Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

submission to human authority


ሮሜ 13:1-7 | 17 Helpful votes

ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነንክትግዝእዎም ዚግብኣኩምገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ

Translation | Context
እብራውያን 13:17 | 14 Helpful votes

ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምንንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ።

Translation | Context
ቲቶስ 3:1 | 10 Helpful votes

ንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡንመራሕቶም ኪእዘዙንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ

Translation | Context
ሮሜ 13:1 | 8 Helpful votes

ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:5 | 6 Helpful votes

ኣቱም መንእሰይከምኡ ነቶም ዚዐብዩኹም ተገዝእዎምኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶምንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡትሕትና ተዐጠቑ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:13-25 | 5 Helpful votes

ከምዚ ሰናይ እናገበርኩምዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘሎ ንጉስወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱካብኡ እተላእኩ መኳንንቲስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኩኑንዅሉ ሰብ ኣኽብሩሕውነት ኣፍቅሩንኣምላኽ ፍርህዎንንጉስ ኣኽብርዎ። ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ዓመጽቲ ኸኣ እምበር፡ ነቶም ሕያዎትን ልኡማትን ጥራይ ዘይኰነስብፍርሃት ዘበለ ንጐይተትኩም ተአዘዝዎምሓደ እኳ ስለ ሕሊና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዐሚጹ ጓሂ እንተ ተዐገሰ፡ እዚ ጸጋ እዩ። ሓጢኣት እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዐገስኩም፡ እንታይ ትምክሕቲ አለዎ፡ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዐገስኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ። ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ፡ ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈመከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ እምበርዘየፈራርሄንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕጨይቲ ጾሮብቝስሉ ኢኹም ዝሐዌኹምከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም አሎኹም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 5:29 | 4 Helpful votes

ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:13 | 3 Helpful votes

ከምዚ ሰናይ እናገበርኩምዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘሎ ንጉስወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱካብኡ እተላእኩ መኳንንቲስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ

Translation | Context
ኤፌሶን 5:21 | 3 Helpful votes

ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ።

Translation | Context
ማቴዎስ 22:21 | 2 Helpful votes

ንሳቶም፡ ናይ ቄሳርበልዎ። ሽዑ ንሱ፡ እምበኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡበሎም

Translation | Context
ኤፌሶን 5:22-33 | 2 Helpful votes

ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦምከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦምከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራኣቱም ሰብኡትኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንናክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ። እዚ ምስጢር እዚ ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ አሎኹ። ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራእታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:1-2 | 2 Helpful votes

እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበርቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ።

Translation | Context