Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all3 bible verses about
ሳራይ፡ ሰበይቲ ኣብራም ከኣ ውሉድ ኣይወለደትሉን ነበረት። ኣጋር እትብሀል ግብጻዊት ግዝእቲ ድማ ነበረታ። ሳራይ ከኣ ንኣብራም፡ እንሆ፡ ኣነ ኸይወልድ እግዚኣብሄር ዓጽዩኒ እዩ፡ ምናልባሽ ብእኣ እንተ ተፋሬኹ፡ በጃኻ ናብዛ ግዝእተይ እቶ፡ በለቶ። ኣብራም ድማ ንቓል ሳራይ ሰምዔ። ኣብራም ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዓሰርተ ዓመት ምስ ገበረ፡ ሳራይ፡ ሰበይቲ ኣብራም፡ ነታ ግብጻዊት ግዝእታ ኣጋር ወሲዳ ንኣብራም ሰብኣያ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ሀበቶ። ንሱ ድማ ናብ ኣጋር ኣተወ፡ ንሳ ኸኣ ጠነሰት። ከም ዝጠነሰት ምስ ረአየት፡ ንእመቤታ ኣቃለለታ። ሳራይ ድማ ንኣብራም፡ እዚ ዝዕገቦ ዘለኹ ናብ ልዕሌኻ ይውረድ። ኣነ ግዝእተይ ኣብ ሕቝፍኻ ሀብኩኻ፡ ከም ዝጠነሰት ምስ ረአየት ከኣ ኣቃለለትኒ። እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፡ በለቶ። ኣብራም ድማ ንሳራይ፡ እንሃ፡ ግዝእትኺ ኣብ ኢድኪ እያ፡ ጽቡቕ ኰይኑ ኸም እተራእየኪ ግበርያ፡ በላ። ሽዑ ሳራይ ኣዋረደታ፡ ንሳ ኸኣ ካብ ቅድሚኣ ሀደመት። መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ኣብ በረኻ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ሹር ኣብ ዘሎ ዓይኒ ረኸባ። ንሱ ድማ፡ ኣቲ ኣጋር፡ ግዝእቲ ሳራይ፡ ካበይ መጺእኪ፡ ናበይሲ ትኸዲ አሎኺ፧ በላ። ንሳ ኸኣ፤ ኣነ ኻብ ቅድሚ እመቤተይ ሳራይ እሀድም አሎኹ፡ በለት። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ናብ እመቤትኪ ተመለሲ፡ ኣብ ትሕቲ ኢዳ ድማ ትሕት በሊ፡ በላ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንዘርእኺ ካብ ምብዛሑ እተላዕለ ኪቝጸር ክሳዕ ዘይክኣል፡ ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፡ በላ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ጥንስቲ ኢኺ ወዲ ኸኣ ክትወልዲ ኢኺ፡ እግዚኣብሄር መከራኺ ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ስሙ እስማኤል ኣውጽእሉ። ንሱ ኣብ መንጎ ሰብ ከም ኣድጊ በረኻ ኪኸውን እዩ፡ ኢዱ ናብ ልዕሊ ዅሉ፡ ኢድ ኵሉ ድማ ናብ ልዕሊኡ ኽትከውን እያ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣሕዋቱ ኸኣ ኪነብር እዩ፡ በለ። ንሳ ድማ፡ ነቲ ዚርእየንስ ኣብዚዶ ርእየዮ እየ፧ ኢላ፡ ስም እቲ ንእኣ እተዛረበ እግዚኣብሄር፡ ኣታ ዚርኢ ኣምላኽ፡ ኢላ ኣውጽኣትሉ። ስለዚ እቲ ዔላ ብኤር-ለሓይ-ሮይ ተባህለ። ንሱ እንሆ፡ ኣብ መንጎ ቃዴስን ባሬድን አሎ። ኣጋር ከኣ ንኣብራም ወዲ ወለደትሉ። ኣብራም ድማ ነቲ ኣጋር ዝወለደትሉ ወዲ ስሙ እስማኤል ኣውጽኣሉ። በቲ ኣጋር ንኣብራም እስማኤል ዝወለደትሉ ጊዜ ድማ ኣብራም ወዲ ሰማንያን ሹድሽተን ዓመት ኰይኑ ነበረ።
