Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

22 bible verses about

tarot cards


ዘዳግም 18:9-12 | 13 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚመናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:31 | 10 Helpful votes

ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:6 | 6 Helpful votes

ናብቶም መናፍስቲ ጥንቈላ ዘለውዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ብምንዝርና ኽትስዕቦም ኢላ እትምለስ ነፍሲ፡ ኣነ ገጸይ ናብታ ነፍሲ እቲኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ መንጎ ህዝባ ኸኣ ክምንቊሳ እየ

Translation | Context
ዘዳግም 18:9-14 | 6 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚመናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሉእ ኩን። እቶም ንስኻ እትወርሶም ህዝብታት፡ ነቶም ብደበና ዚፈልጡን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ይሰምዑ፡ ንኣኻ ግን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ዝበለ ኣይፈቐደልካን

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:26 | 6 Helpful votes

ምስናይ ደም ገለ እኳ ኣይትብልዑኣይትጠንቊሉን ኣይተማርቱን

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:27 | 6 Helpful votes

ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ መንፈስ ጥንቈላ እንተለዎ፡ ወይ መውደቕ ዛዕጐል እንተ ዀነ፡ ሞት ይሙትብዳርባ እምኒ ይቕተልዎም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 18:10 | 6 Helpful votes

ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 11:13-15 | 5 Helpful votes

ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶትዚጥብሩ ዓየይቲርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም። ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ። ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልግልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉዓብዪ ነገር ኣይኰነንመወዳእታኦም ግና ከም ግብሮም ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 10:13-14 | 5 Helpful votes

ሳኦል ከኣ ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላውን ነታ ጠንቋሊት ምኽሪ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ብዝበደሎ በደል ሞተንእግዚኣብሄር ኣይጠየቐን፡ ስለዚ ቐተሎ፡ ነታ መንግስቲ ኸኣ ናብ ዳዊት ወዲ እሴይ ኣዛወራ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 19:17-19 | 4 Helpful votes

እዚ ነገርዚ ኣብቶም ኣብ ኤፌሶን ዚነብሩ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኲላቶም ተፈልጠንዂላቶምውን ፍርሃት ወደቖምስም ጐይታና የሱስ ከኣ ተመስገነ። ካብቶም ዝአመኑ ኸኣ ብዙሓት ነቲ ዝገበርዎ እናተአመኑን እናነገሩን መጹብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዂሉ ኣንደድዎዋጋኡ እንተ ተጸብጸበ ኸኣ፡ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ኰይኑ ተረኽበ

Translation | Context
ራእይ 21:8 | 4 Helpful votes

እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 8:9-13 | 3 Helpful votes

ስምኦን ዚብሀል ጠንቋሊ ሰብኣይ ግና ካብ ቀደም ሒዙ ኣብታ ኸተማ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ዓብዪ እየ ብምባሉ ንህዝቢ ሰማርያ የስተንክሮም ነበረ። ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም፡ እቲ ዓብዪ ዚብሀል ሓይሊ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ እናበሉ ጽን ይብልዎ ነበሩ። ሓያሎ ዘመን ብጥንቈላኡ ስለ ዘስተንከሮም ድማ፡ ጽን ይብልዎ ነበሩ። ፊልጶስ ግና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ስም የሱስ ክርስቶስን ኣበሲርዎም፡ ምስ ኣመንዎሰብኡትን ኣንስትን ተጠምቁስምኦን ባዕሉ እኳ ድማ ኣመነ፡ ምስ ተጠምቀ ኸኣ፡ ናብ ፊልጶስ ለገበትእምርትን ዓበይቲ ሓይላትን ኪግበር ምስ ረአየውንተገረመ

Translation | Context
ራእይ 22:15 | 3 Helpful votes

እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመናዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዚፈትዉዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም።

Translation | Context
ዘጸአት 7:10-12 | 3 Helpful votes

ሙሴን ኣሮንን ከኣ ናብ ፈርኦን ኣተዉ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ድማ ከምኡ ገበሩኣሮን ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላዉኡን በትሩ ደርበየተመን ከኣ ዀነት። ፈርኦን ድማ ነቶም ጠቢባንን ሰረይትን ጸውዖምንሳቶም፡ እቶም ጠንቈልቲ ግብጺብስራዮም ከምኡ ገበሩነፍሲ ወከፎም በበትሮም ደርበዩኣትማን ከኣ ዀና። በትሪ ኣሮን ግና ነተን ኣባትሮም ወሐጠተን

Translation | Context
ህዝቅኤል 13:18 | 3 Helpful votes

ንነፍሳት ኬፈንጥራስ፣ እተን መኼዳ ንዅሉ ዅርናዕ ኣእዳው ዚሰፍያን ንዓብይን ንንእሽቶይን ኵሉ ርእሲ ድማ መጐልበቢ ዚገብራን ወይለኤንነፍሳት ህዝበይ ትፍንጥራነፍሳትክንዶ ኸተድሕና ኢኽን፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽኢልካ ንገር።

Translation | Context
ዘዳግም 18:11 | 2 Helpful votes

ወይ ተራጋሚመናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ።

Translation | Context
ዘጸአት 7:22 | 2 Helpful votes

እቶም ጠንቈልቲ ግብጺ ድማ ብስራዮም ከምኡ ገበሩልቢ ፈርኦን ከኣ ተረረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ኣይሰምዖምን

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:7-11 | 2 Helpful votes

ግናኸ ንነፍሲ ወከፍ ምግላጽ መንፈስ ንጥቕሚ ይውሃቦ እዩ። ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሃቦ እዩ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ፡ ንሓደ ግና እምነት በቲ ሓደ መንፈስንሓደ ድማ በቲ ሓደ መንፈስ ናይ ምፍዋስ ውህበት ይውሃቦ፡ ንሓደ ኸኣ ግብሪ ሓይሊ ንምግባር፡ ንሓደ ትንቢትንሓደ ምልላይ መናፍስቲንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቛንቋታት፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሃቦ። እዚ ዂሉ ኸኣ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ከም ዚደልዮ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ገግዲኡ እናመቐለ እዩ ዚገብሮ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 19:18 | 2 Helpful votes

ካብቶም ዝአመኑ ኸኣ ብዙሓት ነቲ ዝገበርዎ እናተአመኑን እናነገሩን መጹ

Translation | Context
መዝሙር 103:2-4 | 2 Helpful votes

ነፍሰይንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ፣ ንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፣ ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዚብጀዋብሳህልን ምሕረትን ዚኽልለኪ

Translation | Context
መዝሙር 23:1-6 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒበርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 12:7 | 2 Helpful votes

ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸኣ፡ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ።

Translation | Context