘላ ሰበይቲ በይኑ ተረፈየሱስ ከኣ ቅንዕ ኢሉ ብዘይ እታ ሰበይቲ ሓደ እኳ ኸም ዜልቦ ምስ ረአየ፡ ኣቲ ሰበይቲእቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ አለዉዝፈርደኪዶ የልቦንበላ። ንሳ ኸኣ፡ ሓደ እኳጐይታይበለቶየሱስ ድማኣነውን ኣይፈርደክን እየ፡ ኪዲ እሞ ደጊም ኣይትበድሊ፡ በላ

Translation | Context
ዘዳግም 21:18-21 | 18 Helpful votes

ንሓደ ሰብ ህልኸኛን ዓመጸኛንቃል ኣቦኡን ቃል ኣዲኡን ዘይሰምዕ ወዲ እንተለዎ፡ እንተ ቐጽዕዎ ድማ ዘይእዘዞምኣቦኡን ኣዲኡን ሒዞም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማኡን ናብ ደገ ቦታኡን የውጽእዎ፡ ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማኡእዚ ወድና እዚ ህልኸኛን ዓመጸኛን እዩ፡ ንቓልና ኣይሰምዕንህሩፍን ሰካርን እዩ፡ ከኣ ይበልዎምኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ ይሙት ከኣ። ክፉእ ዘበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቕ፡ ብዘሎ እስራኤል ከኣ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:13 | 12 Helpful votes

ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮምሞት ይሙቱደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 24:16 | 11 Helpful votes

እቲ ስም እግዚኣብሄር ዚጸርፍ፡ ሞት ይሙት፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ብዳርባ እምኒ ይቕተሎጓና ዀነ ወይ ወዲ ዓዲ፡ ስም እግዚኣብሄር ምስ ዚጸርፍ ይሙት

Translation | Context
ዘጸአት 31:15 | 10 Helpful votes

ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዐየሳብዐይቲ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰት ሰንበት ዕረፍቲ እያ። ብመዓልቲ ሰንበት ዕዮ ዝዐየየ ዅሉ ሞት ይሙት

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 7:59-60 | 6 Helpful votes

ንእስጢፋኖስ ከኣ እናተማህለለን፡ ጐይታይ የሱስመንፈሰይ ተቐበልእናበለንብዳርባ እምኒ ቐተልዎተምበርኪኹ ኸኣ ብዓብዪ ድምጺጐይታይ፡ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሐዘሎም፡ ኢሉ ጨደረ። እዚ ምስ በለውን ዐረፈ

Translation | Context