Translation | Contextብዛዕባ እቲ ዝጸሐፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ። ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግባኣ ይግበረላ፡ ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። ሰበይቲ፡ ሰብኣያ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ደኣ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ። ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ። እዚ ግና ከም ፍቓድ እብል አሎኹ እምበር፡ ትእዛዝ ኣይኰነን። ኲሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ኪኸውን ምፈቶኹ ነይረ፡ ግናኸ እቲ ሓደ ኸምዚ እቲ ሓደውን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ወውህበቱ አለዎ። ንዘይተመርዓዉን ንሓያማትን ግና፡ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩ፡ ጽቡቕ እዩ፡ እብል አሎኹ። ነፍሶም ኪመልኩ እንተ ዘይተኻእሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ እሞ፡ ይመርዓዉ። ነቶም እተመርዓዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ፡ ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ አሎኹ። ነቶም ካልኦት ድማ ኣነ እብል አሎኹ፡ ጐይታ ኣይኰነን፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ በታ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፡ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲውን በቲ ሓው ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ፡ ውሉድኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፡ ሕጂ ግና ቅዱሳን እዮም። ሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ አላቶ፡ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት፡ ኣይፍትሓያ፡ ሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣለዋ፡ ንሱ ኸኣ ምስኣ ኺነብር እንተ ፈተወ፡ ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ። ኣቲ ሰበይቲ፡ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢ፧ ወይስ ኣታ ሰብኣይ፡ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧ እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለ። ሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና አሎ። ብዝተረፈስ፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝዓደሎ፡ ነፍሲ ወከፍውን ከምቲ ኣምላኽ ዝጸውዖ ዀይኑ ይመላለስ፡ ንዂላተን ማሕበራት ከምኡ እየ ዝሰርዕ ዘሎኹ። ግዙር ክነሱ እተጸውዔዶ አሎ፧ ዘይግዙር ምዃኑ ኣይድለ። ዘይግዙር ክንሱ እተጸውዔኸ ኣሎዶ፧ ኣይገዘር። ምሕላው ትእዛዛት ኣምላኽ እዩ ዚጠቅም እምበር፡ ግዝረት ፍረ የብሉን፡ ዘይግዝረትውን ፍረ የብሉን። ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸዋዓሉ ጽውዓ ይንበር። ባርያ ኽነስኻ ዲኻ እተጸዋዕካ፧ ኣይትጒሄ። ሓራ ኽትወጽእ እንተ ዀነልካ ግና፡ ከምኡ ግበር። እቲ ባርያ ኽነሱ እግዚኣብሄር ዝጸውዖ፡ ናይ እግዚኣብሄር ውጹእ ሓራ እዩ። ከምኡውን እቲ ሓራ ኽነሱ እተጸውዔ፡ ባርያ ክርስቶስ እዩ። ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም፡ ባሮት ሰብ ኣይትኹኑ። ኣሕዋተየ፡ ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸውዖ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብእኡ ይንበር። ብናይ ደናግል ግና፡ እሙን ክኸውን ካብ እግዚኣብሄር ምሕረት ከም እተቐበልኩ፡ ሓሳባይ እብል አሎኹ እምበር፡ ካብ እግዚኣብሄር ትእዛዝ የብለይን። እምብኣርሲ ንሰብ ብምኽንያት እቲ ሎሚ ዘሎ ጭንቀት ከምታ ዘለዋ ዀይኑ ኺነብር ጽቡቕ ከም ዝዀነ፡ ይመስለኒ። ብሰበይትኻዶ እሱር ኢኻ፧ ፍትሕ ኣይትድለ። ብሰበይትኻዶ ኣይተኣሰርካን፧ ሰበይቲ ኣይትድለ። ግናኸ እንተ ተመርዖኻ፡ ሓጢኣት ኣይገበርካን፡ ድንግልውን እንተ ተመርዓወት፡ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና ብስጋ መከራ ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ኣነ እንሕፈኩም አሎኹ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ግና እነግር አሎኹ፡ እቲ ዘመን ሓጺር እዩ፡ እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ድሕርዚ ኸም ዜብሎም ይኹኑ። እቶም ዚበኽዩ ኸም ዘይበኽዩ፡ እቶም ዚሕጐሱ ኸኣ ከም ዘይሕጐሱ፡ እቶም ዚዕድጉውን ከም ዘየጥረዩ ይኹኑ። ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ፡ እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ። ኣነ ግና ብዘይ ሓልዮ ኽትኰኑ እየ ዝፈቱ። እቲ ዘይተመርዓወ ኸመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጒሶ ብናይ ጐይታ እዩ ዚሐሊ። እቲ እተመርዓወ ግና ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሐጒሳ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዚሐሊ። ናይ ምርዕውቲ ሰበይትን ናይ ድንግልን ድማ በበይኑ እዩ። እታ ዘይተመርዓወት፡ ስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ ኢላ፡ ብናይ ጐይታ እያ እትሐሊ፡ እታ ምርዕውቲ ግና፡ ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጒሶ፡ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሐሊ። ብተገብኤ ነገርን ብጽንዓትን ከይተናቓነቕኩም ብጐይታ ኽትጸንዑ እምበር፡ መፈንጠራ ምእንቲ ኽገብረልኩም ኣይኰንኩን፡ እዚ ንረብሓ ርእስኹም እዩ ዝብሎ ዘሎኹ። ግናኸ ሓደ በታ ድንግል ጓሉ ዜሕፍር ዘለዎ እንተ መሰሎ፡ ኣዝያ ኸኣ ብጽሕቲ እንተ ዀነት፡ ከምዚ ኪኸውን ድማ ዚግባእ እንተ ዀይኑ፡ ዝደለየ ይግበር፡ ሓጢኣት የብሉን፡ ንሰብኣይ ይሃባ። ግናኸ እቲ ብልቡ ወዲእዎ ዝጸንዔ፡ ግዲ ዘይኰኖ፡ ኣብ ገዛእ ፍቓዱ ምልኪ ዘለዎ፡ እታ ጓሉ ብድንግልናኣ ኽትነብር ብልቡ ዝቘረጾ፡ ጽቡቕ ይገብር። እምብኣርሲ እቲ ንጓሉ ንሰብኣይ ዚህብ ጽቡቕ ይገብር፡ እቲ ዘይህብ ከኣ ዚሐይሽ ይገብር። ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ዘመን፡ እስርቲ እያ። ሰብኣይ እንተ ሞተ ግና፡ ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ። ከም ሓሳበይ ግና፡ ከምቲ ዘላቶ ዀይና እንተ ትነብር፡ ኣዝያ ብጽእቲ ምዀነት፡ ኣነውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎኒ ይመስለኒ አሎ።
Translation | Contextራሄል ድማ ንያእቆብ ከምዘይወለደትሉ ምስ ረአየት፡ ንሓብታ ቐንኣትላ፡ ንያእቆብ ከኣ፡ ውሉድ ሀበኒ፡ እንተ ዘይኰነስ እመውት አሎኹ፡ በለቶ። ሽዑ ዅራ ያእቆብ ኣብ ራሄል ነዲዱ፡ ኣነዶ ኣብ ክንዲ እቲ ፍረ ኸርሲ ዝኸልኣኪ ኣምላኽ እየ፧ በላ። ንሳ ኸኣ፥ እንሃ፡ ቢልሃ ግዝእተይ፡ ንሳ ኣብ ብርከይ ክትወልድ፡ ብእኣ ድማ ኣነ ኽፋረ፡ ናብኣ እቶ፡ በለት። ንቢልሃ ግዝእታ ኸኣ ሰበይቱ ኽትከውን ሀበቶ። ያእቆብ ድማ ኣእተዋ። ቢልሃ ጠነሰት፡ ንይእቆብ ድማ ወዲ ወለደትሉ። ሽዑ ራሄል፡ ኣምላኽ ፍትሒ ኣውጺኡለይ፡ ቃለይ ሰሚዑውን ወዲ ሂቡኒ፡ በለት። ስለዚ ስሙ ዳን ኣጽኣትሉ። ቢልሃ ግዝእቲ ራሄል ከኣ መሊሳ ጠነሰት፡ ንያእቆብ ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ። ሽዑ ራሄል፡ ቅልስ ኣምላኽ ምስ ሓብተይ ተቓሊሰ ሐየልኩ፡ በለት። ስሙ ኸኣ ንፍታሌም ኣውጽኣትሉ። ልያ ኸኣ ካብ ምላድ ከም ዘቛረጸት ምስ ረአየት፡ ዚልጳ ግዝእታ ወሲዳ፡ ንያእቆብ ሰበይቱ ኽትከውን ሀበቶ። ዚልጳ ግዝእቲ ልያ ድማ ንያእቆብ ወዲ ወለደትሉ። ሽዑ ልያ፡ ኣሰይ፡ ኢላ ስሙ ጋድ ኣውጽኣትሉ። ዚልጳ ግዝእቲ ልያ ንያእቆብ ካልኣይ ወዲ ድማ ወለደትሉ። ልያ ኸኣ፡ ርሕስቲ ዀይነ እየ እሞ፡ ኣዋልድ ብራሕሰይ ይውድሳኒ፡ በለት። ስሙ ድማ ኣሴር ኣጽኣትሉ። ሮቤል ድማ በቲ ስርናይ ዝዐጽደሉ ወርሓት ከይዱ ኣብ መሮር ምልዖ ረኸበ፡ ናብ ኣዲኡ ልያ ኣምጽኦ። ሽዑ ራሄል ንልያ፥ ካብዚ ምልዖ ወድኺ ዀታ ሀብኒ፡ በለታ። ንሳ ኸኣ፡ ሰብኣየይ ዝወሰድክለይዶ ንእሽቶ ነገር እዩ፧ ምልዖ ወደይ እንዶ ድማ ክትወስዲ፧ በለታ። ራሄል ከኣ፡ እሞ ኣብ ክንዲ ምልዖ ወድኺ እዛ ለይቲ እዚኣ ምሳኺ ይደቅስ፡ በለት። ምሸት ያእቆብ ካብ መሮር ኪአቱ ኸሎ ድማ፡ ልያ ኽትቅበሎ ወጺኣ፡ ብምልዖ ወደይ ዐዲገካ እየ እሞ፡ ናባይ ኢኻ እትአቱ፡ በለቶ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ ምስኣ ደቀሰ። ኣምላኽ ድማ ንልያ ሰምዓ፡ ጠነሰት፡ ንያእቆብ ከኣ ሓምሳይ ወዲ ወለደትሉ። ልያ ድማ፡ ግዝእተይ ንሰብኣየይ ክንዲ ዝሀብኩ፡ ኣምላኽ ዓስበይ ሀበኒ፡ በለት። ስሙ ኸኣ ይሳኮር ኣውጽኣትሉ። ልያ ድማ መሊሳ ጠነሰት፡ ንያእቆብ ከኣ ሳድሳይ ወዲ ወለደትሉ። ልያ ድማ፡ ኣምላኽ ጽቡቕ ህያብ ሂቡኒ፡ ሕጂ ሹድሽተ ወዲ ወሊደሉ እየ እሞ፡ ደጊም ሰብኣየይ ምሳይ ኪነብር እዩ፡ በለት። ስሙ ኸኣ ዛብሎን ኣውጽኣትሉ። ድሕርዚ ድማ ጓል ወለደት፡ ስማ ኸኣ ዲና ኣውጽኣትላ። ኣምላኽ ድማ ንራሄል ዘከራ። ኣምላኽ ከኣ ሰምዓ እሞ ማሕጸና ኸፈተላ። ንሳ ድማ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፥ ኣምላኽ ሕስራነይ ኣርሐቐ፡ ከኣ በለት። እግዚኣብሄር ካልእ ወዲ ድማ ይወስኸኒ፡ ኢላ ኸኣ ስሙ ዮሴፍ ኣውጽኣትሉ።
Translation | Context