Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።
Translation | Contextእዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ።
Translation | Contextኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ኺጽልየሎም፡ ቈልዑ ናብኡ ኣምጽኡ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ገንሕዎም። የሱስ ግና፡ መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕደጉ፡ ቈልዑ ናባይ ንምምጻእ ኣይትኸልክልዎም፡ በለ። ኢዱ ኣንቢሩሎም ከኣ፡ ካብኡ ኸደ።
Translation | Contextብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ፡ ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ።
Translation | Contextንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተምሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ።
Translation | Contextኲላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም፡ ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextንደቅኻ ምሀሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ።
Translation | Contextኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዓርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextእንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።
Translation | Contextንቘልዓ ብሸቦጥ እንተ ግረፍካዮ፡ ኣይመውትን እዩ እሞ፡ ብዘይ መቕጻዕቲ ኣይትግደፎ። ብሸቦጥ ትገርፎ እሞ፡ ንነፍሱ ኻብ ሲኦል ተድሕና።
Translation | Contextእቲ ኸም ንውሉድ ገይሩ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ነቲ ዚቕበሎ ዘበለ ውሉድውን ይገርፎ፡ ስለዚ ቕጽዓት ጐይታ ኣይትንዓቕ፡ እንተ ገንሓካውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ፡ ኢሉ ዚዛረበኩም ዘሎ ምዕዶ ኸኣ ረሲዕኩምዎ አሎኹም። ቅጽዓት እንተ ተዓገስኩም፡ ኣምላኽ ከም ውሉድ ገይሩ ይርእየኩም እዩ። ኣቦኡ ዘይቀጽዖኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ፧ ብዘይ እታ ዅሎም ዝሐበሩላ ቕጽዓት እንተ ዀንኩም ግና፡ ደቓሉ እምበር፡ ውሉድ ኣይኰንኩምን። ኣብ ርእሲ እዚውን ዚቐጽዑና ኣቦታት ስጋና ኻብ ዚነብሩና እሞ ካብ እንሐፍሮም፡ ብህይወት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ነቲ ኣቦ መናፍስቲ ኣዚና ኽንእዘዞዶ ኣይግብኣናን እዩ፧ እቲኣቶምሲ ንቕሩብ መዓልቲ ኸም እተራእዮም ገይሮም ቀጽዑና፡ ንሱ ግና፡ ካብ ቅድስናኡ ምእንቲ ኽንማቐል ኢሉ፡ ንጥቕምና እዩ ዚቐጽዓና። ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ።
Translation | Contextንመን ደኣ ፍልጠት ኪምህር እዩ፧ ንመንከ እዩ ነታ መልእኽቲ ኸም ዜስተውዕላ ዚገብሮ፧ ነቶም ጸባ ኣዲኦም ዝሐደጉ፡ ካብ ጡብ እተፈልዩ ድዩ፧ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ባህሊ፡ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ባህሊ፡ ሒደት ኣብዚ፡ ሒደት ኣብቲ እዩ።
Translation | Contextገና ተስፋ ኸሎ፡ ንወድኻ ቕጽዓዮ፡ ክሳዕ ንምቕታሉ ግና ኣይትናደድ።
Translation | Contextነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራ፡ ነፍሰን ዚቐጽዓ ንጹሃት፡ ቤተን ዚኣልያ፡ ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና ኼለብምኤን ምዓደን።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ዚገድድ ፍርዲ ኸም እንቕበል ፈሊጥኩም፡ ብዙሓት መምህራን ኣይትኹኑ።
Translation | Contextዎ ህዝበይ፣ ንሕገይ ጽን በሎ፣ ኣእዛንካ ናብ ቃላት ኣፈይ ኣድንን። ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፣ ናይ ቀደም ምስጢራት እነግር አሎኹ፣ እቲ ዝሰምዕናዮን ዝፈለጥናዮን፣ ኣቦታትናውን ዘዘንተዉልና፣ ካብ ውሉዶም ኣይንሐብኦን፣ ነቲ ዚመጽእ ወለዶስ ምስጋና እግዚኣብሄርን ስልጣኑን እቲ ዝገበሮ ተአምራቱን ደኣ ንነግሮ። እቲ ዚመጽእ ወለዶ፣ እቶም ዚውለዱ ደቂ ኺፈልጥዎ፣ ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ንውሉዶም ምእንቲ ኼዘንትውዎስ፣ ተስፋኦም ናብ ኣምላኽ ኪገብሩ፣ ትእዛዛቱ ኺሕልዉ እምበር፣ ተግባር ኣምላኽ ምእንቲ ኸይርስዑ፣ ከም ኣቦታቶም፣ እቲ ህልኸኛን ዓለወኛን ወለዶ፣ ከምቲ ልቡ ቀጥ ዘይበለ፣ መንፈሱውን ናብ ኣምላኽ ዘይተኣመነ ወለዶ ኸይኮኑስ፣ ኣብ ያእቆብ ምስክር ኣጽንዔ፣ ኣብ እስራኤል ከኣ ሕጊ ኣቘመ፣ እዚውን ንውሉዶም ኬፍልጥዎስ፣ ነቦታትና ኣዘዞም።
Translation | Contextክፉእ መዓልታት ከይመጸ፡ ባህ ኣይበለንን እትበለሉ ዓመታት ከአ ኸይቀረበ ኸሎ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።
Translation | Context