Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

22 bible verses about

supernatural


ዘሌዋውያን 19:31 | 9 Helpful votes

ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ

Translation | Context
ኣሞጽ 3:7 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢር ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎምገለ እኳ ኣይገብርን እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 18:9-13 | 7 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚመናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሉእ ኩን

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16 | 5 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲመንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲንተግሳጽንምቕናዕንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 11:13-15 | 5 Helpful votes

ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶትዚጥብሩ ዓየይቲርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም። ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ። ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልግልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉዓብዪ ነገር ኣይኰነንመወዳእታኦም ግና ከም ግብሮም ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 53:1-12 | 4 Helpful votes

ነዚ ምስክርና መን ኣመኖቅልጽም እግዚኣብሄርከ ንመን ተጋህደሉ፧ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን ከምቲ ኻብ ንቑጽ ምድሪ ዚወጽእ ሱርን ጨብጨበመልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርኤናዮዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን። ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ፡ ብዓል ስቓይብሕማም ልዱይ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዚጒልብቡሉ ሰብ እተዋረደ እዩ፡ ንሕናውን ገለ እኳ ኣየቋጾርናዮንብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዐኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና። ኲላትና ኸም ኣባጊዕ ተባረርናነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለእግዚኣብሄር ከኣ ኣበሳ ዂላትና ኣብኡ ኣውደቖመከራ ጸገበ፡ ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፡ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን። ካብ ጥቕዓትን ፍርድን ተወስደ፡ ካብ ምድሪ ህያዋን ከም እተቘርጾ፡ ካብቶም ወለዶኡ መን ሐሰቦ፧ ብምኽንያት ገበን ህዝበይ ተቐዝፈ። እከይ ዘይገበረሓሶት ከኣ ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ ኽነሱስ፡ መቓብሩ ምስ ረሲኣን ገበሩብሞቱ ግና ምስ ሃብታም ኰነ። እግዚኣብሄር ግና ብመከራ ኺሕምሽሾ ፈተወነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈያ፡ ዘርኢ ኺርኢመዓልትታቱ ኼንውሕ እዩ፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢዱ ኺሰልጥ እዩ። ጻማ ነፍሱ ኺርኢ ኺጸግብውን እዩ። እቲ ጻድቕ ባርያ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ኬጽድቕኣበሳኦም ድማ ባዕሉ ኺጸውር እዩ። ነፍሱ ንሞት ስለ ዝወፈያ፡ ምስ በደለኛታት ከኣ ስለ እተቘጽረ፡ ስለዚ ግዲኡ ምስ ዓበይቲ ኽመቕሎ እየ፡ ምርኮውን ምስ ሓያላት ኪመቅል እዩ። ግናኸ ሓጢኣት ብዙሓት ጾረ፡ ምእንቲ በደለኛታት ከኣ ለመነ

Translation | Context
ዘጸአት 22:18 | 4 Helpful votes

ንጠንቋሊት ብህይወት ኣይትሕደጋ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 22:5-38 | 4 Helpful votes

ንሱ ኸኣ ናብታ ኣብ ጥቓ ርባ ዘላ ጴጦር ኣብ ሃገር ደቂ ህዝቡ ተቐሚጡ ዘሎ ናብ በላዓም ወዲ ቤዖር፡ ከምዚ ኢሎም ኪጽውዕዎ ልኡኻት ሰደደሉ፡ እንሆ፡ ካብ ግብጺ ዝወጸ ህዝቢ። እንሆ፡ ንሱ ገጽ ምድሪ ኸዲኑ አሎ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ መንጽረይ ተቐሚጡ አሎ። ንሱ ኻባይ ዚሕይል እዩ እሞ፡ ሕጂ ድማ መጺእካ ነዚ ህዝቢ እዚ ኽትረግመለይ እልምነካ አሎኹ። ንስኻ ዝመረቕካዮ ምሩቕዝረገምካዮ ኸኣ ርጉም ከም ዝዀነ እፈልጥ እየ እሞ፡ ምናልባሽ ክወቕዖን ካብ ሃገር ከኣ ከውጽኦን እኽእል እየ። ዓበይቲ ሞኣብን ዓበይቲ ሚድያንን ድማ ዓስቢ ጥንቊልና ኣብ ኢዶም ሒዞም ከዱ፡ ናብ በላዓም መጺኦም ከኣ ቃል ባላቅ ነገርዎ። ንሱ ድማ፡ ሎም ለይቲ ኣብዚ ሕደሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝነገረኒ ነገር ከኣ ክመልሰልኩም እየ፡ በሎምሹማምቲ ሞኣብ ድማ ምስ በላዓም ተቐመጡኣምላኽ ድማ ናብ በላዓም መጺኡ፡ እዞም ምሳኻ ዘለዉ ሰባት እንታዎት እዮም፧ በለበላዓም ከኣ ንኣምላኽ በሎባላቅ ወዲ ጺጶርንጉስ ሞኣብ፡ እንሆ፡ ካብ ምስሪ ዝወጸ ህዝቢ ገጽ ምድሪ ኸዲኑ አሎ፡ ሕጂ መጺእካ ንእኡ ርገመለይ፡ ምናልባሽ ክዋግኦን ከውጽኦን እኽእል እየ፡ ኢሉ ለኣኸለይኣምላኽ ድማ ንበላዓም፡ ምሳታቶም ኣይትኺድምሩቕ እዩ እሞ፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ኣይትርገሞበሎበላዓም ከኣ ብጊሓት ተንሲኡ ንሹማምቲ ባላቅእግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከይከይድ ከሊኡኒ እዩ እሞ፡ ንሃገርኩም ኪዱበሎምሹማምቲ ሞኣብ ድማ ተንስኡ፡ ናብ ባላቅ መጺኦም ከኣ፡ በላዓም ምሳና ምምጻእ ኣብዩበልዎባላቅ ድማ መሊሱ ኻባታቶም ዚበዝሑን ዚኽብሩን ሹማምቲ ሰደደ። ናብ በላዓም መጺኦም ከኣ፡ ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ በጃኻ፡ ናባይ ካብ ምምጻእ ኣይትተዐገትኣዝየ ከኽብረካ እየ፡ እትብለኒ ዅሉ ኸኣ ክገብር እየ እሞ፡ በጃኻ ንዓ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ርገመለይ፡ ይብል አሎ፡ በልዎ። በላዓም ድማ ንገላዉ ባላቅ መለሰሎም በሎም ከኣ፡ ባላቅ ብቤቱ መሊኡ እኳ ብሩርን ወርቅን እንተ ዚህበኒብንእሽቶ ዀነ ወይ ብዓብዪቃል እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከፍርስ ኣይክእልን እየ። ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር መሊሱ ዚብለኒ ኽፈልጥ ንስኻትኩም በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ኣብዚ ተቐመጡኣምላኽ ድማ ብለይቲ ናብ በላዓም መጺኡ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ኪጽውዑኻ መጺኦም እንተ ዀይኖም፡ ተንሲእካ ምሳታቶም ኪድእቲ ኣነ ዝብለካ ጥራይ ደኣ ግበርበሎበላዓም ከኣ ብጊሓት ተንስኤኣድጉ ጽዒኑ ድማ ምስቶም ሹማምቲ ሞኣብ ከደ። ንሱ ስለ ዝኸደ ድማ ኲራ ኣምላኽ ነደደ። ንሱ ኣድጉ ተወጢሑ ኽልተ ገላዉኡ ኸኣ ምስኡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ መልኣኽ እግዚብሄር ኪኽልከሎ ኣብ መገዲ ደው በለ። እታ ኣድጊ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄርምሉሕ ሴፍ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ኣብ መገዲ ደዉ ኢሉ ረአየት፡ እታ ኣድጊ ኸኣ ካብ መገዲ ኣግሊሳ ናብ ግራት ኣቢላ ኸደትበላዓም ድማ ነታ ኣድጊ ናብ መገዲ ኺመልሳ ወቕዓመልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ በዚ መንደቕ በቲ ድማ መንደቕ ኣብ ዘለዋ ዅዕትቲ መገዲ ደው በለ። እታ ኣድጊ ኸኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ርእያ፡ ናብቲ መንደቕ ተጸግዔት፡ ንእግዚኣብሄር ርእያ፡ ናብቲ መንደቕ ተጸግዔት፡ ንእግሪ በላዓም ድማ ናብቲ መንደቕ ኣራጸመቶ። ንሱ ኸኣ መመሊሱ ወቕዓ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ከም ብሓድሽ ንቕድሚት ሐሊፉንየማን ወይ ንጸጋም እተግልስ ኣብ ዜብላ መገዲ፡ ኣብ ጸቢብ ቦታ ደው በለ። እታ ኣድጊ ኸኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ርእያ፡ ኣብ ትሕቲ በላዓም በጥ በለት። በላዓም ድማ ኰርዩ ተናደደ፡ ነታ ኣድግ ኸኣ ብበትሪ ወቕዓ። ሽዑ እግዚኣብሄር ኣፍ እታ ኣድጊ ኸፈተ፡ ንሳ ድማ ንበላዓም፡ እዚ ሰለስተ ሳዕ ዝወቓዕካኒኸ እንታይ ገይረካ እየ በለቶበላዓም ከኣ ነታ ኣድጊስለ ዘላገጽክለይሴፍ ኣብ ኢደይ እንተ ዚህልወንስ፡ ሕጂ እኳ ምቐተልኩኺበላ። እታ ኣድጊ ድማ ንበላዓም፡ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነዊሕ ዘበንካ እተወጣሕካኒ ኣድግኻ ደይኰንኩን፧ ከምዚ ኽገብረካዶ ልማድ ነይሩኒ፧ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይፋልክን፡ በለ። ሽዑ እግዚኣብሄር ኣዒንቲ በላዓም ከፈተ እሞ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ መገዲ ደው ኢሉ፡ ምሉሕ ሴፉ ኸኣ ኣብ ኢዱ ረአየፍግም ኢሉ ድማ ብገጹ ተደፍኤመልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ ነዛ ኣድግኻ ሰለስተ ሳዕ ዝወቓዕካያ፧ እዛ መገዲ እዚኣ ኣብ ቅድመይ ቅንዕቲ ኣይኰነትን እሞ፡ እንሆ፡ ክኽልክለካ ወጻእኩ። እታ ኣድጊ ኸኣ ርእያትኒሰለስተ ሳዕ ካብ ቅድመይ ኣግለሰት፡ ካብ ቅድመይ እንተ ዘይተግልስ፡ ንእኣ ብህይወታ ሐዲገ ንኣኻ ምቐተልኩኻ ነይረ፡ በሎ። በላዓም ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄርንምኽልካለይ ኣብ መገዲ ደው ከም ዝበልካ ኣይፈለጥኩን እሞ፡ በደልኩ። ሕጂ ኸኣ ዘጕህየካ እንተ ዀይኑስ፡ እምለስበሎመልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንበላዓም፡ ምስ እዞም ሰባት እዚኦም ኪድ፡ ግናኸ እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራይ ደኣ ተዛረብበሎበላዓም ከኣ ምስቶም ሹማምቲ ባላቅ ከደባላቅ ድማ፡ በላዓም ከም ዝመጸ ምስ ሰምዔኪቃባበሎ ናብታ ኣብ ዶብ ኣርኖን ዘላ ኸተማ ሞኣብ፡ ኣብ ወሰን ዶብ ከደባላቅ ድማ ንበላዓምንምጽዋዕካ ኣጽኒዔዶ ኣይለኣኽኩልካን፧ ስለምንታይ ደኣ ናባይ ዘይመጻእካ፧ ኣጸቢቐ ከኽብረካዶ ኣይክእልን እየ፧ በሎበላዓም ከኣ ንባልቅ፡ እንሆ፡ ናባኻ መጺኤ አሎኹ። ሕጂ ገለ ነገር ክዛረብዶ እኽእል እየ፧ እቲ ኣምላኽ ኣብ ኣፈይ ዜንብረለይ ቃል ንሱ እየ ዝዛረብበሎ

Translation | Context
እብራውያን 4:12 | 3 Helpful votes

ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስንመንፈስንመፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 1:14 | 3 Helpful votes

ኵላቶምዶ ነገልግሎት እቶም ምድሓን ኪወርሱ ዘለዎም ዚለአኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት ኣይኰኑን፧

Translation | Context
ማቴዎስ 28:18 | 3 Helpful votes

የሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ።

Translation | Context
ማርቆስ 2:12 | 3 Helpful votes

ብኡብኡ ተንሲኡዓራቱ ኣልዒሉ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ወጸ፡ ኵሎም ተደነቑ እሞ፡ ከምዚ ዝበለስ ከቶ ኣይርኤናንኢሎም ንኣምላኽ ኣመስገንዎ

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:1 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ

Translation | Context
ዮሃንስ 17:17 | 3 Helpful votes

በቲ ሓቂ ቐድሶምቃልካ ሓቂ እዩ

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:1-31 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነበረትጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ፥ ብርሃን ይኹንበለብርሃን ድማ ዀነኣምላኽ ድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ከኣ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ፈለዮኣምላኽ ነቲ ብርሃን መዓልቲ ኣውጽኣሉ። ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኣውጽኣሉምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሓንቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ንማያት ካብ ማያት ዚፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹንበለኣምላኽ ነቲ ጠፈር ገበሮነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮከምኡውን ኰነኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር ሰማይ ኣውጽኣሉምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነካልአይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ እቲ ንቑጽ ምእንቲ ኺርኤስ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታ ይተኣከብበለከምኡ ድማ ዀነኣምላኽ ከኣ ነቲ ንቑጽ ምድሪ ኣውጽኣሉነቲ እኩብ ማያት ድማ ባሕሪ ኣውጽኣሉኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ድማ፥ እታ ምድሪ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ብቑልንዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ፡ ፍረ ከከም ዓይነቱ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኦም ተውጽእበለከምኡ ድማ ዀነ። እታ ምድሪ ሳዕርን ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዚህብ ብቑልንዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ዚፈሪ ኣእዋም ከኣ ኣውጽኤትኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሳልሰይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዚፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹንንዘበናትን ንመዓልታትን ዓመታትን ከኣ ንመፈለጥታ ይኹን። ኣብ ምድሪ ንምብራህ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹን፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነኣምላኽ ከኣ ኽልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፥ እቲ ዓብዪ ብርሃን ብመዓልቲ ኺስልጥን፡ እቲ ንእሽቶ ብርሃን ድማ ብለይቲ ኺስልጥንከዋኽብቲውን ገበረ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኼብርሁ፡ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኪስልጥኑንብርሃንውን ካብ ጸልማት ኪፈልዩኣምላኽ ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮምኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነራብዐይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ማያት ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል እንስሳ የውጽእ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከኣ ኣዕዋፍ ይንፈራበለኣምላኽ ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን ነቲ ማያት ዘውጽኦ በብዓይነቱ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል ኵሉንክንፊ ዘለወን በብዓይነተን ኵለን ኣዕዋፍን ፈጠረኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ድማፍረዩን ተባዝሑን ንማያት ባሕሪ ምልእዎኣዕዋፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ይብዝሓኢሉ ባረኾምምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሓምሰይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ምድሪ ህያው ነፍሲ ዘለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእበለከምኡውን ኰነኣምላኽ ከኣ ኣራዊት ምድሪ በብዓይነቱን እንስሳ በብዓይነቱን ኵሉ ለመምታ ምድሪ ኸኣ በብዓይነቱ ገበረኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበርንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡበለኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮምኣምላኽ ከኣ ባረኾምኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋንንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡበሎምኣምላኽ ድማ፥ እንሆኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩምንዅሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ኸኣ ኵሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም አሎኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየእንሆብዙሕ ጽቡቕ ኰነ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሳድሰይቲ መዓልቲ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 5:14 | 2 Helpful votes

ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮይሰምዓና እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 27:1 | 2 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ተሪርን ዓብይን ሓያልን ሰይፉ ገይሩ፡ ንሌዋታን፡ ነቲ ቕልጡፍ ተመንንሌዋታን፡ ነቲ ዚለዋወ ተመን፡ ኪቐጽዖ፡ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘሎ ገበል ከኣ ኪቐትሎ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:18 | 2 Helpful votes

ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሐልፍኵሉ ኽሳዕ ዚፍጸምካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሓልፍብሓቂ ይብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
እዮብ 26:7 | 2 Helpful votes

ንሰሜን ኣብ ባዶ ይዝርግሖንምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ የንጠልጥላ

Translation | Context
ያእቆብ 5:16 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።

Translation | Context
እዮብ 41:1-6 | 2 Helpful votes

እንሆ፡ ተስፋኡ ኸንቱ እዩ፡ ዝረኣዮ ዂሉ ኣብ ቅድሚኡ ይወድቕ። ንእኡ ኪቕስቅሶ ዚደፍር የልቦን። ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ደኣ መን እዩ፧ እቲ ቕድም ገለ ዝሀበኒ፡ ኣነውን ዝመልሰሉ፡ መን እዩ፧ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ዂሉ ናተይ እዩ። ኣነ ብናይ ኣካላቱ፡ ብናይ ብርቱዕ ሓይሉ፡ ብናይ ምጽባቕ ኣገባብራኡ ስቕ ኣይክብልን እየ። ንጌጽ ክዳኑ ዚቐልዖ መን እዩ፧ ናብ መንጎ ኽልቲኤን ምንጋጋኡ መን ይኣቱንመዓጹ ገጹ ዚኸፍት መን እዩ፧ ኣብ ዙርያ ኣስናኑ ፍርሃት አሎ።

Translation | Context